Dehai

(ኤፍቢሲ) ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ካብ ዓውዲ ወፃእ ከምዝተወሰደ ኣፍሊጦም

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 31 March 2021

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ካብ ዓውዲ ወፃእ ከምዝተወሰደ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ (ኤፍቢሲ)ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ካብ ዓውዲ ወፃእ ከምዝተወሰደ ኣፍሊጦም።

እቲ ዝተውሃበ መግለፂ ስዒቡ “ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፌዴሬሽን ክወሃዱ ኢዮም ኣብ ዝብል ጉዳይ መንግስቲ እንታይ ቅዋም ክህልዎ ይኽእል?” ብዝብል ዝቐረበ ሕቶ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ንዝቐረበ ሕቶ ዝተውሃበ ምላሽ ውሱናት መራኸብቲ ሓፋሽ ብዝተፈለየ ዓውዲ ከምዘቕረብዎ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ንኤርትራዊያን ወገናት እቲ ጉዳይ ካብ ዓውዲ ወፃእ ከምዝተወሰደ ነክፈልጡ ኣተሓሳስብ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ንሉእላውነት ኤርትራ ዘይነቓነቕ ቅዋም ኣለዎም አውን ኢሎም።

“ኣነ ከም ውልቀ ሰብ  እውን ንሉእላውነት ኤርትራ ኣኽብር ኢየ” እንትብሉ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንዝተፈጠረ ምድንጋር ይቅርታ እሓትት ከምዝበሉ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events