Dehai

ኣነ መን እየ? ዓላማን ትርጉምን ኣብ ዓለም ምንባረይ'ከ እንታይ እዩ?

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 23 July 2021

ኣነ መን እየ? ዓላማን ትርጉምን ኣብ ዓለም ምንባረይ'ከ እንታይ እዩ???
=============================
እዚ ሕቶ'ዚ፣ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ብፍላይ፣ ጉጅለን ማሕበራዊ ቀጸላታትን ከምኡ'ውን ኣብ'ዛ ገነት ዓለም ንኣዝዩ ሓጺር ዓመታት ዝነብር ብኣሽሓት ኣእላፋት ዝቑጸር ህዝቢ ዓለም [Over ca. 7.5 Billions People ihabited paradise Mother Earth] ድማ ብሓፈሻ፣ ብስነ-ፍልጠትን ምኽንያታዊ ስነ-ሞጐትን ክሓቶን ክምልሶን ዝግብኦ በዳሂ ሕቶ እዩ። ከምቲ ብዝሑን መሰረት እምነቱን ስምዒቱን ዓቕሚ ፍልጠቱን ምኽንያታዊ ገምጋሙን ስነ-ሞጐቱን ድማ ወዲ ሰብ፣ ከም'ቲ ቁጽሩ ብኣሽሓት እእላፋት ሕቶታትን መልስታትን [Billions of Questions and Answers] ክምጡ [ክህብ] ባህርያዊ እዩ።  

ብወገነይ ነዛ ከም ኣዝያ ኣድላይትን ወሳኒትን ሕቶ "ኣነ መን እየ? ዓላማን ትርጉምን ኣብ ዓለም ምንባረይ'ከ እንታይ እዩ?" ንዝብል ኣርእስቲ፣ ካብ ማሪታውን እምነታውን ስምዒታውን ባህላውን ልምዳውን ኣተሓሳስባ ናጻ ዝኾነን [ኣብዘን ዝጠቐስኩወን ኣምራት ግምት ዘየእተወን ሻራ ዘይብሉን] ኣብ ስነ-ፍልጠታውን ስነ-ሞጐታውን ምኽንያታውን ትዕዝብትን ገምጋምን ጭቡጥ መርትዖን ጥራይ ዝተመርኮሰ መልሲ፣ በታ ዘላትኒ ኣዝያ ድርቲ ንእሽቶይ ኣፍልጦ፣ ግን ምንቕ ዘይትብል ምእዝዝቲ ስነ-ሓሳበይ ክም'ዛ ትስዕብ ሓጻር መልሲ ብትሕትናን ምስ ምሉእ ኣኽብሮትን ከካፍለኩም ይፈቱ።

ኣነ መበቆለይ ፍረ ኣቦይን ኣደይን ኮይነ ካብ "ማሙቕ ማህጸን ኣደይ"፣ ሃገረይ "ዓለም"፣ ማንነተይ "ወዲ ሰብ"፣ ሃይማኖተይ "ሰብኣውነት"፣ ዕላማ ምንባረይ "ፍቕርን ምክብባርን ሓድሕድ ምትሕልላይን" መወዳእታይ "ብሰለስተ እመት ዓለባ ተገኒዘ፣ ካብ ልዕሊ መሬት ናብ'ታ ዘልኣለማዊት ቤተይ ትሕቲ መሬት፣ ድሕሪኡ ድማ ኣካለይ ብዘገምታ ምስ መሬት ተሓዋዊሱ ብሰላም ዓሪፋ ንዘልኣለም ምስ ተፈጥሮ ብሓባር ዝነብር" ኣካል ናይ ዓለም ፍጡራት እየ!!! 

እዚ ሓጺር ትንተናን መግለጽን ዘገምታዊ ከይዲ ወዲ-ሰብ [Evolutionary Process of Human being] ኮይኑ፣ ንኹሉ ፍጡር ዝውክል ናይ ዘመነ-እኒ እኒ ቅድመ-ታሪኽን ጸቢብ ዘይኮነስ ሰፊሕ ኣድማሳዊ [ዓለምለኻዊ] ባህርያት ዝውንንን ስነ-ሞጎት ዝሰረቱን ስነ-ፍልጠታዊ ኣዕኑድን እዩ።

እምበኣርከስ፣ ካልኦት ሃይማኖታዊ ትካላትን እምነታትን ኣዝዩ ድሒሩ ዝፈጠሮም፣ መሰነይታን መወከስን "ቅዱሳት መጻሕፍቲ" ባዕሉ ዝጸሓፎም፣ ንዓለም ኣብ ኣህጉራትን ሃገራትን ምምሕዳራትን ከፋፊሉ ኣስማት ዘውጽኣላን፣ ናይ ምፍልላይ ሜላ ዓሌትን ቀቢላን እንዳን ወገነይ ወገንካን ዘተኣታተወ፣ ሓደ ካብ ክልተ ንምልላይ ኣስማት ሰባት ዝረቑሐ፣ ካብ ዘበነ እኒ እኒ ስጋብ'ዚ ዘለናዮ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ንኽትኣምኖ ዘጸግም ምህዞን ሓደስቲ ፈጠራን ስነ ጥበባትን [Tecchnologies] ሃናጽን ኣዕናውን ምህርቲ ዝሰርሐን ዝመስርሐን፣ ንሕብረተሰባት ዘገልግሉ ባህላውን ምምሕዳራውን ሕጋዊ ትካላት ዝቐረጸን ዘዋደደን፣ ባዕሉ 'ወዲ ሰብ' ጥራይ እዩ። 

ኣብ ዓለም ብዝተፈላለየ ምኽንያትን እዋንን ጽቡቕ ኮነ ክፉእ ኣወንታዊን ኣሉታውን ዝፍጽም፣ ብዝገበሮ ድማ ሓላፍነት ዝወስድን ተሓታትን ካልእ ብኣንደበቱ ባዕሉ ዝመሃዞን ዝቐረጾን "ማሪታዊ" ኮነ  "መለኮታዊ" ዘይርአን ዘይድህሰስን ሓይሊ ዘይኮነስ፣ ባዕሉ 'ወዲ ሰብ' ጥራይ እዩ። 

በዚ 2ይ መግለጺ'ዚ [ማለት ብሃይማኖታዊ እምነትን ባህላዊ ኣቃውማን ስነ- ልቦናን ሕብረተሰብ] ድማ፣ ኣነ 'መበቆለይ' ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ካብ 'ኽቡራት ኣቦይን ኣደይን'፣ 'ሃገረይ' ብኹለንትናዊ ህዝባዊ ቓልስን ከቢድ ኲናትን ኽቡር እእላፋት መስዋእቲ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣያታተይን ኣቦታተይን ኣዴታተይን ተኸፊሉላ ሰንሰለታውያን ኣርዑት መግዛእቲ ባዕዳውያን ሓይልታት ሓማሽሾምን ስዒሮምን ሓራ ዘውጽኡዋ ምጭውቲ 'ኤርትራ'፣ 'ማንነተይ' ዝሕበነሉን ዝኾርዓሉን ዝሕልዎን ኽቡር 'ኤርትራውነት'፣ 'ሃይማኖተይ' ካብ ስድራይ ዝወረስኩዎ 'ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኽርስትያን'፣ 'እምነተይ' 'ሰብኣውነት'~እቲ ኻልእ ግን ከምቲ ኣብ ላዕሊ 1ይ ክፋል ዝገለጽኩዎ ባእታታት እዩ። እዚ 2ይ ኽፋል እምነታዊ ኣረኣእያ ድማ ኣዝዩ ድሒሩ ዝመጸን 'ደቂ-ሰባት' ኣጽብብ ኣቢሎም ኣብ ከባቢኦም ዝፈጠሩዎ ኣገባብ ምንባርን መምስ ኩነታቶምን ባህሎምን ዝኸይድ ዘተኣታተውዎም ምምሕዳራዊ ሜላታትትን እምነታትን እዩ።

ስለ‘ዚ ሰብ ኮነ ዝኾነ ፍጡር ኣብ ዓለም እንኮ ሓንቲ ግዜ ጥራይ እዩ ዝነብር [ወዲ-ሰብ፣ ኣብ ዓለም ንኽነብር ሓንቲ ዕድል ጥራሕ እያ ዘላቶ ማለት እዩ]። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሰብ ኣብ ዓለም ዝነብረለን ዓመታት ኣዝየን ሓጸርቲ ስለ ዝኾና፣ "ተፋቐር+ተኸባበር+ሓገዝ ንዘድልዮምን ከማኻ ዕድል ዘይረኸቡን ሓግዝ"፣ "ቂም-ጽልኢ-ሒነ ምፍዳይ-ቅንኢ-ስስዐ-በለጽ-ስርቂ-ሓሶት-ምትላል.....ወዘተረፈ" ካብ ሂወትካ ኣወግደንን ድምጽማጸን ኣጥፍኣየንን!!! 

ኸምኡ እንተጌርካ/ኪ ድማ፣ ብዘይ  ሕርኽራኽ ስነ-እእምሮ በጥ ኢልካ ርግኣት ዘለዎ ለይቲ [ድቃስ] ተሕልፍ/ፊ፣ ቅሱንን ፍስሃ ዘሎዎ ህይወትን ክትመርሕ/ሒ ብተዛማዲ ብውሑድ ጸቕጢን ዕድሜኻ/ኺ ብሰላም ክትውድእ/ኢ ኢኻ/ኺ።

ንስኻትኩም'ከ ነዛ 'ሕቶ' እዚኣ እንታይ'ዩ መልስኹም? ? ? ስነ-ሓሳባትኩም ናጻ ኮንኩም ብዘይ ጸርፍን ምዝንጣልን ግለጹ።

እዚ ዎ‘ደሓንኩም ኽቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን።

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያኣም [ወዲ ቐሺ]
===========================
ደርፍታት፣
=====
"ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ኣይኮነነን ዝነብር" 
ብስነ ጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ ኽቡር ኣቦና ነፍስሄር መምህር ኣልኣሚን ዓብደላጢፍ

እንደገና ናይ ኽቡር ኣቦና "ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ኣይኮነነን ዝነብር" 
ብተወልደ ካሳ ማሕረ ዜማን ዲንቂ ድምጽን ጌሩ ዝደገማ

"ንሰማማዕ ንቑሩብ ግዜና"
ብስነ ጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ ኣያና ሃይለ ገብሩ 

"ሰብ ምዃነይ"
ብስነ ጥበባውን

 ድምጻውን ሓርበኛ ኽቡር ኣቦና ተወልደ ረዳ

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=3896016133786731&id=100001351497949

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events