Dehai

ሓተታ፥ ፈስቲቫል ኤርትራውያን፡ ትእምርቲ ሃገራዊ ስኒት!

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 06 August 2022

ፈስቲቫል ኤርትራውያን፡ ትእምርቲ ሃገራዊ ስኒት!

ቀዳም 06  ነሓሰ 2022

   ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ሰውራ ገና ብዕሸሉ፡ መሰረት ኣንጺፉ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣካል ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ዓመታዊ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን፡ ወቕቱ ኣኺሉ ድሮ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ማለት ኣብ ኢጣልያ፡ ጀርመን፡ ነዘርላንድስ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዞባ ስካንዲናቭያን፡ ስዊዘርላንድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ብውዕውዕ መንፈስ ምክያዱ፡ ብማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገርን ማሕበራዊ ሚድያን ብስፍሓት ክቃላሕ ቀንዩ ኣሎ።

    ኣቐድም ኣቢሎም ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ፡ ንመበል 31 ዓመት ጽምብል ናጽነትን መዓልቲ ሰማእታትን ብሕልፍ ዝበለ ድምቀት ምብዓሎም ይዝከር። ከምዝፍለጥ ዘለናዮ መድረኽ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብቲ ነዊሕ ቃልሱ፡ ሓድነቱ ኣስጢሙ፡ ድርዒ መኸተኡ ብምትራር፡ ኩሉ ንምንብርካኹ ዝተኣልመ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ጸጥታዊን ሽርሒታት በዲሁ እናፍሸለ፡ ነቶም ዋላ ኣብዚ ናይ 11 ሰዓት ወይ ኣጋግዜ እዋን’ውን፡ ነዚ ዕዉት ምርሻ’ዚን፡ ንናይ ታሪኽ መንኮርኮርን ንድሕሪት ክመልሱ ዝህቅኑ ዘለዎ ናይ ግዳም ተጻባእቲ፡ ዝምከተሉ ዘሎ መድረኽ’ዩ። ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን ከኣ፡ መድረኽ ዝጠልቦ ተልእኾኦም ብምግንዛብ፡ ንቅንያት ናጽነትን ፈስቲቫላትን ዝያዳ ብምድማቕ፡ ከም ወትሩ ኣብ ጎድኒ ህዝቦምን ሃገሮምን ምዃኖም ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ክውሰድ ዝጸንሐ ዘይፍትሓዊ ናይ እገዳ ውሳነታትን ናይ ምስይጣን ዘመተን፡ ተስፋ ዘቚርጽ ግብረ መልሲ እናሃቡ፡ ንታሪኻውያን ተጻባእቲ ሓያል መልእኽቲ ኣብ ምትሕልላፍ ይርከቡ።

     ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ቅርዓት ምትእኽኻብ ሃገራውያን ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ፡ ገና ሰውራ ኣብ እግሪ ተኽሉ ማለት ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ዝጀመረ ኣስታት ፍርቂ ዘመን ዕድመ ዘለዎ’ዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ፡ በበኸባቢኦም ሓያል ውዳበታት ፈጢሮም፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ህይወቱ በጃ እናኸፈለ መግዛእቲ ንምጽራግ ኣብ ብርቱዕ ኲናት ተጸሚዱ ዝነበረ ህዝቦም፡ ድምጹ ኣብ ዓለም እናቃልሑ፡ ዘድልዮ ንዋትን ሞራልን እናስነቑ፡ ጽኑዕ ብርኪ ኮይኖሞ እዮም። ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ጥርናፈ (ናይ ተማሃሮ፡ ሰራሕተኛታት፡ ደቀንስትዮ) ኣቚሞም፡ ሰራሕተኛታት ብወለንታኦም 20% ካብ ደሞዞም፡ ተማሃሮ ድማ ካብ ዝርካቡ መቚነኖም 10% ንምሕያል ቃልሲ የወፍዩ ምንባሮም ምስ እንዝክር፡ ነቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራን ኣብ ወጻኢን ክፍጠር ዝኸኣለ ስጡም ናይ ቃልሲ ርክብ ዘጉልሕ እዩ። ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ፡ ካብ ገንዘባዊን ንዋታዊን ኣበርክቶ ሓሊፎም፡ ብኣካል ናብ ሜዳ ዝስለፉ ዝነበሩ እውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብ ሩስያ ዝነበሩ ተማሃሮ ንኣብነት፡ ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ትምህርቱ ምስ ውድአ፡ ንሜዳ ክስለፍ ብምውሳን ናብ ቃልሲ እናተጸንበሩ፡ ብሞያኦም ዝገብርዎ ኣበርክቶ ኣብ ታሪኽ ደሚቑ ዝዝከር እዩ።

   ኣብ እዋን ቃልሲ፡ ዓመት መጸ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕን ዝውደብ ዝነበረ ፈስቲቫላት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ኣብ ምድማቕ፡ ሓድነትን ጥምረትን ተቓለስቲ ኣብ ምድልዳል፡ ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ምሕያል ጥራይ ዘይኮነ፡ ባህልን ክብርታትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምዕቃብ፡ ናብ ንኣሽቱ ወለዶ ኣብ ምስግጋር ዝተጻወቶ ግደ ዓቢ እዩ። መሪሕ ውድብ ህ.ግ.፡ ግደን ኣበርክቶን ውዳበታት ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ዜጋታት ከሎ ገና ብምግንዛብ፡ ካብ ፈለማ መድረኽ ናይ ቃልሱ ጀሚሩ፡ ልዑል ኣተኩሮ ሂቡ ሰሪሑሉ’ዩ። ከም መርኣያ ናይዚ፡ ኣብቲ ሽዑ ዝካየድ ዝነበረ ፈስቲቫላት፡ ብደረጃ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ልኡኻት ካብ ሜዳ እናሰደደ፡ ንምዕባለታት ቃልሲን ሓላፍነት ዜጋታትን ዘዘኻኽር ሰሚናራት የካይድ ምንባሩ ይዝከር።

   እዚ ውርሻ ሓርነታዊ ቃልስና ዝኾነ ፈስቲቫላት፡ ድሕሪ ናጽነት ኣካል ሃገራዊ ባህልናን በዓላትናን ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን፡ ብስፍሓት ይቕጽል ኣሎ። ከም እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኣብዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ፈስቲቫላት እውን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባራትን እናለኣኸ፡ ንህልዊ ኩነታት ሃገር ዝገልጽ ሰሚናራት ከካይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫላት ከኣ፡ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን፡ ንህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ወኪሎም ኣብዚ ዕዙዝ ኣጋጣሚ’ዚ ይሳተፉ ኣለዉ።

   ፈስቲቫል ኤርትራውያን፡ ጽባቐ ባህላዊ ብዙሕነትና እናጉልሐ፡ ረብሓ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ጣዕሚ ሃገራዊ ስኒትን ዝምህር፡ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታትን ብድሆታትን ብመንጽሩ ዝጥለብ ዜግነታዊ ሓላፍነትን ዘዘኻኽር፡ ንዜጋታት ምስ ባህልን ኣነባብራን መላእ ሕብረተሰብ ምስ ባህላውን ታሪኻውን ቅርስታት ሃገር ዘላሊ፡ ምህዞን ተበላሓትነትን ዜጋታት ዘበራብር፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ ዝሰላሰሉ ዘለው ልምዓታዊ ንጥፈታት ዘንጸባርቕ፡ ኮታ ምስሊ ህርኩትን ስሙርን ህዝቢ ዝዂልዕ ዕዙዝን ተባሃጊን ኣውድኣመት እዩ። ዝያዳ ኹሉ ከኣ፡ ንሕሉፍን ህልዊን መጻእቲን ወለዶታት ኣብ ሓደ ቅርዓት ኣራኺቡ ታሪኽን ክብርታትን ዘሰጋግር ምዃኑ፡ ኣብ ባህላዊ ውርሻታት ዝሰረተ ስልጡን ሃገራዊ ባህሊን ስኒትን ኣብ ምዕንባብ ዘለዎ ግደ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን።

   ከምዝፍለጥ መሰረት ሃገርን ሃገራዊ መንነትን፡ ባህልን ክብርታትን’ዩ። ብዘይ ባህሊን ክብርታትን፡ ዝፍጠርን ዝቐውምን ሰብኣዊ ጥርናፈ የለን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብባህላዊ ዕብለላ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ከይተሰነፈ፡ ብልዕሊ ፍቕሪ መበቆልን መንነትን፡ ባህላዊ ውርሻታቱ፡ ክብርታቱን ቋንቋታቱን ክዕቅብ ብምኽኣሉ’ዩ፡ ንኹሉ ማሕለኻታት ሰጊሩ፡ ናጻን ልኡላዊን ህዝቢን ሃገርን ክኽውን ዝበቕዐ። ካብ ባህላዊ ብዙሕነቱ በብሉጹ እናሓረየ፡ ንኹሉ ትሕተ-ሃገራዊ ኣመለኻኽታ ዝሰገረ ውሁድን ስሙርን ሃገራዊ ባህሊ ኣማዕቢሉ፡ ሃገራዊ መንነቱ እንተዘየድምቕ፡ ብርግጽ ልኡላዊ ሃገር ክኸውን ኣይምበቕዐን።

   ዋሕስ ቀጻልነትን ምዕባለን ሓደ ሕብረተሰብ እውን እንተኾነ፡ ጥምረትን ጥምረት ዝፈጥር ባህልን እዩ። ሕብረተሰብ ቀጻልነቱን ምዕባለኡን ንኸውሕስ፡ ተካእቲ ወለዶታት ከፍሪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ባህሉን ክብርታቱን ብዝግባእ እናዕጠቖም ክኸይድ ኣለዎ። እዚ ረቂቕ ሓይሊ’ዚ ልዕሊ ካልእ ነገራዊ ትሕተ-ቅርጺታት ዝስራዕ ወሳኒ ትሕተ-ቅርጺ ሃገራውነት እዩ። ኣብ ቃልሲ ንሃገራዊ ናጽነት ዓምቢቡ ከም ባህሊ ተራዒሙ ዝርከብ፡ ፈስቲቫል ከኣ፡ ኣብዚ ዕማም’ዚ ዘለዎ ግደ ልዑል ኮይኑ፡ ብዙሕነት ዝሰረቱ ባህልና፡ ሃገራዊ ስኒትናን ፍቕርናን፡ ታሪኽናን ኣነባብራናን፡ ስሙር ጻዕርናን ሓባራዊ ራእይናን እነጉልሓሉ ኣገዳሲ መድረኽ እዩ።




6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events