Dehai

ሃገር ሕንፍሽፍሽ ምስ ዝኣትዋ መንዩ ተረባሒ?

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Saturday, 05 June 2021

ኣብ ሃገርና ሓደ ኣባሃህላ ኣሎ ናይ ዕዳጋ ዕግርግር ንሌባ ይምችእ ዝብል። ብሓቂ ከኣ ንሌባ እዩ ዝምችእ፣ እንበር እቲ ዕግርግር ዘበገሰ ረብሓ የብሉን እዃድኣ ብዝያዳ ንሱ ይኸስር። እንተወሓደ ሰለስተ ወጽዓታት የጋጥሞ። ) ህድኣት ዕዳጋ ስለ ዝዘረገ ብሕጊ ተታሒዙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣቱ። ) በቶም ኣብቲ ዕዳጋ ዝወዓሉ ሸቃጦን ዓማዊሎምን ይጽላእ ይርገም ይኽሰስን። ) ኣብ ዕዳጋ ዘጋጠመ ክሳራታት ብሓላፍነት ይሕተት። እቲ ሰራቒ ግን ዘድልዮ ሒዙ ይሃድም። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ክፍኣት ዝኣልም ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ እታ ተንኮል ተመሊሳ ንዑኡ እያ ትጎድእ። ስለዚ መዕገርገሪ ኣእሙሮ ዘይብሉ፡ ረብሃን ክሳራን ዘይመዝን፡ ንረብሓ ሰረቕቲ ዝኽድም፡ ብሕብረተ ሰብ ፍንፉን፡ ታሪኹ ኣበላሽዩ ታሪኽ ቤተ-ሰቡ ዝድውን። ዝኸፍኤ ከኣ ንዘርኡ (ውሉዱ) ዘይሕከኽ ሕማቕ ስም ዘትርፍ ይኸውን።

      እዚ በጺህናዮ ዘሎና ዘመን ናይ ዕዳጋ መዔገርገርቲ ይሕሹ ካብዞም ንሃገር ሕንፍሽፍሽ ከእትዉላ ዝፍትኑ ዘለዉ ሽዩጣት ዘብል እዩ። ብጉልባብ ፖሎቲካ ለቢስካ፡ ብሃይማኖት፡ ብወገን፡ ባውራጃ፡ ብቐቢላ ወዘት...ህዝቢ ከተዋቕዕ፡ ሃገር ሰላማ ክትዘርግ፡ ግስጋሰ ልምዓት ከተሰናኽል፡ ዓቕሚ ሰባ ክትጽንቅቕ፡ ሰራዊት ኤርትራ ከተዳኽም፡ ዝግበር ናይ ሃሱሳት ውረድ ደይብ፡ ረባሕቲ መወልቶም ድኣምበር ጥቕሚ ሃሱሳት ከብዶም ምምላእ ጥራሕያ። ንሎሚ ቁምነገር ዝሰርሑ ዘለዉ ይመስሎም ይኸውን፣ ጽባሕ ንጉሆ ግን እከይ ስርሖም ጽውጽዋይ ኮይኑ ንስሞምን ስም ቤተ-ሰቦምን ዘነውር፡ ንደቆም ርእሶም ዘድንን ታሪክ እዮም ዘትርፉ ዘለዉ። ኣብ ብዙ ጸይቅታቶ ክምድሩ ከለዉ ኣብ ሃገርና ደሞክራሲ የለን፡ ደሞክራሲ ከነምጽእ ንቃለስ ይብሉ። መቸም ዝተጋገ ሕጊ ብዘፍቅዶ መሰረት ምስ ተታሕዘ፡ ደሞክራሲያዊ መሰልይ ተገፊፈ ዝብሃለሉ ዘመን ኢና ዘሎና። ገበነኛ ገበን ክገብር ዘፍቅድ ደሞክራሲ ኣብ ዓለም ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። ንፕረስደንት ጸሊኤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ክብየነሉ ኣለዎ። መንግስቲ ንምግልባጥ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ውግእ ክእወጅ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ ስለ ዝጸላእኩ ሓጉዙኒ ንምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ክድምስስ ዝብሉ ፍንፉናት በየናይ መለክዒ እዮም ኤርትራውያን ክበሃሉ።

     ኤርትራዊ ዝበሃል እኮ ዝስምዖ ሓቀኛ ሃናጽን ነቓፍን ሓሳቡ ብዘይ ፍርሂ ዝዛረብን ዝሙጉትን  ሃገሩ ካብ ጸላኢ እናተኸላኸለ፡ ድሕነት ህዝቡ ዘውሕስ፡ ንምዕባለን ልምዓት ሃገረ ዝሰርሕ፡ ብሓቀኛ ደሞክራስያዊ መትከል ዝቕየድ ድኣንበር፡ ንህጻናት ካብ ሃገር ንኽወጹ ናይ ሓሶት መናፍሕ ዝነፍሕ፣ ብሂወት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝጻወት ኣይኮነን። ከምቲ እዛ ኣርእቲ እትብሎ ሃገር ሕንፍሽፍሽ ምስ ዝኣትዋ መንዩ ተረባሒ? ንዝብል ሕቶ መልሱ እቶም ሕንፍሽፍሽ ከእትዉላ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝምወሉ ደቂ ሃገር እይኮኑን፣ እንታይድኣ እቶም ንሓድነትና ፋሕብትን ኣቢሎም ሓሳብ ህዝብና ክሰርቁ ዝሓስቡ ሰረቕቲ እዮም ተረባሕቲ። እቶም መዕገርገርቲ ግን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይ ኣኣሙሮ ወይ ቀይዲ ሕጊ ምእታዎም ኣይተርፎምን ኣዩ። ነዞም መናሰያት ኣብ ገበን ዘይወዓሉ ግን ብሓሶ ዑሱባት ወያነ ዝታለሉ ዘለዉ መኻፍልቲ ገበኖም ክኾኑዎን ናይ ሓሶት መደረታት ዝምድሩ፡ ድሕረ ባይታኦም ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ድሕረባይታ ናይቶም ይኾኑኒዮም ትብሎም ምስዘይትፈልጥ መዕለቢኻ ኣብ ደልሃመ እዩ።

ሓደ ሰብ (ንግዚኡ መንነቱ ክዕቀቦ መሪጸ ኣሎኹ) ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነበር ብውክልና ውድብ ናብ ሓንቲ ኣፍሪቃ ሃገር ቋንቋ ፈረንሳ እትዛረብ ተመደበ። ነውሕ ከይጸንሔ ብወተሃደረዊ ቤት ጽሕፈት ... ንስራሕ ብዝብል ምኽንያት ተጸዊዑ ንኤርትራ ከምዝኣቱ ተገሩ ናብ ፎርቶ ወተሃደራዊ ቤት ጽህፈት መጸ። እቲ ዘጸወዖ ምክንያት ኣብ ፎርቶ ከይተሓበሮ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ (ማሕዩር) ምዃኑ ተነግሮ። ንግለ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ዓላ ገረብ ይሓድር ይውዕል ነበረ። ኣነ ብስራህሕ ምኽንያት ናብቲ ቦታ ተንቀሳቐስኩ ኣብኡ ረኸብኩዎ። ቀደም ቅድሚ ኣብ ገድሊ ምስላፍና ይፈልቶ ስለ ዝነበርኩ ሰላም ክብሎ ናብኡ ገጸ ቅርብ ምስ በልኩ ፍንትት ኢሉ ንዑኡ ዝሕሉ ዝነበረ ተጋዳላይ ኣጊፍ (ደው በል) በለኒ። ደው ድማ በልኩ። ኣቲ ተጋዳላይ ብቛንቛ ዓረብ ጌሩ ምስኡ ክትዛረብ ኣይፍቀድን እዩ በለኒ። ሕራይ ኢለ ናብቲ ዘምጻኣኒ ጉዳይ ከድኩ። ሰላም ክብሎ ሓተትኩ ተፈቕደለይ ድማ። ብትሑት ድምጺ እንታይ ድኣ ኣብዚ ማሕዩር ኣግቢሩኻ ኢለ ሓቲተዮ እንድዒ ኣይፈለጥኩን ኢሉኒ። ንሱ ግን ገበኑ ተነጊሩዎ ኔሩ። ክነግረኒ ኣይደለየን። ሕጂውን ብዛዕባ ገበኑ ኣይኮንኩን ክዝርዝር፡ እንታይ ንምባል ድኣ ነዞም መንእሰያት ኣሕዋትናንን ደቕናንን ቕድሚ ምስ መንግስትን መራሕትን ዝተጻረፈን ዝኸሰሰን ምስዓብ ታሪኹ/ታሪኻ ምፍላጥን ስለምንታይ ጸረ መንግስቲ ወይ መራሕት ተላዒሉ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ጽባሕ ንሱ ወይ ንሳ ዝሕተቱሉ ገብን ተሓወስቱ ከይትኾኑ ንምሕባር እየ። ጌጋ መረዳእታ መታን ከይህሉ ኣይትቋወሙ ማለተይ ኣይኮንኩን። ሃገራዊ ጉቡእካ/ እና ፈጸምካ፡ ንድሕነት ሓገር እናተኻላኸልካ፡ ንውሽጣውያንን ግዳማውያን ተጻባእቲ እናመከትካ፡ ብናትካ ተሞኩሮ ሓቅነት ዘለዎ እና ሞጎትካ፡ ኢሉዎ ኢላቶ ዝበሃል ነገራት ጭብጢ ዘይብሉ ከይተኸተልካ ኣብ ሃገራዊ ወፍሪ ብኹሉ ሸነኻቱ ከከም ዓቕምኻን ፍልጠትካን እናተኻፈልካ ንብልጽግና ሃገር ዝጠቕም ተቛውሞ ዝነጽጎ ስለ ዘየለ ብሃናጺ መልክዑ ክቐርብ ይግባኣ።

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና፡                                                                         ዓወት ንሓፋሽ።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events