Dehai

ትምኒት ምሁራት ትግራይ 2022

Posted by: Tesfamicael Yohannes

Date: Wednesday, 29 December 2021

ትምኒት ምሁራት ትግራይ 2022

 

ክሳብ ሕጂ ዘይተሰርሓሉ ጉዳይ እንተሎ፣ ተፈጢሩ ዘሎ ምድንጋራት፣ ናይ ምግላጽን ምጽራይን መስርሕ ዘይተጀመረ ምዃኑ ኢዩ። ቀዳማይ ነገር ክጻረይ ዘለዎ ብንጹር ትግራይ እንታይ ንምርግጋጽ ኢዩ ዉግእ ዝካየድ ዘሎ? ሕዝቢ ትግራይ ረፌራንዱም ንምክያድ ዲዩ እቲ ዓላማ? እስከ በዚ ንጀምር። ሕዝቢ ትግራይ ሬፈራንዱም ከካይድ፣ ድልየትካ እንታይ ኢዩ ተባሂሉ ክሕተት ኢዩ። ሕዝቢ ትግራይ ነጻነት ትግራይ ኢየ ዝደሊ እንተኢሉ ከም ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ተነጺሉ ብዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ክረክብ ኣለዎ። እዚ ንባዕሉ ሓደ መፍትሒ ኢዩ። ትግራይ ርእሳ ክኢላ ትነብር ሃገር ኽትከዉን ኢያ። ሕቶ ዶብ ክለዓል ኢዩ። ብሸነኽ ሰሜንን ምብራቕን ዘሻሙ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብዓለምለኻዊ ፍርዲቤት ዝተወሰነ ስለዝኾነ ዝቕየር ነገር የልቦን። ብደቡብን ምዕራብን ግን ብሓይሊ ናይ ትግራይ ዲዩ ክትሓዝ? ወይስ ብስምምዕ ምስ መንግስቲ ዲዩ ክትሓዝ? ወይስ ብዓለምለኻዊ ፍርዲቤት ዲዩ ክዉሰን? እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ ዶብ ሕቶ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ።

ካልኣይ ነገር ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ቑጠባ ብዝምልከት ኢዩ። ትግራይ ቁጠብኣ ብዝምልከት ብሰለስተ ኣፍደገ ናይ ባሕሪ ምስ ዓለም ክትዋሳእ ትኽእል ኢያ። እቲ ሓደን ተመራጽን ኣፍደገ ባሕሪ ንትግራይ ጂቡቲ ኢዩ። ምኽንያቱ ትግራይ፣ ጂቡቲ ናይ ምጥቃም ዝደለበቶ ተሞክሮ ስለዘሎ ኢዩ። እቲ ካልእ ተመራጺ ኣፍደገ ባሕሪ፣ ፖርትሱዳን ኢዩ። እዚ ኣፍደገ ባሕሪ ንትግራይ ተመራጺ ኡኳ እንተኾነ ብኣከራኻሪ መሬት ኣምሓራ ስለዝሓልፍ ርእሱ ዝኸኣለ ሽግራት ኣለዎ። እቲ ኻልእ ኣማራጺ ኮይኑ፣ ግን ንትግራይ ተመራጺ ዘይኮነ ወደብ ዓሰብ ኢዩ። እዚ ወደብ ስለምንታይ ኢዩ ተመራጺ ንትግራይ ዘይኮነ? ትግራዎት ከምዝበልዎ፣ ባዕሎም ማለት ኢዩ፣ ኤርትራዊያን ንገመል ማይ የስቲዩሉ ዝበልዎ ስለዝኾነ ዓሰብ መስተይ ማይ ገመል ኮይኑ ኽተርፍ ኢዩ። በየናይ ኣፍደገ ባሕሪ ትግራይ ትጥቀም እቲ ምርጫታት ስለዘሎ ንሕዝቢ ትግራይ ንግደፈሉ። ምኽንያቱ እዚ ናይ ቢዝነስ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ኹሉ ኮይኑ ሕዝቢ ትግራይ ብፈደራላዊ መንገዲ ምስ ኢትዮጵያ ይሕሸና እንተበለኸ? ፈደራላዊ ምትእስሳር ተፈቲኑ ኣይሰርሔን። ብተግባር ዝተሞከረ ጉዳይ ኢዩ። እንታይ ድኣ ኢዩ እቲ መዋጽኦ? ትግራይ ኣብ ዉግእን ህዉከትን ዕግርግርን ምስ ጎሮባብታ ምንባር ኢዩ። ካልእ ኣምራጺ ንግዚኡ ኣይርኤን ዘሎ። እዚ ኹሉ ዝኾነ ከኣ ምኽንያቱ መራሕቲ ትግራይ ንጽር ራእይ ስለዘይብሎም ኢዩ። እዚ ኹሉ ሽግር ንሕዝቢ ትግራይ ወሪዱዋ ዘሎ ብሰንኪ ጉድለት ንጹር ዝኾነ ኣካይዳን ኣመራርሓን መራሕቲ ትግራይ ኢዩ።

ሕዝቢ ትግራይ፣ መራሕቱ ስስዔን ትምክሕትን ዓይኖም ኣዔዊሩዎም ደምበርበር ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ። ደምበርበር ዝብል መራሒ ኸኣ ንተመራሒ ንገደል ሒዙ ኢዩ ዝጸድፍ። እቲ ዝብጻሕ ብዓይኒ ብለይ ስኒ ብለይ ኣብዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ዘሕዝን ኩነታት ተበጺሑ ኣሎ። ንሕዝቢ ቀርኒ ኣፍርቃ ግን ሓደ ብሽራት ይቀላቐል ኣሎ። ኩነታት ትግራይ ኣብ ክንዲ ኣብ ባይታ ብወተሃደራዊ ዉግእ ዝካየድ ብኣንጻሩ ኣብ ዲያስፖራ ብዝርከቡ ምሁራት ትግራይ ብጽሑፍን ብፓልቶክን ቲክቶክን ዛኣመሳሰሉ ኽካየድ ምዃኑ ዝሕብር ጭብጥታት ተረኺቡ ኣሎ። ከምዚ ኣርእስቲ ናይዚ ጽሑፍ ዝሕብሮ ምሁራት ትግራይ ነቲኣ ሽግ ካብ ብዓል ደብረጽዮንን ጻድቃንን ተቐቢሎማ ኣለዉ። እዚ ዓቢ ብሽራት ንሕዝቢ ቀርኒ ኣፍርቃ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ሃዋኽን መዕገርገርን ሰራዊት ትግራይ ኣላሽ ኢሉ ድሕሪ ደጊም ጉዳይ ሕዝቢ ትግራይ ኣብ ዲይስፖራ ክኸዉን ኢዩ።

ካብዚ ቀጺልና ጽምዶና ምስ ምሁራት ትግራይ ኣብ ዲያስፖራ ክኸዉን ኢዩ። ዝኾነ የዋህ ኤሪትራዊ ከይጋገ ጥንቃቔ ኽግበር ይግባኣ። ምኽንያቱ እዚ ብምሁራት ትግራይ ኣብ ዲይስፖራ ቀሪቡ ተባሂሉ ዘሎ ነጥብታት ናይ ምሁራት ትግራይ ኣይኮነን። እቲ ኣጀንዳ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኢዩ።

ኣብዚ ቐረባ እዋን ሓደ ሓደ ነጥብታት ብምሁራት ትግራይ ቐሪቡ ዝተባህለ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። እቲ ኣጀንዳ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኮይኑ ግን ብሽም ምሁራት ትግራይ ቐሪቡ ዝተባህለ ኢዩ።

ገለ ካብ ቅድመ ኹነት "ምሁራት" ተጋሩ ንዘተ ሰላም።

 

1.       ሰራዊት ኢትዮጽያን ኣምሓራን ካብ ወልቃይትን ሑመራን ክወጽእ።

 

ሰራዊት ትግራይ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኔሮም። ብጠለብ ምሁራት ኢትዮጵያዊያን ወይ ከኣ ኣምሓራ ኣይኮኑን ወጺኦም። ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ብቄሮን ፋኖንን ምስጓግ ኢዩ ሰራዊት ትግራይ ወጺኡ። ስለዝኾነ ወልቃይትን ሑመራን ብዝምልከት ኣቐዲሙ ኽንጸር ዘለዎ ነገር ኣሎ። እዚ ብምሁራት ትግራይ ቐሪቡ ዝተባህለ ጠለብ ወልቃይትን ሑመራን ብዝምልከት ትግራይ ከም ሓንቲ ኣሃዳዉት ኣካል ኢትይጵያ ተወሲዳ ዲዩ? ወይስ ትግራይ ከም ብፈዴራል ምስ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረት ክልል ዲዩ ተወሲዱ? ወይከኣ ትግራይ ነጻ ሃገር ኮይና? ክሳብ መዓስ ኢዩ ሕዝቢ ትግራይ ብድንበርበር ክምራሕ? ንጹር ራእይ ክህሉው ይግባእ። እቲ ሕቶ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣምሓራን ካብ ወልቃይትን ሑመራን ይዉጻኣ ክብሃል ከሎ ንምንታይ ዓላማ ኢዩ? ብሱዳን ጌርካ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዲዩ? ካብ ወልቃይትን ሑመራን ተበጊስካ ንጎንደር ንምጥቃዕ ዲዩ? እንታይ ይዲለ ከምዘሎ ኸይተፈልጠ ብኸመይ ስነመጎት ኢዩ ሰራዊት ኢትዮጽያን ኣምሓራን ካብ ወልቃይትን ሑመራን ክወጽእ ዝጥለብ ዘሎ። ምሁራት ትግራይ ክሓስብሉ ዘለዎም ጉዳይ ኣሎ። ጎሮባብቲ ሕዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን ስኢኑ ኣሎ ብሰንኪ ዓንዳሪ ስጉምትታት መርሕነት ትግራይ። ብቕዳምነት ጎሮባብቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣህዛብ ብኸመይ ሰላምን ቅሳነትን ይረክቡ ምሁራት ትግራይ ክሰርሕሉ ይግባእ። ድሒሩ ብዛዕባ ዶብን መሬትን ኣብ ክቢ ጠሬጴዛ ኮፍ ኢልካ ዝፍታሕ ጉዳይ ኢዩ።

 

 

2.       ሰራዊት ኤርትራ ካብ ባድመ ክወጽእ።

 

ስለምንታይ? ኢልካ ጥራሕ ሓቲትካ ምተሓልፈ። ኮይኑ ግን ቆማጥ ቆማጥ እንተዘይልካዮ ኣቲዩ ይፍትፍት ዲዩ ዝብሃል፣ እዚ ካኣ ልክዕ ከምኡ ኢዩ። ምሁራት ትግራይ ምሁራት ስለዝኾኑኩም ከምቲ ንለባምን ኣምተሉ ንዓሻን ደርጉሗሉ ዝብሃል ከም ምሁራት መጠን ናይ ለባማት ሚዛን ክህበኩም። ጉዳይ ባድመ መንእሰያት ኤርትራን ትግራይን ቀዚፉ ኢዩ። ዝፈሰሰ ደም ዉሑድ ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ ይግባይ ዘይብሉን ቀያድን ዝኾነ ብዓለምለኻዊ ፍርዲ ቤት ተዓጺዩ ኢዩ። ባድመ ናይ ኤርትራ ኢያ። ሕጋዊ ኢዩ። ልዕሊ ሕጊ ምዃን ስራሕ ሽፍትነት ኢዩ። ከም ዓያሹ ከኣ ክድርጉሗልኩም። ሽሕ ኡኳ ባድመ ንኤርትራ እንተተፈርደት ነቲ ስዉር ስርሒት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክተካይዱ ኢልኩም ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዋጋ ኣይንወጽእን ኢልኩም። ባዕልኹም ከኣ ነቲ ዝሕልወኩም ዝነበረ ሰራውት ኢትዮጵያ ብቓጻ ብለይቲ ሓሪዲኩሞ። ሕዝቢ ኤርትራንዘውረድኩሙሉ ግፍዒ ኤህ ኢሉ ዝረገመኩም ፍርዱኹም ከኣ ትረኽቡዋ ኣለኹም። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ባድመ ክወጽእ ኣለዎ ዝብል ጠለብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እስኻትኩም ሕጂ ምሁራት ኢና ትብሉ ንምንታይ ዓላማ ኢኹም ትጠልቡ ዘለኹም። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ስትራተጂካዊ ረብሕኦም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምርግጋጽ ምስ ኤርትራ ተጻባኦ ኣለዎም። ንኤርትራ ተጽዕኖ ንምግባር ንትግራይ ከም መሳርሒ ኽትጥቅመላ ከምትደልይ ፍሉጥ ኢዩ። እስኻትኩም ምሁራት ትግራይ ዓያሹ ኮንኩም እምበር ኤርትራ ኡኮ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ስትራተጂካዊ ረብሕኦም ብዘሔሉው መንገዲ ስምምዕ እንተጌራ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከም ዝጨነወ ካልሲ እንዳጉሓፍ ኢዮም ኽድርብዩኹም። ክሳብ እቲ ስምምዕ ዝብጻሕ ግን መታን ንኤርትራ ብኣኹም ጌሮም ተጽዕኖ ኽገብሩ ኽጥቀምልኩም ኢዮም። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ስቓይን መከራን ሕዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣይግድሶምን ኢዩ። ስትራተጂካዊ ረብሓኦም ጥራሕ ኢዮም ዘቐደሙ።

3.       ህዝቢ ትግራይ ብሪፈረንዳም መጻእ ዕድሉ ክውስን ክፍቀዶ።

 

ሕዝቢ ትግራይ ከም ሕዝቢ መጠን ክኸበርን ከምኡ ከኣ ከም ኩሉ ሕዝቢ ዓለም ምስ ጎሮባብቱ ተሳኒዩን ብፍቕርን ሕዉነትን ዕብየትን ኽነብር ትምኒተይ ኢዩ። እቲኦም ምሁራት ትግራይ ኣቒርብኩማ ዘለኹም ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ብሪፈረንዳም መጻእ ዕድሉ ክውስን ክፍቀዶ ትብል፣ መንዩ ፈቓዲ? ኽተነጽርዎ ዘለኩም ነገር ኣሎ። ሕዝቢ ትግራይ ሬፈራንዱም ከካይድ፣ ድልየትካ እንታይ ኢዩ ተባሂሉ ክሕተት ማለት ኢዩ። ሕዝቢ ትግራይ ነጻነት ትግራይ ኢየ ዝደሊ እንተኢሉ ከም ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ተነጺሉ ብዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ክረክብ ኣለዎ። እዚ ንባዕሉ ሓደ መፍትሒ ኢዩ። ትግራይ ርእሳ ክኢላ ትነብር ሃገር ኽትከዉን ኢያ። ብፌደራል ምስ ኢትዮጵያ ዲዩ ክኸዉን? ብዝኾነ ሕዝቢ ትግራይ መሰሉ ክሕለወሉ ይግባእ።

 

4.       ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ርግኣትን ንምውሓስ ዓንዲ ሕቖ ኮይኑ ከገልግል ዝኽእል ምዃኑ ክእመነሉ: ሃገራት ምዕራብ ድማ ነዚ ሓቂ ተቐቢለን ንምድልዳል ምክልኻል ትግራይ ክታሓባበራ።

 

እዚኣስ ክኢላታት ተዋስኦ ከምዚ ፍልሚ ጌሮም እንተዘቕርቡዋ ተመራጺት ምኾነት። ብዙሕ ትንተና ዘየድልያ ግን ከም ዋዛ ትሕለፍ መስሓቕ ኢያ። መዘናግዒ ክኾነኩም ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብዚ ዘለኹዎ ዓዲ ዘጋጠመኒ ከዕልለኩም። ኣካባቢ 1987 ዓ.ም.ፈ ኢዩ ማሕበረሰብ ዝብሃል ተመስሪቱ 9 ዝኣባላታ ኣካያዲት ስራሕ ተመዘዘት። ኣነ ሓደ ካብቲኦም ዝተመርጹ ኣካል ነበርኩ። እዚኦም 9 ኣባላት ኣካይዲት ስራሕ ክፍፍል ንምግባር ተኣከብና። ከምቲ ልሙድ ሓደ ኣቦ ወንበር። ሓደ ተሓዚ ገንዘብ ከምኡከኣ ሓደ ጸሓፊ ክርቁሑ ኔርዎም። ሓደ ደፋር፣ ኣነ ተሓዚ ገንዘብ ክኸዉን ኢሉ ንነብሱ ሮቑሑዋ። ዘገርም ነገር ኢዩ ተሓዚ ገንዘብ ክኸዉን በለ። ጥዑይ እንተትኸዉን ኡኮ ኣይምተጸልኤን። ሓደ ሰታይ፣ ዝበለየሉ፣ ፍጹም ናቱ ገንዘብ ምሓዝ ዘይክኣለ ሰብ ኢዩ። ትሓዚ ገንዘብ ክኸዉንያ በለ። ኣብኣ መጀመሪያ ዝተቓዎምኩዎ ኣነ ኔረ። ክሳብ ሎሚ ዕለት 34 ዓመት ኮይኑ ኣብ ዝኾነ ኣኼባታት ከናሹወንን ኣንጻረይ ይኸይድ ኣሎ። ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣቢሉ ኣብዚ ናይ ቋንቋ ኣደ ትምህርቲ ቤት ሓንቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ኣብ ቅድሚ ወለዲ ኣዋሪዱኒ። ናቱ ድሓን ዝሓለፈ ስለዝኾነ ንግድፎ። ሕጂ ከኣ ምሁራት ትግራይ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ርግኣትን ንምውሓስ ዓንዲ ሕቖ ኮይኑ ከገልግል ዝኽእል ምዃኑ ክእመነሉ: ሃገራት ምዕራብ ድማ ነዚ ሓቂ ተቐቢለን ንምድልዳል ምክልኻል ትግራይ ክታሓባበራ ይብሉ ኣለዉ። ዝብኢ ቬጋን ኮይነ ኢየ ኢሉ ኣፊሊጡ እንተኾይኑ ድሓን ጤለ በጊዕ ሓሉ ኽንብሎ። ዝብኢ ዋላ እንተመሓለስ ከመይ ጌሪካ ጤለ በጊዕ ሓሉ ትብሎ። ሕዝቢ ቐርኒ ኣፍርቃ ብሰንኪ ሰራዊት ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን ስኢኑ ኣንዳተሓመሰስ እንታይ ክትዉስኹ ደሊኹም።

 

5.       ድሕሪ ነጻነት: ትግራይ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ምጥቃም መሰላ ክሕለወላ።

 

ሕዝቢ ትግራይ እቲኦም ቀዳሞት በደልቱ መራሕቱ ኢዮም። ምኽንያቱ ንጹር ራኢ ዘይብሎም ንሕዝቢ ትግራይ ሸንኮለል ኢዮም ዘብለዎ ዘለዉ። ኣብ ዓንቀጽ ሰለሰተ ህዝቢ ትግራይ ብሪፈረንዳም መጻእ ዕድሉ ክውስን ክፍቀዶ ኢሎም ከብቅዑ ኣብ ዓንቀጽ ሓሙሽተ ከኣ ድሕሪ ነጻነት: ትግራይ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ምጥቃም መሰላ ክሕለወላ ይብሉ ኣለዉ። እቲ ጠለብ ነጻነት ትግራይ ኣንድሕሪ ኮይኑ ረፈራንደም እንታይ ኣድለየ? ስለምንታይ ኢዩ እዚ ኹሉ ሸንኮለል። ምሁራት ትግራይ ኣቐዲምኩም ምርጫኹም ኣነጽሩ። ኣብ ቅድሜኹም ምርጫታት ኣለኩም። ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ሓንቲ ዕድሎም ኣብ ቀርኒ ኣፍርቃ ንኤርትራ ተጽዕኖ ኽገብሩ ትግራይ ጥራሕ ኢዮም ሒዞም ዘለዉ። መሳርሒ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኾንኩም ንኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ተጻብኦ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣንዳኣገልገልኩም ባሕሪ ኤርትራ ኽትጥቀምሉ ኣይትሓፍሩን ዲኹም። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጉዳይ ስትራተጂካዊ ረብሓ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ኣለዎም። እዚ ናይ ምሁራት ትግራይ ጠለብ ድሕሪ ነጻነት: ትግራይ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ምጥቃም መሰላ ክሕለወላ ዝብል ምስቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጉዳይ ስትራተጂካዊ ረብሓ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ምትእስሳር ኣለዎዶ? መጻኢ መጽናዕትና ከነጽሮ ኢዩ።

 

 

 

 

Best regards
Tesfamicael Yohannes Teckle
Oslo, Norway
Tel: +4797013364

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events