Date: Monday, 17 May 2021
ኤምባሲ ሜድያ ከም ኣካል እዚ ዓቢይ ሃገራዊ መደብ፥ መበል 30 ዓመት ጽምብል በዓል ናጽነት ንምጽንባል፥ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራዊያን ኣብ ሓደ መድረኽ ብማንዛ (Virtual) ብእኩብ ይኹን ብተናጸል ዝሳተፍዎ ንሓደ ሰሙን ዝቕጽል መደባት ጽምብል ቅነ ናጽነት ሎሚ ዕለት 18 ግንቦት 2021 ይጅምር ከምዘሎ ነበስር። እዚ መደብ’ዚ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዘካየድናዮም ናይ ማንዛ (Virtual) መደባት ዝሰፍሐን ፍሉይ ትሕዝቶታት’ውን ዘጠቓለለ ክኸውን እዩ።
መደባትና ብናይ ኤምባሲ ሜድያ ቻነላት፥ You Tube፥ Facebook ፥ ከምኡ’ውን Live Stream ክዝርጋሕን፥ ክፍኖን ምዃኑ ብኣኽብሮት ንሕብር፡፡
ንጉዕዞ ናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነት ከምኡ ውን ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 20 ዓመታት ብከቢድ መስዋእቲ ንዝተረኽበ ናጽነትና ንምምንጣል ፥ ብእገዳን ወተሃደራዊ መጥቃዕትን ዝተሰነየ ኣብ ፖለቲካ ፥ ዲፕሎማሲ ፥ ቁጠባንዘየቋርጽ ዓለማዊ ተጻብኦን ዝተካየደ መኸተን ዝተረኽቡ ዓወታትን፥ ኣብ መደብ "ኤርትራ ሎሚ" ኣብ ዝተሓልፈ ገድሊ - ዘተኮረ ኮይኑ ንምምጻእ ናጽነት ኤርትራ ዝተሰግረ ኩሉ ዓይነት ተወፋይነትን ብልሓትን ርእሰ ምርኮሳን ናይ ሓፋሽ ውድባትን ተጋደልትን ተዘክሮታት ዝድህስስ መደብ ሰፊሒ ታሪኻዊ ትንታነታት ክቀሪቡ ኢዮም።
እዛ ሎሚ እንጽምብላ ዘለና ዕለት፡ ነታ ብብዙሕ መስዋእትን መድመይትን ዝተረኽበት፡ ሰብኣዊ ክብረትናን መንነትናን ዘረጋገጽናላ ናጽነትና ንምዝካር ዓመት-ዓመት ካብ ዝጸምበልናየን ዕለታት፡ ሓነቲ ካብ እታ ዝረዘነት ምዃና ዘካትዕ ኣይኰነን።