Dehai

ሓተታ፥ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንብዓት ሓርገጽ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 18 December 2021

ሰብኣዊ መሰላት፡ ንብዓት ሓርገጽ

ሓተታ ቀዳም 18 ታሕሳስ

ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ከም መጋበርያ ፖለቲካዊ ዛዕባታት

ድሕሪ 2ይ ኩናት ዓለም፡ ብኣመሪካ ዝምራሕ ዘይፍትሓዊ ምዕራባዊ ዓለም፡ ንሓይልታት ጸጋም፡ ናጻ ፖለቲካዊ መስመር ዝኽተሉ ስርዓታትን ሃገራዊ ሓርነታዊ ምንቕስቓሳትን ዒላማ ገይሩ ንምንብርካኾም ክሰርሕ እዩ ተራእዩ። በዚ ዕላማ’ዚ ድማ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ኣጀንዳታትን ረብሓታትን ተሰዂዑ ሓደ ካብ ሜላታት ተጻብኦ ኮይኑ ክገልግል ጸኒሑ ኣሎ። ብሰነ-ሓሳባዊ መጋበርያታት (ፖለቲካዊ ትካላት፡ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ባህላዊ ትካላት፡ መዲያ፡ ወዘተ.) ሃገራት ምንዋር፡ ምንጻልን ምንዕዓብን፡ በዚ መገዲ’ዚ ከኣ፡ ብምዕራባዊ ዓለም ዘይድለዩ መንግስታትን ምንቕስቓሳትን ምእላይ’ቲ ዕላማ። “ውዱባት ሰብኣዊ መሰላት” ከኣ፡ (ንኣብነት፥ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሁማን ራይትስ ዎሽን መሰለተንን) ኣነዋሪ ክስታት እናምሃዛ፡ ንዘይድለዩ መንግስታት ኣብ ምጥቃዕ ከም መጋበርያ ከገልግላ ጸኒሐንን ኣለዋን።

ከምዝፍለጥ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም፡ ዳግማይ ተመሳሳሊ ቕዝፈት ደቂ ሰባት ንምውጋድ፡ ኩለን ሃገራት ፖለቲካዊ ስርዓተን ብዘይገድስ ዝረዓምኦ፡ ሰብኣዊ መሰላት ብኣህጉራዊ ደረጃ ሕጋውን ትካላዊን ኣንፈት ክሕዝ ክኢሉ እዩ። ብሕቡራት ሃገራት ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ጸዲቑ ድማ፡ ምስ ግዜ፡ ነዚ ንምምእዛን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቆይሙ።

እንተኾነ፡ ምዕራባዊያን ሃገራት፡ ንኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኮነ፡ ንዕኡ ከተግብር ዝቘመ ትካላት፡ ንፖለቲካዊ ዕላማ እየን ተጠቒመናሉ። በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ’ቲ ኮሚሽን ምትፍናን እናዓረገ ክመጽእ ተራእዩ። ነዚ ንምእላይ ከኣ፡ ኣህጉራዊ ውሳኔታትን መትከላትን ሰብኣዊ መሰላት ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ጸዲቑ፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ቆይሙ። እንተኾነ እዚ’ውን በቲ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊነት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ድርብ መለክዒታትን እናተጸልወ ኣብ ሓደጋ’ዩ ወዲቑ። ብኸመይ?

ድርብ መለክዒታትን ኣተሓሕዛን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት 

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ሰብኣዊ ክብረት፡ ድሕነትን ምዕባለን ብምትኳር ዕላማኡ ክወቅዕ፡ ንምዕባለ ሰብኣውነት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣተሓሕዛ ይሓትት። እዚ ንክኸውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ሕብረተሰብን ክውንነት (ድሕረ-ባይታ፡ ጭቡጥ ዕላማታት ሰብኣዊ ምምሕያሽን ቀዳምነታትን ድሌታትን) ኣብ ግምት ከኣቱ የድልዮ። ምኽንያቱ ሽግራትን ብድሆታትን ዘይብሉ ሕብረተሰብን ሃገርን የለን። ስለዚ ከኣ መትከላት ሕቡራት ሃገራት ዘንጸባርቕ ክብረት ዘለዎ ጽምዶታትን ኣብ ሽርክነት ዝተመርኮስ ምትሕግጋዝን ክድፈኣሉ የድሊ፣ እዚ’ውን ብናጻ፡ ውድዓዊን ዘይሻራውን መትከላት ይተሓዝ።

እንተኾነ መሳርሒ ፖለቲካ ንምግባሩ ብዘሎ ዝንቡዕ ዕላማ ዓመጽቲ ሓይልታት፡ እተን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢና ዝብላ ቀንዲ ገሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾና ሃገራት ምዕራብ ኣብ ነብሰን ይኹን ኣብተን ንስርዓታተን ዘገልግላ ጽግዕተኛ ሃገራት፡ ብድርብ መለክዒ፡ ስቕታ ከርእያ ከለዋ፡ ብኣንጻሩ፡ ነተን ብተጻባኢ ፖለቲካዊ መርገጺ ከም ዒላማ ዝተወስዳ ሃገራት፡ ብጉልባብ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንምንዋረን፡ ምንጻለንን ኣብ ውሽጠን ዘቤታዊ ምንዕዓበ ንምፍጥርን ሸበድበድ ክብላ ይርኣያ።

ኣንጻር ኤርትራ ዝተሰርሓሉ ኣተሓሕዛ፡ ወካሊ ኣብነት ናይዚ ተርእዮዚ እዩ። ን27 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዕግርግር ብምፍጣር ሰብኣዊን ህዝባዊን መሰላት እናረገጸ ክድምናኡ ዘረጋገጸ ስርዓት ወያነ፡ ክሳብ ካብ ስልጣን ዝእለ ክሕብሕብኦ’ምበር፡ ንዝፈጸሞ ግህሰት ኣህጉራዊ ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ብኣሉታ ክወቕስኦ ኣይተራእያን። ብምስምስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንኤርትራ ንምንዋር፡ ንምንጻልን ንምንዕዓብን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ንምዝርዛር ግን፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ተፈቲኑ። እቶም፡ ብበእዋኑ ዝተወስዱ ተጻብኦታት ምስ ፈሸሉ ድማ፡ ከም መቐጸልታን ዝለዓለ መመላእታን ዘይፍትሓዊን ዘይሕጋዊን እገዳ ንኸገልግልን፡ መሳርሒ ናይቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤርትራ ንምንብርካኽ ዝነገሰ ዞባዊ ግጭትን ክኽወን ተሰሪሕሉ። ኣይተዓወተን ግን!

ግደ ሓቂ፡ ክስታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ነቲ ፍሉጥ ታሪኽን ክብርታትን ይኹን ህልው ምዕባሌታት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝጎሲ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኤርትራ ካብ ቃልሲ ንሰብኣዊን ህዝባዊን መሰላትን ዝበቖለት ሃገር ምዃና ግምት ኣይህብን፡። ኣብቲ ጽንኩር ናይ 30 ዓመታት ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ከይተረፈ ህዝቢ ኤርትራ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ከም ቀንዲ ዕላማ ሰሪሕሉ እዩ። ድሕሪ ናጽነት’ውን; ቀንዲ ኣዕኑድ ሰብእዊ መሰላት ኣብ ሃገራዊ ቻርተር ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሕን ተነጺሮምን፡ በብእዋኑ ኣብ እተኸለሱ ሲቪላዊ፡ ገበናውን ንግዳውን ሕግታት ሃገር ከምዝድብተሩን ዝትግበሩን ተገይሩ እዩ።

ስለ’ዚ ኸኣ፡ እዞም ክብርታት’ዚኦም፡ ሕጋዊን ትካላዊን መሰረት ለቢሶም፡ ምስ ናይ ምህናጽ ሃገር ፖሊሲታት ተዛሚዶም፡ ሰብኣዊ ክብረት፡ ድሕነትን ንምዕዛዝ ይሰርሓሎም ኣሎ። ክንዲ ዝኾነ፡ ዋላ’ኳ ገና ቀጻልን ሓያልን ጻዕሪ ዝሓትት እንተኾነ፡ ኤርትራ ኣብ ሕጊ ዝተሰረተ ሃገራዊ ሓድነትን ዜግነትን፡ ምዕሩይ መሰላትን ዕድላትን፡ ሓላፍነታዊ ተሳትፎ ህዝቢን መሰረት መንግስቲ ኮይኑ ዘገልግል ከባቢያዊ ዞባውን ምሕደራን ከም ውጽኢት ድማ ሰላምን ምርግጋእን ዝዓሰላ ሃገር ምዃና ኣየማትእን።

እዚ ክውንነት’ዚ ተጎስዩ ግን ብዝያዳ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት፡ ንኤርትራ ኣብ ኣጀንዳ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ብምእታው ብናይ ሓሶት ክስታትን፡ ንወያነ ከም መጋበርያ ብምጥቃምን፡ ሰብኣዊ መሰላት ከም መቐጸልታን መሳርሒ ግዳማዊ ተጻብኦታትን ተሰሪሕሉ። ፍሉይ ኣገባባት ብምትእትታው (ሰባት እናቕያየርካ ዝቕጽል ዘሎ ፍሉይ ራፖርተርን ኣብ ገለ እዋን’ውን ተደራቢ ዝኾነ መርማሪ ኮሚሽን ብምምዛዝን) ንኤርትራ ንምንዋር፡ ንምንጻልን ንምንዕዓብን ተሃቂኑ። ጾታዊ ዓመጽ፡ ግህሰት መሰል ሃይማኖት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ግዱድ ዕዮን ወዘተ ዝብሉ ናይ ሓሶት ጠቐነታትን ክስታትን ከም ሰንደቕ ብምጥቃም ድማ፡ ንኤርትራ ናይ ምንብርኻኽ ከንቱ ፈተነ ይቕጽል ኣሎ። ኤርትራ ብወገና፡ ነዚ ፖለቲካዊ ድርኺት ዘለዎ ናይ ምስይጣን ዘመተ፡ ብሓባር ምስ መሻርኽቲ፡ ኣብ ሓያል መኸተ ተጸሚዳ ትምክቶኣላ። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ብድርኺት ውሽጣዊ ምዕባለታት ሰብኣዊ መሰላት ንምሕያል እውን ብቀጻሊ ክትሰርሓሉ ጸኒሓ ኣላ።

ስርዓት ወያነ፡ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምግላፉ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጥረ ስምምዕ ሰላምን ሽርክነትን ልምዓትን ይኹን ስሉሳዊ ሰምምዕ ኤርትራ-ኢትዮጵያ-ሶማሊያ ንዞባዊ ዳይናሚክስ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸልዩዎ እዩ። እንተኾነ ሕጂ’ውን፡ ኣመሪካ ምስ ምዕራባውያን መሻርኽታ፡ ነቲ ካብ ስልጣን ዝተኣልየን ብታሪኽ ዝተጓሕፈን ጃንዳ ወያነ፡ ናብ ስልጣን ብምምላስ፡ ንዞባዊ ዳይናሚክስ ንድሕሪት ክጎቱ ዕግርግር ዘሪኦም። ብመንገዲ ወያነ ሓድሽ ኩናት ወሊዖም፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ ግዜ ንምእላይ ከንቱ ፈተነ ሃቂኖም። ቀንዲ ዕላም ናይዚ ሓድሽ ውዲት፡ ነቲ ኣብ ስልጣን እንከሎ ይኹን ኣብዚ ናይ ሕጂ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ እልቢ ዘይብሉ ገበን ዝፈጸመ ወያነ ንምድሓን’ኳ እንተኾነ፥ ከም ሃንደስትን ዓንገልትን ናይ ዝሓለፈ ይኹን ናይቲ ሕጂ ብወያነ ዝቕጽል ዘሎ ዝበርዓነ እከይ ተልእኾ’ውን ንባዕሎም ተሓታትነት ስለዝምልከቶም፡ ነብሶም ንምክልኻል ዘካይዱዎ ናይ ዓቕሊ ጸበት ፈተነ’ውን እዩ።

እቲ እከይ ውዲትን ኲናትን ከምቲ ዝተመደበሉ ስለዘይተዓወተ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብጉልባብ ሰብኣዊ መሰላት ብኩሉ’ቲ ምዕራባዊ ስነሓሳባዊ መጋበርያ ሓያል ናይ ሓበሬታ ምዕፋን ዘመተ (Disinformation Campaign) እናካየዱ፡ ‘ጃምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ’ ዝብል መሰረት ዘይብሉ ክሲታት ብምልዓል ንኤርትራ ገንሸል ንምግባርን ንዓለም ከደናግሩን ከንቱ ፈተነ ይገብሩ ኣለው። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብመንገዲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንምንዋር ንምንጻልን ንምንዕዓብን ዝተፈተነን ዝፈሸለን፡ ሕጂውን ስነሓሳባዊ መሳርዕ ምዕራባዊ ዓለም ብሓፈሻ፡ ሚድያታት ድማ ብፍላይ፡ ዓቢ ተልእኮ ተዋሂቡዎም ብጉልባብ ሰብኣዊ መሰላት ንብዓት ሓርገጽ እናፍሰሰኡ ጻዕሮም ኣዛዪዶም ኣለዉ።

ከም መርኣያ ናይዚ ሓድሽ ውጥን፡ ብመገዲ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽንላን ሁዩማን ራይትስ ዎችን ዝተፈብረኹ ናይ ሓሶት ክስታትን ጸብጻባትን፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ መሰረት ዘይብሉ ዓንቀጽ ብምጥታም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰዶ በይናዊ እገዳ፡ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ፕረዚደንታዊ ፈጻሚ ውሳነ፡ ናይ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽነር ሕ.ሃ. ግጉይ ጸብጻብ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ሓድሽ ውጥን’ዚ፡ ነቲ ልሙድ ክርአ ዝጸንሐ ናይዞም ኣካላት’ዚኣቶም ባህርይን ኣንቅዶን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘዝነቡዎ ሰማዒ ዝሰኣነ፡ መርማሪ ኮሚሽን ኣካቢዱ ዘቕረቦ’ሞ ዘይተዓወተ ናይ ሓሶት ክሲታት እዩ። ከም ዝሓለፈ መኺኑ ዝተረፈ ጠቐነታትን ተጻብኦን ከኣ ብቐጻሊ ውሽጣዊን ዞባዊን ምዕባለታት ይኹን ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ጎስጓሳዊን መኸተ ዝጽረግ ንብዓት ሓርገጽ ድማ እዩ።

እቲ ግብራዊ መልሲን መንገድን ሕጂውን ከይተዛነና ዓጸፋ ብምስራሕ ዓጸፋ ምሕያልዩ!




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events