Dehai

መደረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ መበል 77 ጉባኤ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 26 September 2022

መደረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ መበል 77 ጉባኤ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት 26 መስከረም 2022 ኒውዮርክ

ክቡር ፕረዚደንት

ክቡራት መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን

ክቡራት ተሳተፍቲ

ፈለማ፡ ፕረዚደንት መበል 77 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ኴንካ ብምምራጽካ ዮሃና ክብል ኣፍቅደለይ። ከምኡ’ውን ክቡር ዓብደላ ሻሂድ ኣብ መበል 76 ጉባኤ ንዘርኣዮ ዕዉት መሪሕነት ዮሃና እብል።

ዓመታዊ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ “ነጥበ-መቐይሮ፡ ሱር-በተኻዊ ፍታሕ ንጥንግናግ ብድሆታት” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ፡ ዓሚቝን ዝተወሳሰበን ብድሆታት ዝተኸስተሉ እዋን ይካየድ ኣሎ። ጽልዋ ናይዚ ብድሆታት’ዚ፡ ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለምና ዘንጸላሉ ዘሎ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ለበዳ ኮቪድ 19 ብደረጃ ዓለም ገዚፍ ሰብኣዊ ክሳራ ምውራዱ ዝፍለጥ’ዩ። ዘቤታዊ ምንቍልቋል ቁጠባን ኣህጉራዊ ሕጽረት ቀረባትን ስለዘስዓበ ድማ፡ ሕዱር ቍጠባዊ ማህሰይቲን መዋቕራዊ ጸገማትን ኣኸቲሉ ኣሎ።

እዚ መዓት’ዚ ገና እናቐጸለ፡ ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጥን ዓለማዊ ዋዒን እውን ይብድሃና ኣሎ። እዚ ድማ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ተኣፋፊ ደረጃ ዝርከብ ኵነታት የጋድዶ ኣሎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ምስ ኲናት ኡክራንያ ዝተኣሳሰረ፡ ፍሉይን ሓደገኛን ሳዕቤን ክህልዎ ዝኽእል መጠነ-ሰፊሕ ተኽእሎታት ህልቂት፡ ነቲ ቅልውላው ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ጽፍሒ ኣዕሪጕዎ ይርከብ።

ለበዳ ኮቪድ-19 ንጎኒ ገዲፍካ፡ እዚ ንሓድሕዱ ዝተጠናነገ ብድሆታትን ስፍሓት ናይቲ ቅልውላውን፡ ድምር ሳዕቤን ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ዓለማዊ ምሕደራ ዘሎ ድኻማትን ሃጓፋትን ዘነጽር ምልክት እዩ። ውጽኢትን ነጸብራቕን ናይቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝጸንሐ ውዱቕ እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ድማ እዩ።

ግደ ሓቂ፡ እቲ ብዙሕ ዝውደስ “ሕጊ ዝሰረቱ ዓለማዊ ስርዓት”፡ ንዝንቡዕነት፡ ዘይሚዛናውነትን፡ ዘየሳኒ ስርዓተ-ልምድን ሕጊታትን ዝውክል’ዩ። ብመሰረቱ ንረብሓ መብዛሕትኦም ህዝብታት ብምጕሳይ፡ ንጥቕምን ሓለፋታትን ናይቶም ቀንዲ ሃንደስቱ ክዕቅብ ዝተዳለወ እዩ። እንኮ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያኡ፡ ንታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ፡ ንፍሉይ ክውንነትን ባህልታትን፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንናጻ ሕርያ ፖሊሲ ልኡላውያን ህዝብታት ቦታ ዝህብ ኣይኮነን።

ኵሎም ካልኦት ልኡላውያን ህዝብታትን ሃገራትን፡ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናኦምን ዘቤታዊ ፖሊሲታቶምን፡ ነቲ ኣብ ምህሙንን ቄናንን “ሕግታት ኣህጉራዊ ስርዓት” ዝተቐመጠ “ወርቃዊ መለክዒታት” ኣሜን ኢሎም ክቕበሉዎ’ እዩ ትጽቢት ዝግበረሎም።

ኣብ ናይ መወዳእታ ትንታነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝተፈጸመ ብዙሕ ዋጋ ዝሓተተ ምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት፤ ዘይሕጋዊን እንኮ ቀጽራዊን እገዳታት፤ ንሰብኣዊ መሰላት ኣዘንቢዕካ ከም መሳርሒ ምጥቃም፤ ብሓጺሩ ኵሎም ኣህጉራውን ዞባውን ዘይምርግጋኣት፡ ብቐጥታ ካብቲ ግጉይ ዓለማዊ ምሕደራ ዝምንጭዉ እዮም።

ኣሉታዊ ጽልዋ ናይዚ ግጉይ ስርዓት ኣብ ልኡላውያን ሃገራትን ህዝብታትን ‘ዓለማዊ ደቡብ’ (ግሎባል ሳውዝ) ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ትሕቲ 1% ካብ ህዝቢ፡ 99% ሃገራዊ ሃብቲ ዝውንኑ ምዃኖም መርኣያ ቄናን ሚዛን እዩ። ንክሊማዊ ለውጢ መመሊሱ ዘጋድድ ዘሎ ልጓም-ኣልቦ ኣህላኽነት ዘተባብዕ፤ ንሕብረተሰባት መቓቒሉ ፍሉይን ዘይንቡርን ውልቃውነት ዝዅስኩስ፤ ኣብ መወዳእታ ርህራሄን ማሕበረሰባዊ ክንክንን ዘጥፍእ፡ ኣብ ውልቀ-ሃገራትን ብሓፈሻ ዓለምን ንዘሎ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ምርግጋእን ዝዘርግ ሓደገኛ ዝንባለ ድማ እዩ።

ክቡራት ተሳተፍቲ!

ብዛዕባ ጉድለታት ዓለማዊ ቅርጺ ምሕደራ ዘለኒ ርእይቶ፡ ከምቲ ኣብ ቴማ ናይዚ ሓፈሻዊ ባይቶ ዝተነጸረ፡ መንግስተይ እዋናውን ህጹጽን መፍትሒታት ንምርካብ ካብ ዘለዎ ሓፈሻውን ርጡብን ድሌት ጥራይ ዝምንጩ ኣይኮነን። ኤርትራ ብሓቂ ግዳይ ናይዚ ግጉይ ኣህጉራዊ ስርዓትን ውጉዝ እገዳን ኮይና እያ። ብመገዲ ኣገልገልቲ ሓይልታት ቀጻሊ ግጭትን ዘይምርግጋእን ምፍጣር፤ ከምኡ’ውን ንሰብኣዊ መሰላት ከም መሳርሒ ተጠቒምካ፡ ነዛ ሓዳስ ሃገር ምግላልን ምንጻልን ካልእን ዘጠቓልል ተግባራት ተኻዪዱን ይካየድ ኣሎን።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን!

ኩላትና ከም እንሰማማዓሉ፡ መጠን ስሕበት ናይቲ ዓለምና ክትቃለሶ ዘለዋ ዝተሓላለኸ ጸገማት ገዚፍ ብምዃኑ፡ ህጹጽን ኣጠቓላሊን ናይ ምፍዋስ ስጉምቲ ዝጠልብ እዩ። ብሓቂ ኣብ ናይ ዕዳ ግዜ ኢና ንነብር ዘሎና። እቲ ዝጸንሐ ትሕተ-ቕርጺ ዓለማዊ ምሕደራ ሕጋውነቱ ኣጥፊኡ፡ ንቐጻልነቱ ወሳኒ ዝኾነ ኣገዳሲ ዓለማዊ ሚዛን ስሒቱ ይርከብ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ነዚ ኩነት’ዚ ንምግጣም ትንሳኤ የድልየና፤ ነዚ ሓደገኛ ዝንባለ’ዚ ንምእራም ሰናይ ፖለቲካዊ ድሌት ይሓተና። ኣእምሮና ናብቲ ንኹሉ ዝሓቁፍ፡ ፍትሓውን ርህሩህን ዓለማዊ ስርዓት እንተቓኒናዮ፡ ኣብ ኢድ ደቂ-ሰብ ዘሎ ጸጋታት፡ ቴክኖሎጂያዊ ፍልጠት ኣኽል-ታርፍ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ።

በዚ መንጽር’ዚን ምቕሉል ርእይቶናን፡-

  1. ዓለምና ይኹንስርዓትሕቡራትሃገራት፡ምሉእንማዕረንተሳትፎን ውክልናን ዘረጋግጸሉ፡ ኣብምርድዳእእተሰረተሓድሽኣህጉራዊስርዓትክሕንጽጽ ኣለዎ፤
  1. ማዕርነትኩለንኣባልሃገራት፡ምኽባርልኡላውነትንፖለቲካዊናጽነትንሃገራትንህዝብታትን ዘረጋግጽ ቅዱስ መትከላትክኽበርኣለዎ፤
  1. ኣብኩሎምውሳነዝህቡኣህጉራውያንኣካላትፍትሓዊውክልናኩለንኣባልሃገራትብተግባርንዘላቕንኣገባባትክረጋገጽይግባእ፤
  1. ንሓባራዊ ምዕባለ ዝዕንቅጹምሩጻትንከፊላውንመለክዒታት ተወጊዶም፤ ዓሚቚ ክለሳ ዘድልዮ ርህሩህን ፍትሓውንማሕበራዊስርዓት ምዂስኳስ የድሊ። 
የቐንየለይ!



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events