Dehai

ውሑዳት ግን ኣብ ቓልዕ ወጺኦም/ኤን እንተለፍለፉ/ፋ፣ ካብ ብዝሒ ምዝራብ መርቒኖም ንነብሶም ከም ጀጋኑ ዝቖጽሩዋ ኣሎዉ፣ ጅግንነት ግን ኣብ ዓዲ ጀጋኑ ኮንካ እምበር ካብ ርሑቕ ኣብ ማዕዶ ተኾይጥካ ብመልሓስ [መደረ] ኣይፍጸምን'ዩ!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 27 May 2021

"ሓደ ነገር ኣሎ ንዓይ ዝገርመኒ፣ ሓደ ነገር ኣሎ ንዓይ ዝገርመኒ፣ ኣብ ደገ ዘሎና ኢና ጀጋኑ ይመስለኒ"

ስነ ጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ ተኽለሚካኤል ገብሩ [ወዲ ገብሩ]

https://www.facebook.com/100001351497949/videos/pcb.3819228174798861/3819120634809615

ንዓይ'ውን ኩሉ ግዜ' ዝገርመኒ፣ ኽቡር ኣያይ ተኽለሚካኤል ንዓኻ ጥራይ ኣይኮነን ዝገርመካ ኔሩ!

=======================================================================================================

ኣብ ግዜ ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ንሃገረ ኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ኣንጻር ኣረሜናዊ [Fascist] ወትሃደራዊ ስርዓት ደርጋዊት ኢትዮጵያ ነበር ከቢድ መስዋእቲ እናኸፈለ መዓልታዊ ጅግንነት ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበሩ እዋን፣ ኣብ' እዋን' ገለ ተረፍ-መረፍ ተሓኤ [ጀብሃ] ነበር ኣብ ደገ ተኾይጦም ውድባቶም ከም ዝሰርሕዎ ጌሮም ከይሓነኹ ብሓሶት ክሽቅጥሉን ክዛረቡሉን እንከለውን፣ በቲ ሓደ ወገን ድማ "ብሻዕብያ ትመጽእ ናጽነት ናጽነትና ኣይኮነትን፣ ሻዕብያ ክትጠፍእ ኣሎዋ" ኢሎም ሽምጥኦም ገቲሮም ኣንጻር ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን እሞ ኸኣ ኣብ ርሑቕ ሃገራት ኮይኖም ብማዕዶ [ነዚ ናይ ሎሚ ዝመሳሰል] ኣንጻር ሓርነትን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ይቃለሱ ኔሮም እዮም።

 

ከም ውጽኢቱ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ከቢድ ኩለንትናዊ ቓልስን ማእለያ ዘይብሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ብሉጻት ኽቡር መስዋእትን ኣካላውን ስነ-እእምሮእውን ስንክልና ዝተከፍሎ ናጽነት ኤርትራ፣ ሕጋዊ መደምደምታ ንኽግበረሉ ኣብ ዝተኻየደ ምምራጽ ድምጺ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ [Referendum] እቲ ኹሉ ዝገበርዎ ዝነበሩ ኣዕናዊ ጸረ-ህዝቢ ምንቅስቓስ ዕሽሽ ተባሂሎም ድምጾም ክህቡ ብህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ብኽብሪ ተዓዲሞም እንከብቅዑ፣ ነዚ ኽቡር ዕድመ' ነጺጎሞ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ምሉእ ወጻኢ ሃገራት ህዝቢ ኣብ ዘድምጸሉ ዝነበረ ነቑታጣታት፣ እቲ ምሃብ ድምጺ ንኽዳናቐፍ ወጻእተኛታት ጋዜጣኛታት ዓዲሞም ብተንቀሳቓሲ ስእልታት እናልዓሉ ብጭርሖ ጸረ ህዝቢ ክርብሽዎ ውዒሎም እዮም። እዚ ድማ ንዕኦም ንምጥቃን ዘይኮነስ፣ ኣብቲ እዋን' ዝነበረ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ።

 

ልክዕ ተመሳሳሊ ከምቲ ናይ ቀደም፣ ሎሚ ኸኣ ገለ ካብ ሃገር ሃዲሞምን ፈርጢቶምን ኣብ ክንዲ ዘምጽኦም ዋኒን ዝገብሩ፣ ኣብ ማዕዶ ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ወያነ ብግልያነትን ክድምናን ተዓሲቦም ንኣስታት 20+ ዓመታት ዝኣክል ምስ' ምትሩስ ሃዳሚ ህውሓት/ማሌሊት ነበርን ጎይቶቱ ሓያላት ባዕዳውያን ሓይልታትን ኮይኖም ልክዕ ከምታ ናይ ቀደም ንሻዕብያን ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ኤርትራን ንኸጥፍኡ ዘይፈሓሩዎ እምኒን ዘይኳሕኩሕዎ ማዕጾን ዳርጋ የሎን።ሕሉፍ ሓሊፎም ድማ ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰርሑን ዘጉርዑን ዝነበሩን ዘለዉን "ትግራይ ትዕወት" ኢሎም ዝጭርሑን "ሰራዊት ኤርትራ ክሰዓር ኣሎዎ" ኢሎም ተጠሊዖም ዝኣወጁን ዘይሓንኩ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን [ወየንቲ ደምበ ዕንክሊል ከይረሃጽካ ደለይቲ ፍትፍት ጸብሒ] ጌና'ውን ኣሎው። ንነብሶም ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለማት ተኾይጦም ነንሓድሕዶም "ጅግና ጀግኒት" እናበሉ ከይሓፈሩ ክወዳደሱን ኣብ መሳኹቲ መቛየቚ ሳንቲም ዘይክፈሎ ስእላዊ ዕምባባ ክተዃዀቡ [ክተዓዳደሉ] ኣብ ሕልሚ ዓለም ይነብሩ ኣሎዉ።

 

ክምዚ'ኣቶም ዝኣመሰሉ ዘርምዘርሞ መጉሃይ ዘመዶም [ሃገሮም] "ተሓጓሚ ኸሎስ ተሓዚ ይጠርጥ" ከም ዝበሃል ኽቡርን ጽኑዕን በዓል ምሉእ ዓቕሊ ጅግና ሕቡን ህዝቢ ኤርትራ እንከሎዎም፣ ንደመኛታት ጸላእትና ከም መስፍናዊት ጃንዳ ህውሓት/ማሌሊት ነበር ብንዋይ ዝዕሰቡን ዝኽድሙን ዝነበሩ፣ ንታሪኻውያን ተጻያት ናጽነትና ባዕዳውያን ሓያላት መንግስታት ዓለም ከም "ታቦት" ዘምልኹን ዝሰግዱን ንዓ ኢሎም ከይጸውዕውዎም ዎሆይ ዝብሉ ኰሻማት ተለኣኣኽቲ፣ እቲ ኩሉ ግናይ ሸርሕታቶም ምስ ፈሸለን ከም ጥርሙስ ተሰባቢሩ ምስ ተሓምሸሸን፣ ገሊኦም እቲ ዝፈጸሙዎ ጸረ-ህዝቢ ተግባራት ረሲዖም ሕሉፋት ሃገራውያን ክመስሉ ተቐላቒሎም ኣሎዉ። እቶም ገለ ኽፋል ናቶም ድማ እቲ ቀላቢኦምን ለኣኺኦምን ስለ ዝዓረበን ዝተቕብረን፣ ብስምባደ ነጸልኦም ደርብዮም "ትግራይ ትዕወት-ሰራዊት ኤርትራ ክሰዓር ኣለዎ-ውግእ ኣየድልን እዩ"....ወዘተረፈ ኢሎም ምስ ትግራዎት ኮይኖም ፈቖድኡ እናገዓሩ ናብ ሓውሲ ጽሉላት ተቐይሮም መስሓቕ ዓለም ኮይኖም ኣሎዉ፣ ሓሻኻ!

 

እቲ ዝተኣማመኑላን ዝምክሑላን ዝነበረት ዓሌታዊትን ኣረሜናዊትን ህውሓት/ማሌሊት ነበር ብባዕላ ዝወልዓቶ ናይ ፈርሓት ምኽሉይ ኲናት [ናይ ቃጻ ኲናት] በቲ ኣባይታ ብግብሪ ዝሰርሕ እምበር ዘይዛረብ መንግስቲ ኤርትራን ምዑታትን ጀጋኑ ህዝባዊ ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን ምክልኻል ኢትዮጵያን ተሓሚላ [ተዘቢጣ] ምስ ሃደመትን ተበታተነትን ህላዌኣ ምስ ኣብቅዐትን፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ሪምና [መሬትና] ሓራ ምስ ኮነን ናብ ዋናታቱ ምስ ተመልሰን፣ ዕሱባት ጥራይ ዘይኮኑስ እቶም ባዕዳውያን ሓይልታት ኣሸቀልታ'ውን እምንቲ ከዳሚቶም ስለ ዝሰኣኑ በቲ ሓጺርን ዕዉትን ቅልጡፍን ኩነት/ወትሃደራዊ ስርሒት ተገሪሞን ተደናጊሮምን ሓዚኖምን እዮም። ንጃንዳ ህውሓት ነበር ካብ መቓብር ፍሒሮም ኣውጺኦም ትንፋስ ንኽሰኽዑላ ድማ ብሓሶትን ንሱ እንተ ዘይስሊጡ ድማ ብምፍርራሕን ዘይፈንቀልዎ እምኒ ዳርጋ ኣይነበረን። እቲ ፈተነ ጸቕጢ ብመጠኑ ይቕጽል እኳ እንተሎ " በትሪ ሓቂስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን" ወይ ድማ "ሓቒ ብርእሳ እንተቐበርካያ፣ ኣማስይኡ ብእግራ መሰስ እላ ትወጽእ" ከም ዝበሃል፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ወናኒ ሓቂ ከም ዝዕወት ፍጹም ጥርጥር የብለይን!!!

 

እቲ ሓቀኛ ሞራል ናይ' ስነ-ሞጎት ከኣ፣ መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሰ ነበር ምስ ኣሸቃሊቱ መንግስቲ ኣሜርካን ካልኦትን ኮይኑ ንሰውራ ኤርትራ [ተሓኤን ህግሓኤን] ኣየጥፈኦምን፣ ኣረሜናዊ ወትሃደራዊ ደርጋዊ መንግስቲ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ነበር ምስ ሶቭየት ሕብረት ነበርን ሰዓብታን ኮይኑ ከምቲ ዝተመክሖ ንህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ ካብ ገጽ ሜዳ ኤርትራ ሓኺኹ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ኣየእተዎምን፣ ዓሌታዊትን ኣረሜናዊትን ናይ ስርቒ ስርዓት ጉጅለ ህውሓት/ማሌሊት ነበር ምስ ኣኸደምታ ኣሜርካን ሰዓብታ ምዕራብ ኣውሮጳን ካልኦት ሽርካታት ጎረባብቲ ሃገራትን [Senaa Forum] ጽዑቕ ሓገዛትን ክንክንን ንኤርትራ ዳግም ንምጉባጥን ንህግደፍ/ሻዕብያ/መንግስቲ ኤርትራ ንምድምሳስን ምጥፋእን ተሃንዲዳን ተኣማሚናን ብተርባጽ ዝወልዓት ኲናት ተሓምሺሹ ተመሊሱን ተሳዒራን እያ። ንኣስታት 20 ዓመታት ዝተኻየደ ኩለንትናዊ ከቢድ መስዋእቲ ዝጠለበ [ዝባኸነ ምቹእ ዕድላት ደቂ ሃገር ደሚርካ] ወርቃዊ እዋን ድማ፣ እታ ሰንክን [ጠንቒ]' ኩሉ ዕንወት ዝኾነት ናይ ዞባና ሕማም መንሽሮ ዝነበረት ጭፍራ ህውሓት/ማሌሊት ብትዕግስትን ህዝባዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራን ብኽቡር መስዋእቲን ህዝባዊ ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን ቅድም ካብ ኮሮሻ ኣዲስ ኣበባ ከም ትዕሎ ዝተጻወትዎ ዓቢ ተራ፣ ደሓር ድማ ካብ' ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግብረ ሽበራ ንምትላምን ንምክያድን ዝዕላምኡ ተወሺባትሉ ዝነበረት ወሻጠ መቐለ፣ ብጭቕ ኢሉ ከይተዛረበን ርኣዩለይ ስምዑለይ ከይበለ ሓግሒጉ ብምጉሓፍ፣ ኣብ መውዳእታ ሓመድ ኣዳም ኣልቢሱዋ እዩ።

 

እምበኣርከስ ብናይ ደገ ሓያላት መንግስታት ተሓጊዙን ተሰንዩን ንህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ ብድሕሪኡ ንህግደፍ/ሻዕብያ/መንግስቲ ኤርትራን ንምጥፋእን ንኤርትራ በታቲንካ ዳግም ንምጉባጥን ንኽትእምኖ ዘሸግርን ዘገርም ዝተፈተነ ውግኣትን ሸርሕታትን፣ ኣይተዓወተን ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ ተሓምሽሹን ተሳዒሩን እዩ!!!

 

ስለዚ ነቶም ተጻያት ሃገርና ዝኾኑ ባዕዳውያን መንግስታት እግርኹምን ኢድኩምን ኣክቡልና ምእንቲ ዋኒን ሃገርና ብሰላም ከነሰላስል መደባትና ብግቡእ ሰሪዕና ክንሰርሕን ሃገርና ክንሃንጽን ክነማዕብልን፣ ነቶም ዕሱባትን ከደምቲ "ደምበ ዕንክሊልን ደለይቲ ፍትፍት ጸብሕን" ገለ ደቂ ሃገር ድማ፣ ኣብ ልብኹም ተመሊስኩም ነታ ዝጎዳእኩማን ዘድመኹማን ኣዴኹምን ሃገርኩምን ኤርትራን ህዝብኹምን ኣሹንኳይ ንደቓ ንኸጥፍኡዋ ዝመጹ ጎበጥቲን ዓመጽትን ቀተልትን ባዕዳውያን ሓይልታት'ውን ይቕረ ኢላ ብሰላም ኣፋንያቶም እያ'ሞ፣ ንዓኹም'ውን ይቕረ ኢላ ክትቅበለኩምን ክትሓቑፈኩምን እያ። ናብ' ተባዕን ጽኑዕን ተኸባቢሩን ተሓጋጊዙ ብሰላም ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ተመሊስኩም ድማ ኣዎንታዊ እጃምኩም ከተበርክቱ ለበዋ ዘድልዮ ኣይኮነን፣ ስለምንታይሲ ግዴታን ግቡእን ስለ ዝኾነ!

==================================

ኣብቲ እዋን' ነትን ከምዝን ዝተዓዘበ ድምጻዊ ሓርበኛ ተክለሚካኤል ገብሩ [ወዲ ገብሩ] እምበኣር፣ በዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ደርፊ ሚዒዱዎምን ሕርሕራይ ጌሩ ቀሊጡዎምን እዩ።

 

ኣገናዕ ኽቡር ኣያና ሓርበኛ ተኽለሚካኤል ገብሩ [ወዲ ገብሩ]!!! ጽኑዕ በዓል መትከል፣ ኣብ መስመሩ ጸኒዑ ስጋብ መጨረሽታ ምእንቲ በጃ ኽቡር ህዝቡ ዝውፈን ዝብጆን ማለት እዩ።

 

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ኽብርን ንስዉኣትና!

ዓወት ንሓፋሽ!

 

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]

https://www.facebook.com/100001351497949/videos/pcb.3819228174798861/3819120634809615

 

 

https://scontent-muc2-1.xx.fbcdn.net/v/t1.6435-9/172097685_3823007897754222_54700265787782925_n.jpg?_nc_cat=104&ccb=1-3&_nc_sid=730e14&_nc_ohc=Au0RhN1kwfoAX8ybidQ&_nc_ht=scontent-muc2-1.xx&oh=8d4de8c8d9f0edc87f162ff098db7cd9&oe=60D68988

 

 

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events