Dehai

ECSS-Online.com: ብድሆታት ዝሰሓሎ ሃገራዊ ብቕዓት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 29 December 2022

ብድሆታት ዝሰሓሎ ሃገራዊ ብቕዓት

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሃገራዊ ናጽነቱ ንምጉንጻፍ ዘካየዶ ነዊሕ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኣብ መድረኽ ናጽነት እውን፡ ህላወኡን ሓራ ፖለቲካዊ መስመሩን ኣውሒሱ፡ ራእዩን መብጽዓታቱን ንምዕዋት፡ ሕብረ-ብዙሕ ተጻብኦታት እናሰገረ ክጓዓዝ ተገዲዱ እዩ። ርግጽ’ዩ፡ ጸገም ዝምነዮ የለን፡ ከይደለኻዮ ክመጽእ ከሎ ግን፡ ሰጊርካዮ ኣብ ምሕላፍ ዝጥረ ሓይሊን ብቕዓትን ኣሎ። ብድሆታት መድረኽ ናጽነት ከኣ፡ ብኣንጻር ትጽቢትን ትምኒትን ተጻባእቲ፡ ንሃገራዊ መንፈስን ጥምረትን፡ ሓይልን ብቕዓትን ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ኣሰዊድዎ ይርከብ። በዚ ብድሆታት ዝሰሓሎ ሃገራዊ መንፈስ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ቅሉዕ ወራር ክሳብ ዝተፈላለየ ውዲታት፡ ምትንዃላትን ዕንቅፋታትን ሰጊሩ፡ ሎሚ ብኹሉ መለክዒታት ኣብ ዝሓሸን ዘተኣማምንን መድረኽ ደይቡ ይርከብ። ብኣንጻሩ፡ ኣሎ ዝበሃል ሓይሊ ተጠቒሞም እልቢ ዘይብሉ ሽርሒን ውዲታትን ኣሊሞም ንህዝቢ ኤርትራ ከንበርክኹ ሒዂ ዝበሉ ተጻባእቲ ዝተመነይዎ ውጽኢት ኣይረኸቡን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ፡ ምስናይ ኩሉ መድረኻዊ ተጻብኦታት፡ ጸግዒን ዘራይን ከይደለየ፡ ኣብ ጽኑዕ መስመሩ፡ ብርእሰ ተኣምንነት ምስ መረሸ እዩ። ካብ ነዊሕ ፖለቲካዊ ተሞኩሮኡ፡ ዋሕስ ዓወቱ፡ ብቐንዱ ንቕሓቱን ሃገራዊ ስኒቱ፡ ውዳበኡን ጥምረቱን ምዃኑ ኣረጋጊጹ ይፈልጥ እዩ።....

...........ምንባብ ቀጽል

https://www.ecss-online.com/2013/wp-content/uploads/2022/12/AGIZO-November-2022.pdf


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events