Dehai

ኣስተምህሮ ስነ-ልቦና=> ህይወት ልዕሊ ስማ፣ ሰፊሕን ዓሚቚን ረዚንን ዓቢን'ዩ ትርጉማ!!!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 27 September 2022

ብዕለት 21 ሓምለ 2020 ዓምፈ፣ ኣብታ ካብ 2010-ዕለት 27 መጋቢት 2022 ዝነጥፈላ ዝነበርኩ ቀዳመይቲ ድሕረ-ገጸ እሞ ምስ ምሉእ ትሕዝቶኣ ኣጊዶም ዝደምሰሱዋ ዝተዓቑረት፣ ኣቕሪበያ ዝነበርኩ ዛዕባ እያ።

==================================

ኣብ ዓለም ህይወት ንገዛእ ርእሳ ቓልሲ እያ። ወዲ ሰብ ኣብ ዓለም ምስ መጸ [ምስ ተወልደ] ኣብ' ዓለም ዝነብረለን ውሑዳት ዓመታት ብዙሕ ዕድላትን ምቹእን ማእከላይ ናብራን ጸገማትን ድኽነትን ሕማምን ዝተፈላለየ ባህርያዊ ኮነ ሰብ ሰርሖን ፈተናታትን መካልፍን ሓደጋን [ኣካላዊ ኮነ ስነ-እእምሮኣዊ ስንክልና] ስጋብ ኣብ ክሞተሉ ዘይግብኦ ዕድመ'ውን ብሞት ክኹለፍ ከም ዝኽእል ኩልና ንፈልጦ ወድዓዊ ሓቂ እዩ።

ሓያሎይ ሰባት ከከም ባህሪኦም፣ ገንዘብ ዘየኻዕበትኩ ቀልጢፈ ዘይሃብተምኩ፣ ብዙሕ ገንዘብ ዝኽፈሎ ስራሕ ዘይረኸብኩ፣ ገዛ ዘይሰራሕኩ እትናብለን [ማኪና] ዘይገዛእኩ፣ ሰበይቲ ረኺበ ዘይተመርዓኹ [ሰብኣይ ረኺበ ሓዳር ዘይመስረትኩ] ኮታ ኣብ ዓለም ዘሎ ኩሉ ድሌትን ሸውሃትን ሕልሚን ደቂ ሰባት ዘይፈጸምኩ ብምባል፣ ክድቅሱን ክትስኡን ብዛዕባኡ ክሓስቡን ኽጭነቑን፣ እዚእታት ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝምጠጥ ድማ፣ ግዳያት አደዳ ሕማማት ኮይኖም ኣብ ዓለም ብህይወት ክነብርሉ ዝግብኦም ዓመታት ከሕጽሩ ዝረኣዩ ኣሎዉ።

ርግጸኛ እየ፣ ወዲ ሰብ ኣብ ዓለም ኣብ ዝነብረለን ዕድመኡ፣ ንዝምነዮን ክገብሮ ዝደልዮን ኩሉ ከም ዘየማልኦ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ኣብ' ዓለም ዝነብረለን ሓጸርቲ ዓመታት ንኹሉ ሸውሃቱን ሕልምታቱን ትልምታቱን ድሌታቱን ከማልእ እኹል ጊዜ ስለ ዘይብሉ።

ንኹሉ ክትገብሮን ክትበጽሖን ትደሊ ነገራትን ትምነዮን ምናልባትውን 'ትሓልሞን' ብቕድመ-ተኸተል ዝተወሰናን ክትዕወተለን ትኽእልን መሪጽካ ከም ዕላማ ኣቐሚጥካ ምስ ዘሎካ ግዜ መቓን መዚንካ፣ ብርግኣትን ትዕግስትን ክትሰርሓለን እንተ ተበጊስካ፣ ብምሉኡ ወይ ብኸፊሉ ብዓወት ክትድምድሞ ይከኣል እዩ። እንተ ዘይኮይኑ ኩሉ ዝሓለምካዮ ብሃታሃታን ሃርጎፍጎፍን ክትገብሮ እንተፈቲንካ፣ ኣቲ ዝበዝሕ ከይፈጸምካዮ ኣደዳ ሽግርን ሕማምን ኮንካ ናይ ምትራፍ ኣጋጣሚታት'ውን ኣሎ እዩ። ከምዚ እንተ ጌርካ፣ ትነብር ዘይኮንካስ፣ ብህይወትካ ጣላዕ ወይ ድማ ገበጣ ትጻወት ከም ዘሎኻው' ሕሰብ።

ንኽትረኽቦን ክትበጽሖን ዝደለኻ ትልምታትካ ብኾፍካ ተመኒኻን ሓሊምካን ዘይኮንካስ፣ ነቲ እንደገና ዘይድገም ወርቃዊ ግዜኻ ኣማቓሪሕካን ተጠቒምካን ተማሂርካን ሰሪሕካን ጽዒርካን ሓርኮትኮት ኢልካ ጥራሕ እዩ። ነቲ ብግዜ ሕጽረት ይኹን ዓቕሚ ክትገብሮ ወይ ክትልውጦ ዘይትኽእል ኩነታት ድማ፣ ስለምንታይ ዘይኰነለይ ኢልካ ክትሓርቕን ክትበሳጮን፣ ሕሉፍ ሓሊፉውን ጸቕጢ ጌርካ ኣብ ዘይሕማምካ ኽትበጽሕን ዘየድሊ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከተጥሪ ዘይኮነስ፣ ንኹሉ ኣብ ሚዛን ኣእቲኻን ተረዲእካን ክትቅበሎን ምስኡ ኽትነብርን ኣድላይን ተመራጺን እዩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንጥዕናኻውን ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።

ትርጉም ህይወት ግን ኣብ' ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኹሉ ጥራሕ ማለት ኣይኮነን። ነፍሲ ወከፍ ወዲ-ሰብ ትርጉም ህይወትን ምንባር ኣብ' ዓለምን ነናቱ ርድኢት እንተለዎ፣ ብናተይ ኣረኣእያን ንእሽቶይ ኣፍልጦን ግን፣ መጀመርታ ኣብ ዓለም እትጸንሓለን ዓመታት ብኣስታት ብምግማት፣ ኣብ ክሊ እዘን ዓመታት ኣብ ጉዕዞ ህይወትካ እንታይ ከም ትገብር ምፍላጥን ምምራጽን ምውሳንን ምስራሕን/ምጽዓርን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ወሳኒ ዕላማ እዩ። ህይወት ኣብ ዓለም ግን ውጻእ ውረድ ዘይብሉ ከም ዝሓሰብካዮን ዝመደብካዮን ጽጹይ መገዲ [ባይታ] ጥራይ' ማለት ኣይኮነን። "ከም' ኣዴኻ ዝለኣኸትካ ዘይኮነስ፣ ዕዳጋ ከም ዝጸንሓካ እዩ" ከም ዝበሃልን ከም' ኣብ ላዕሊ መእተዊ መጀመርታ ብዛዕባ ህይወት ዝገለጽኩዎን፣ ወዲ ሰብ ብባህርያዊ ኮነ ብሰብ ሰርሖ፣ ዘይሓሰቦ ሕማቕ ነገራት ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ ከምዚ የጋጥመኒ ኢሉ ክቑዝምን በዚ ተሰናቢዱ ተስፋ ክቖርጽን ናይ ምግባር ድሌቱ ከቕህምን ዘይኮነስ፣ ብዝያዳ እኳ ደኣ ትርጉም ህይወት ብጉቡእ ተረዲኡ፣ ናቱ ተበላሕነትን ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣለልዩ፣ ሞራልን ኒሕን ትብዓትን ተቐኒቱ [ሰኒቑ] ተስፋ ከይቖረጸ፣ በታ ዘላቶ ክእለት ናቱ ተውህቦን ሕዙእ ብቕዓትን ንደገ ኣውጺኡ ጻዕሪ ሓዊሱን፣ ንገዛእ ርእሱ ብትምህርቲ ከማዕብል ብስራሕ ድማ ንነብሱን ብቤተሰቡን ሕብረተሰቡን ከገልግልን፣ እዚ ዕድላት ምስ ዘይህሉ'ውን በታ ዘላቶ ዓቕሚን ክእለትን ይውሓድ ይብዛሕ ብሓላፍነትን ተሓታትነትን ግቡኡ ንሕብረተሰቡ ክወፊ ይግባእ።

እምበኣርከስ ትርጉም ህይወት ኣብ ዓለም፣ ኩሉ እንተታት ከጋጥም ከም ዝኽእል ንርእስኻ ምእማንን፣ ንዘጋጥመካን ዝመጽኣካን ብድሆታት ኩሉ ድሉው ኮንካ ምጽናሕን፣ እንተ ኣጋጢሙ ድማ ምቕባልን ከከም ኣመጻጽእኡ ምግጣምን ክትስዕሮ ምጽዓርን፣ ነተን ኣብ ዓለም እትነብረለን ውሱናት ዓመታት ውጥን ኣውጺእካ ብጉቡእ ኣብ መዓላ ኣውዒልካ ምጥቃምን፣ ምስ ስድራ ቤትካን ብጾትካን ከባቢካን ሕብረተሰብካን ብፍላይ ምስ ደቂ ሰባት ድማ ብሓፈሻ፣ ተረዳዲእካ ብስኒትን ተፋቂርካን ተኸባቢርካን ተሓጋጊዝካን ብሓባር ምንባርን፣ እንተ ኽኢልካ ከማን ዘሎካ ጸጋን ስነ ፍልጠትን ኽእለትን ተውህቦን ነቶም ናይ ትምህርቲ ዕድላት ዘይረኸቡን፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከማኻ ክኾኑን ዘይከኣሉን ዕድላትን ባይታን ዝሰኣኑ ደቂ ሃገርካን ሕብረተሰብካን ከተካፍልን ክትሕግዝን፣ ሰብኣውነት ብግብሪ ምልጋስን ማለት እዩ።

ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ከም ዝገለጽኩዎ፣ ህይወት ካብ ዕሙቕ ዝበለ መረደእታ ተበጊስካ ብግቡእን ሓላፍነትን ተሓታትነትን ለባም ኣገባብ ኣብ መዓላ ኣውዒልካ፣ ብስነ-ፍልጠት [ምኽንያታዊ ስነ-ሞጐት] እንተ ዘይተጠቒምካላ፣ ደጊም እቲ ኩሉ ወርቃዊ ግዜኻ ምስ ሓለፈን ምስ ተቓጸለን፣ ኣብ' ዓለም ትነብረን ድሮ መወዳእታ እዋን ምስ ቀረበ፣ ኣደዳ ጣዕሳን ሕርቃንን ጸቕጥን ኮንካ ግዳይ ናይ ዘይድለ መጥቃዕቲ [ዝተፈላለዩ ሕማማት] ኢኻ ትኸውን።

ደቂ ሰባት ግን ኣብ' ትርአን ትሽተትን ትስተማቐርን ትጭበጥን ትንበርን ገነት ዓለም [መሬት] ንተወሰና ዓመታት' ይኹን ይንበር እምበር፣ እቲ ብህይወት ከለዉ ክገብሩዎ ዝግብኦም ድሌታት ['ሕልምታት'] ምስ ዘይረኽብዎ፣ ናብ ድሕሪ ሞት ዘሎ እዋን ከም ኣብ "እምነትን ልምድን ማሪትን...." ወዘተረፈ ዝሰረቱ "ደገ ሰማይ ወይ መንግስተ ሰማይ" ዝበሃል ዛዕባ ብእኡ ክጸናንዑን ናውኡ ከጸግዕዎን ከመሓላልፍዎን [postpone] ይፍትኑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ርግጸኛታት ኮይኖም ከም ዝዛረቡን ዝሰብኩን ናይ ነፍሲ- ወከፍና መዓልታዊ ተጓንፎ [ተመኩሮ] እዩ። ለባማት ኣቦታትናን ወሓላሉ ወራዙት ኣዴታትና ከም ዝብልዎ ግን "ክንብርኩት ከይኒ ብርኩትን'ሲ፣ ቅድም ኣብ ማይ ዘለዎ ቦታ ንብጻሕ" እዩ እቲ ብቐዳምነት ዝስራዕ። እቲ ቀዳማይ ግብራዊ ቁም ነገር ድማ ንሱ እዩ። እዚ ማለት ድማ ካብ ዛጊት ኣብ ዘይተረጋገጸን ዘይጭበጥን "ሕንቅልሕንቅሊተይ ማሪታዊ እምነት" ትነብር፣ ኣብ' መሬት ብህይወትካ ከሎኻ እቲ ክትገብሮን ከተተግብሮን እትኽእል ይውሓድ ይብዛሕ፣ ነታ ዘላትካ እንኮ ሓንቲ ዕድል ተጠቒምካ ኣብ ባይታ ኣውዕሎ። ነቲ ድሕሪ ካብ' ዓለም ምስ ተሳናበትካ ክትገብሮ ዝወጠንካዮ "ሕልምታት" ግን ናትካ "እምነት" ስለ ዝኾነን ዝምንጥለካ ሰብ'ውን ስለ ዘየለን፣ ግብራውነቱን ዘይግብራውነቱን ባዕልኻ ደሓር ድሕሪ ካብዛ ዓለም ምስ ተፋኖኻ ክትምኮሮ ኢኻ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ'ውን ከም ነናቱ "እምነት" ከማኻ ክምኮሮ እዩ። ስለዚ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጭቡጥን ወድዓዊ ዕድላትን ተኽእሎታትን ብግቡእ ኣብ ግብሪ ኣውዒልካ ክትጥቀመሉ እምበር፣ ክህሉ ንኸይህሉ ብስነ ፍልጠትን ስነ-ሞጐትን ዘይተረጋገጸ ካልእ ናይ ዘይጭቡጥ ፈጠራ ድሕሪ' ትነብረላ ዓለም "ካልእ ዓለም" ኣይትሕለም ኢኻ።

ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከም ኩሉ ፍጡር እቲ ኣብ ዓለም ኮለኻ ዘጥረኻዮ ንዋይን [ገንዘብ] ንብረትን ድስትን ኩስኩስትን፣ ኮታ ኩሉ ንስኻ ትፈትዎ ንድሕሪት ገዲፍካን ሳንቲም እኳ ትኹን ምሳኻ ከይተማላእካ፣ ብሰለስተ እመት [ሜትሮ] ዓለባ ተገኒዝካ፣ ነዛ ምድራዊት ገነት ዓለምና ንዘልኣለም ብዘየዳግም ከም ትፋነዋ፣ ንነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ 100% ዘየማትእ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኣብ' ዓለም ከሎኻ በርትዕ ተስፋ ኣይትቑረጽ ዝከኣለካ ግበር፣ ሰብ ዝከኣሎ እዩ ዝገብር!!!

"ጭሩ ብምንታይ ትሕጐም? ከም ዓቕማ ብብርዒ ስገም" ዝበሃል ናይ በላሕትን ለባማትን ኣቦሓጎታትካን ኣቦታትካን ወራዙትን ሓብሓብትን ዓባያትካን ኣዴታትካን፣ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታትካ ከም ስንቂ [መግቢ ኣዎንታዊ ምንጨ-ሓሳባት] ምእንቲ ክኾነካ፣ ኣካልን ንብረትን ናይ መዓልታዊ ህይወትካ ጌርካ፣ ዝኾነ ብድሆ እንተ ኣጋጢሙካ ሓጋዚ ስለ ዝኸውን፣ነዛ ምስላ ክትትስእን ክትድቅስን ካብ ምዝካራ ዓዲ እይትውዓል [ኣይትረስዓያ]!

ህይወት ልዕሊ ስማ፣ ሰፊሕን ዓሚቕን ረዚንን ዓቢን ትርጉማ፣ ብዝብል ኣርእስቲ ጀሚረ፣ ልክዕ ብኣኣ ናብ መደምደምታ ዘብጽሓኒ ምኽንያት ድማ እዝን ካልኦት ምስኡ ዝኸይድ ዛዕባታትን ኣብ ግምት ብምእታው እየ።

እዚ 'ደሓንኩም ኽቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ነዛ ኣዝያ ንእሽቶይ ሓሲበን ኣመዛዚነን ብተኻእለ መጠን ኣብ ስነ-ፍልጠት ዝተመርኰሰ ስነ-ሞጐት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ጉዕዞ ህይወት ተመኩሮይ ሰረት ጌረ ዝሓናጠጥኩዋ ኣድላይት እያ ኢለ ዘቕረብኩዋ ኣርእስቲ [ዛዕባ]ድማ፣ ኣይተስተዋሕድዋ ኢኹም።

ኣብ ዕለታዊ ህይወትኩምን ንጥፈታትኩምን ብድሆ ምስ ዝገጥመኩም ድማ ንዕኡ ንምምካት ክትሕግዘኩም ትጽቢተይ ላዕሊ እዩ!!!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወደ ቐሺ]

-----------------------------

=> ደርፊ፣

• "ሰብ

ሰነ ጥበባውን ድምጻውን ነፍስሄር ኽቡር ኣቦና ሓርበኛ መምህር ኣልኣሚን ዓብደላጢፍ

[And at Kfle]

https://youtu.be/b3E5T7pHsPg

https://www.facebook.com/berhane.habtemariam.52

 

 
 
 
 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events