Dehai

ደሞክራስያዊት ሃገር ንምህናጽ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ጥራሕ ኣይኮነ ናይ ኩሉ ዜጋ ግድነታዊ ሓላፍነት'ዩ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Tuesday, 13 December 2022

* ህዝባዊ ግንባር ንሓራ ኤርትራ ክቃለስ ከሎ ንጸላኢ ሲዒርካ ነጻ ምዃን ጥራሕ ኣይነበረን። ንኹሎም ንኤርትራ ደሞክራሲያዊት ሃገር ካብ ምዃን ዝፈታትንዋ ኣምራት ጸራሪግካ ንምጥፍኦም ዘጠቓለለ ቃልሲ'ዩ ኔሩ። ገለ ካብቶም ቀንዲ ሃገር ቀሲና ከይትምዕብል ዝገብሩዋ ንምጥቃስ፡
ዓሌትነት፡ ኣውራጃነት፡ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት፡ ብሄራውነት፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ብልሽውና፡ ስርቂ፡ ዓመጽ፡ ሓሶት፡ ወዘተ እዮም። ዋላኳ ሃገርና ካብዞም ተርእዮታት እዚኣቶም ነጻያ እንተበልና፡ ነጻ ንኸይትኸውን ብድጉል ወይ ብትሑት ደረጃ ዝፈጸሙ የለውን ማለት ኣይኮነን። መንግስቲ ነብሱ የሕሲሙ (ኣዋሪዱ) ሃገር ክከላኸልን ክሃንጽን ክሰርሕ ከሎ፡ ነዚ ዝተጠቕሰ  ረማሲ ሕማማት ዘተኣናግዱ ኣለዉ። ካብ ኩሉ ሃገርና ካብ ብልሽውና ባዶ (ዜሮ) ክትከውን ኩሉ ሰብ ብዘይ ነሓፍነት (ሸለልትነት) ዝራኣዮን ዘጋጠሞን ንዝምልከቶ ኣካል ክሕብር ኣለዎ/ኣለዋ።
ዕድመን ጥዕናን ንመራሕትናን ምክልኻል ሓይልታትናን ሓፋሽ ህዝብናን።
-----------------------------------------------------------------------------
* ሻዕብያ ኣብቲ ጽንኩር መድረኽ ግዜ ቃልሲ፡ ብርቱዕ ኲናት ጸረ ባዕዳዊ ወረራ፡ ዝማረኾም ወተሃደራት ኣምሓራ፡ ሓኪሙ ኣምሂሩ ኣንቂሑ ዝገበሮም ሓራ፡ ሎሚ ባዕሎም ዝምስክሩዎ ዘለዉ ተራ ብተራ፡ ሻዕብያ ምዃኑ ደሞክራሲያዊ ሰውራ።
ሕጂ ዕንዝራ ወዲ ዕንዝራ፡ ቃልኪዳን ዝኣሰሩ ምስ ጭፍራ፡ የለን ደሞክራሲ ዝብሉ ኣብ ኤርትራ፡ ሃፊፎም ክተርፉዮም ከም ናይ ሳምና ዓፍራ።
ሞጎስ ንምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ።
ምስጋና ነቶም ወተሃደራት ደርጊ ዝነበሩ መስመር ህ/ግ/ሓ/ኤ ኣሚኖም መስዋእቲ ዝኸፈሉ። 
* ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንኹሎም ኣብ ሜዳ ኤርትራ መስዋእትነት ዝኸፈሉ ሰማእታት።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events