Dehai

ኤርትራውያን ዘይተፋሕረን ዘይተበርበረን ቅርስታትን ዘኹርዕን ዘሕብንን ጥንታውን ዘመናውን ኤርትራዊ ታሪኽ ኣሎና!!!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 27 September 2022

"ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትናኣ ትናፍቕ"!

•>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>

ታሪኽ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 130 ዓመታት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንድሕሪት ተመሊስና ነቲ ጭቡጥ ክዋኖ ፍሒርና ምስ ነውጽኦን ንትንትኖን ነጽንዖን ንመሃሮን፣ ኣብቲ ናይ ዞባና ታሪኻዊ ጉዕዞን መስርሓት ወሳንን ጸላውን ብስነ ምግባርን ሕግን ኣገባብ ሓባራዊ ኣነባብራን ምክብባርን ምትሕብባርን ኣንጻር ባዕዳውያን ሓይልታት ቀጻሊ ሓቢርካ ርእሰ-ምክልኻልን ብፍላይ፣ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያን ሃገር ምዃናን ምዕብልናኣን ቀጻልነታን ዓወታን ድማ ብሓፈሻ፣ ኣዝዩ ዓቢ ተራ ዝነበሮን ስጋብ ሕጂ'ውን ኣብ ዘመንና ዝቕጽል ዘሎ ስምብራት ዝገድፍን ዘገርም ዲንቂ ፍጻመታት እዩ!!!

እንታይ' ይገበር "ኣዲኣ ገዲፋስ ሓብት'ኖኣ ትናፍቕ" ወይ ድማ "ናታ ራሕሪሓስ [ገዲፋስ] ናይ ሓማታ ትናፍቕ" ዝብላ ምቅሉላት ምሳለ በላሕቲ ኣበዋትና እንዶ ኾይኑ ነገሩ! እንታይ ንምባል'የ፣ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ካብ ጥንትን ጥቅምትን ስጋብ' እዋን'ዚኣ፣ ጀጋኑን ፈጸምቲ ድንቂ ቅያታትን ክትእምኖ ዘጸግም ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ስነ-ፍልጠት ዝተሞርኰሰ ጥበባት ተኣምር ወትሃደራዊ ስርሒታትን፣ ኣብ ከርሲ መሬትና መሊኡ ኣሎ። ንኣብነት፣ ኤርትራ ብሰንኪ መሬታዊ ኣቀማምጣኣ ኣብ ምሉእ ታሪኻ ብባዕዳውያን ተባሃጊትን ሰሓቢትን መሶብ ስለ ዝኾነት፣ እዚ እኩይ ተጻብኦ ስጋብ' ዕለት እዚ'ኣውን ዝተቐየረ እንተ ዘየለ፣ ኤርትራ ምድሪ ቤትን ማዕጾን ሰረትን ምዕባሌ፣ ኣብ ከርሳ ድማ ብዙሕ ቅርስታት ታሪኽን ዳርጋ ዘይተተንከፈ ማእለያ ዘይብሉ ባህርያዊ ሃብቲ [ማዕድናት] እትውንን ሃገር እያ።

ንኣብነት ለባማትን በላሕትን ጥንታውያን ኣቦ ኣቦ'ሓጎታትና ዝተተለመን ዝተማህዘን ዝተጻሕፈን፣ እቲ ገና ቀሊል ዝመስለናን ኣብ ስነ-እእምሮና ብስነ-ፍልጠትን ስነ-ሞጐትን ብታሪኽን ጭብጥን ቀሪጽና ናትና ምዃኑ ካባና ብዙሓት ኣፍልጦ ዘይሃብናዮን፣ ኣቦ ቛንቛታት ትግረን ትግርኛን ኣምሓርኛን ዝዀነ መሰረቶም ቛንቛ ግዕዝ፣ መበቆሉ ኣብ ኤርትራ እዩ። ነዚ መረጋገጺ ድማ ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለየ ናይ ጥንቲ ቅርስታት፣ ማእለያ የብሉን። ንምሳለ ቛንቛ ትግረ እቲ ዝቐረበን ተመሳሳልን ቦኽርን ውላድ ግዕዝ'ዩ። እዚ ቛንቛ' መቦቆሉ እንኮ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብመሰረቱ የሎን። ብድሕሪኡ ዝመጽእ ቛንቛ ትግርኛ እዩ። ንሱ ድማ መሰረቱ ኣብ ኤርትራ ኾይኑ፣ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝሳገመ' እምበር ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ሃገርና ኣይኣተወን።

እቲ ውልዶ ሃገራዊ ቛንቛ ኢትዮጵያ ኣምሓርኛ ድማ፣ ድሒሩ' ተማሂዙ። ብወገነይ ከም ዘምበብኩዎ፣ ብዘመነ-መንግስቲ ጎንደር ካብ' ናይ ሎሚ ሃገረ ኤርትራ በቲ ናይ ሽዕኡ ስም 'ምድረ-ሓማሴን' ካብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት 'ኣብስንያን' ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ' እዋን' ንጉስ ከም ወትሃደራት ኮይኖም ከገልግሉዎ ተኣኻኺቦም ነበሩ። ካብ ዝተፈላለየ ኸባቢታትን ባህልታትን ብዝያዳ ድማ ቛንቛታትን ዝውንኑን ዝዛረቡን ዝነበሩ እኩባት ሰባት፣ ብቛንቛ ክረዳድኡ ስለ ዘይከኣሉ ተኣኪቦም "ኣምሓርኛ" ዝበሃል መረዳድኢ ቛንቛ ናይ ሓባር መረዳድኢ ምሂዞምን ፈጢሮምን።

እምነታት ክርስትናን እስልምናን ኣብ ዞባና ቅድሚ ምስፍሕፋሑ፣ ቅድም ቀዳድም ናብ ኤርትራ' ኣትዩ። ብድሕሪኡ ድማ ናብ ደቡብን ኩሉ ኩርንዓት ዞባናን ተዘርጊሑን ተስፋሕፊሖምን። እዚ ድማ ኣፈ-ታሪኽ ጽውያ ዘይኮነስ፣ ብስነ-ፍልጠትን ሞጐትን ዝተሰነየ ሓቀኛ ታሪኽና'ዩ።

እምበኣርከስ ናትና ምሉእ ታሪኽ ከፈለጥናን ጽሒፍና ከይወዳእናን ንዝሓለፉን ብህይወት ዘለዉ ጀጋኑ ፈጸምቲ ታሪኽን ሓርበኛታትና እኹልን ምሉእን ኣፍልጦ ከይሃብናን፣ ከምቲ ዝድለ ዝግብኦም ሞሳን ክብርን ከይለገስናን፣ ናብ ናይ ዓዲ ጓኖት ታሪኽ ዘኽይድ ወይ ምንፋቕ ኣየድልየናን' ማለተይ እየ። እዚ ማለት ግን ታሪኽ ናይ ጎደቦታትናን ዞባናን ኣህጉርናን ኰታ ዓለምናን ኣይንመሃሮን ሸለል ንበሎን ኣይንፍለጦን ማለት ኣይኾነን።

ኣብ' ዘመን' ግን፣ ገለ ግቡኦም እናፈጸሙ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታትን ጽፍሕታትን ዝነበሩን፣ ገለ ድማ ኣብ ምፍጻም ከለዉ ገለ'ውን ሓንቲ ከይገበሩ ንደገ ሃዲሞም ካብ ኤርትራ ናብ ኣማሪካን ሃገራት ኮቦጃን ኰታ ናብ ዝተፈላለ ኩርንዓት ዓለም ዝፈለሱ ኤርትራውያን፣ ብዛዕባ ኤርትራ ብማዕዶ ክዋራዘዩ ጸሓይ ዝዓርቦም [ምውርዛይ' ደሓን ሸለል ንበሎ] ካብዚ ኹሉ ዝኸፍአ ድማ፣ ዝተወልዱሉን ዝዓበዩሉን ተማሂሮም ሰብ ዝኾኑሉን መበቆሎም ክሒዶም እቲ ኽቡር ኤርትራዊ ማንነት ብድሌቶም ጠንጢኖም፣ "ትግራዎት ኢና፣ ወያነ ትግራይ ትስዕር፣ ሰራዊት ኤርትራ ክሰዓር ኣሎዎ" እናበሉ ወግሐ-ጸብሐ ዘጉርዑ፣ ዝበልዕሉ ጻሕልን ዘዕበያኦም ኣእዳው ዝሰበሩ፣ ቁልፍን ድግድጊት ቅናትን ዓጢቑ ዘምሃሮምን ሰብ ዝገበሮምን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፣ ብዘይነበረን ዘየሎን ኣውራጃዊ ዓሌታውን ቀቢላውን ስጋብ ዓዲ ዝወረደ ሕሱር ናይ ጽውጽዋይ ጽልእን ቂምን እናሰበኹ፣ ክፈላልይዎን ክበታትንዎን ከንቱ ፈተነ ዝገብሩን ኣይተሳእኑን።

ኣብ' እዋን'ዚ፣ ገለ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ንተወሰነን ነዊሕ መቓን ዘይከይድን ሸውሃት "ካብ በዓል ጣፍ፣ በዓል ለመጨለ ኣፍ" ውጥምጥምን ረኣዩኒ ስምዑኒን ይብሉ' እንተሃለዉ፣ ሃገርና ኤርትራ በቶም ጀጋኑ ኣርካናትን ተጋደልትን ተባዓትን ውፉያት መንእሰያት ከም ኣብነት ኣድማሳዊ ኤርትራዊ ሰሎሞን ገለጡን መሰልቱን፣ ናጽነታን ሓርነታን ልኡላውነታን ተሓልዩን ተዓቂቡን ንዘልኣለም ክትነብር እያ!!!!

"ህዝቢ ኤርትራ፣ ከምቲ ብቅንዕናን ብስነ-ልባናን ብዘይተጉላባን ንዕኡን ሃገርካን ተግልግሎ መጠን፣ የኽብረካ ይፈትወካ ሰማይ'ውን ይሰቕለካ። በንጻሩ ኤርትራዊ ስነ ምግባር ረሲዕካን ደርቢኻን ብሓሶትን ትዕቢትን ጃህራን ስስዐን መን ከማይን ኢልካ ናብ ጠፈር ስጋብ ትመጣጠር ስዲ እንተ ኼድካ ክትሕሱን ከተታልልን እንተፈቲንካ ግን፣ ጉድካ ቀሊዑ ስሒቡ ኣብ' መሬት ሓጠቕን ትሕቲኣ'ውን ይቐብረካ!"

"ዋላ እቲ ሕማቕ ናትካ ዎሆይ ይብለካ" ትብል ኣብነታዊት ምሳለ ለባማት ኣቦታትና'ውን ኣይንረስዕ! ስለምንታይሲ እቲ ዝተጋገየ ባእታ ምስ ግዜ ይዕረ ይኸውን ዝብል ስነ-ሞጐት ከም ሰፊሕ ስነ-ልቦና' ንበሎ ከም ትሕጃ ስለ ዘሎ እዩ።

ብተወሳኺ'ውን "ሕማቕ ሓጺንን ሰነፍ ኤርትራዊንን የለን" ይበሃል እዩ። ቅድመ-ኩነት ግን ንገለ ዝተጋገዩ ቁሩብ ግዜ ወሲድካን ምስኣ ዓቕሊ ጨሚርካ እንተ መዓድካዮም፣ ሓድ ክልተ ከም ፍጮ' ዘይቅየሩ እንተ'ሎዉ፣ እቲ ዝበዝሕ' ግድን ከም ሰብ ኣማስያኡ ክርድኦም ናይ ግድን እዩ።

<2>1•2•3•4•5•6•7•8•9•<2>

•√> ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና......ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና እዩ!!!

•√> ዘልኣለማዊ ኽብሪን ዝኽሪን ንስውኣትና፣ ኽብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊን ምክልኻል ልኡላውነትን ኲናት ስንኩላን ኽቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጾትና!!!

•√> ሞሳን ኽብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኽቡራት ሓርበኛታት ኤርትራውያንን መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

•√> ውድቀት ንሓሳዊ መጣቖሲ ፈሽፋሽ!

•√> ዓወት ንሓፋሽ!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]

•••••••••••••••••••••••••••••••••••••••

=> "ኣሕዋት ዘርኣይ ደረስ"

ስነ ጥበባውን ድምጻውን ኣቦ ሃገራዊ ባህሊ ነፍስሄር ኽቡር ኣቦና ኣተውብርሃን ሰጊድ...

[Aseb Entertainment]

https://youtu.be/rZljVAgG6i8

------------------------------

=> "ዙራ' ሃገርካ"

ብስነ ጥበባውን ድምጻስን ጅግና ስዉእ ዑቕባጋብር ግድብረትንሳአ [ወዲ ሰርጌንቲ] ኣብ 1980ታት ዝተደርፈት፣ ብሓርበኛ ኣኽሊሉ ፎቶ [ተፎኖ] ዝተደግመት...

https://www.facebook.com/berhane.habtemariam.52


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events