Dehai

ድራማ ሃሱሳት፡

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Tuesday, 11 July 2023

ርግኣት ሃገርናን ህዝብናን ንምትዕንቓፍ ዝግበር ዘሎ ተጻብኦታት ዕሽሽ ኢልካ ዝርኤ ኣይኮነን።  ፈስቲቫል ኤርትራ ንምዝራግ ኣብ ጀርምን ዝተራእየ ስድነት ሱሩ ካበይ ምዃኑ ኩልና ንፈልጦ ኢና። እቶም ኣብኡ ዘዕገርግሩ ዝነበሩ ተላኣኽቲ ድኣምበር ሃንደስቲ ኣይኮኑ።  እዞም ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖም ዘይሓስቡ ሃሱሳት፡ ዝሓስርብዎ ተንኮል ናብኦም'ዩ ተመሊሱ።  ወያነ ዘኽታም ምስ ሓብሓቢታ ኣሜርካ
ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዕረ ስለ ዝመረን እቲ ቃልሲ ገና ኣይተፈጸመን ዘሎ።  ጽንዓትን ኤርትራውያን ኩሉ ግዜ እናሓየለ ከም ዝኸይድ ፈስቲቭስል ኤርትራአያን ኣብ ጊሰን ኣመስኪሩ ኣሎ።  ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ  ምስጢር ዓወትና ሓድነትና እዩ። እዚ ሓድነት'ዚ ካብ ቀዳሞት ዝተወርሰ፡ ኣብ ግዜ ሰውራ ዳግም ዝተኸለሰ እዩ፡ ናይ ሕጂ ዎሎዶ ዎሪሱዎ ስለ ዘሎ ሃገርና ዘሰክፍ የብላን። ግን ክንዛነ ከኣ የብልናን።


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events