Dehai

መበል 30 ዓመት ጽንብል ናጽነት 'ብሪጣንያ' (Reports / Pictures)

Posted by: Yared Tesfay

Date: Monday, 17 May 2021

ናይ ለንዘበን መበል 30 ዓመት ጽንብል ናጽነትና፥ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ዓለማዊ ተረኽቦ ለበዳ ኮቪድ 19፥     ህዝብን ሃገርን  ንምድሓን ኣብ ፈታኒ መድረኽ ንጽንብሎብምህላውና፥ ንጽንብል ናጽነትና ረዚን ሓላፍነት    ሃገርን ህዝብን ዘሰክም ይገብሮ። 

ኤምባሲ ሜድያ ከም ኣካል እዚ ዓቢይ ሃገራዊ መደብ፥ መበል 30 ዓመት ጽምብል በዓል ናጽነት  ንምጽንባል፥ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራዊያን ኣብ ሓደ መድረኽ ብማንዛ (Virtual) ብእኩብ ይኹን ብተናጸል ዝሳተፍዎ ንሓደ ሰሙን ዝቕጽል መደባት ጽምብል ቅነ ናጽነት ሎሚ ዕለት 1ግንቦት 2021 ይጅምር ከምዘሎ ነበስር። እዚ መደብ’ዚ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዘካየድናዮም ናይ ማንዛ (Virtual) መደባት ዝሰፍሐን ፍሉይ ትሕዝቶታት’ውን ዘጠቓለለ ክኸውን እዩ።

መደባትና ብናይ ኤምባሲ ሜድያ ቻነላት፥ You Tube፥ Facebook ፥ ከምኡ’ውን Live Stream ክዝርጋሕን፥ ክፍኖን ምዃኑ ብኣኽብሮት ንሕብር፡፡

መክፈቲ መደብ መበል 30 ዓመት ጽንብል ናጽነት 'ብሪጣንያ' ብአምባሳደር እስቲፋኖስ ብተማርያም ብሽግ ናጽነት 2021 ኣብ ብሪጣንያ ብምውላዕ ትክፊቱ፡፡
ባንዴራይ ኣምበልብልን፥ ሽግ ናጽነት 2021፥ ነበርቲ ዝተፈላለየ ከተማታት ብሪጣንያ (London, Leister, Birmingham, Manchester, Coventry, Nottingham, Newcastle, Liverpool, Leeds, Sheffield) ኣብ ከተማታት መካይኖም ብባንዴራ ኣወቂቦም ኣብ ውሩያት ጎደናታት ሰልፊ መካይን ካይዱም፡፡

ንጉዕዞ ናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነት ከምኡ ውን ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 20 ዓመታት ብከቢድ መስዋእቲ ንዝተረኽበ ናጽነትና ንምምንጣል ፥ ብእገዳን ወተሃደራዊ መጥቃዕትን ዝተሰነየ ኣብ ፖለቲካ ፥ ዲፕሎማሲ ፥ ቁጠባንዘየቋርጽ ዓለማዊ ተጻብኦን ዝተካየደ መኸተን ዝተረኽቡ ዓወታትን፥ ኣብ መደብ "ኤርትራ ሎሚ" ኣብ      ዝተሓልፈ ገድሊ - ዘተኮረ ኮይኑ ንምምጻእ ናጽነት ኤርትራ ዝተሰግረ ኩሉ ዓይነት ተወፋይነትን ብልሓትን   ርእሰ ምርኮሳን ናይ ሓፋሽ ውድባትን ተጋደልትን ተዘክሮታት ዝድህስስ መደብ  ሰፊሒ ታሪኻዊ ትንታነታት ቀሪቡ ኢዮም። 

እዛ ሎሚ እንጽምብላ ዘለና ዕለት፡ ነታ ብብዙሕ መስዋእትን መድመይትን ዝተረኽበት፡ ሰብኣዊ ክብረትናን   መንነትናን ዘረጋገጽናላ ናጽነትና ንምዝካር ዓመት-ዓመት ካብ ዝጸምበልናየን ዕለታት፡ ሓነቲ ካብ እታ ዝረዘነት ምዃና ዘካትዕ ኣይኰነን።





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events