Dehai

ፈስቲቫል ስጡም መስርዕ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 12 July 2023

ፈስቲቫል ስጡም መስርዕ

ረቡዕ 12 ሓምለ 2023


Geen fotobeschrijving beschikbaar.

ዘለናዮ ወርሓት፡ ወትሩ ዕውት ስጡም ኤርትራዊ መስርዕ! በብኸባቢኡ ኣብ ዓመታዊ ንግደት ሃገራዊ ፈስቲቫል ተኣኻኺቡ፡ ላዛ ሃገራዊ ባህሉን ጣዕሚ ማሕበራዊ ስኒቱን ዘስተማቕረሉ ወቕቲ ፍስሃ ወ ሰላም እዩ።

ድምቀት ሃገራዊን ህዝባዊን በዓላትና፡ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ዘጉልሑዎ ሓቂ ኣሎ። ኤርትራ ኣጸደ ስኒትን ፍቕሪን፡ ህዝባ ድማ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ኣብ ጽላል ሓድነት ብሓደ ህርመትን ቅኒትን ዝግስግስ፡ ብዕዙዝ ሱታፌኡ ሃገራዊ ጉዳያቱን ውራያቱን ዘማዕርግ፡ ፍትሓዊ መኸተኡ ሰሚሩ ዘዐውት፡ ጭዋን ንቑሕን ህዝቢ ምዃኑ’ዮም ዝምስክሩ።

በዚ ምኽንያት፡ ሃገራዊ ፍቕሪን ስኒትን ኤርትራውያን፡ ንደለይቲ ሰላምን ፍትሒን እምብዛ መሳጢን ቅዱስ-ቅንኢ ዝፈጥርን’ዩ። ብኣንጻሩ ነቶም ኤርትራዊ መንነት ከይጎልሕ፡ እምበረ መጠን ሃሊኾም ዝተሰነኑ፡ ምሒር ኣርዓዲን ኣጨናቒን’ዩ። ተጻባእቲ ኤርትራ፡ ብዙሕ ግዜ ንሃገራዊ በዓላትናን ምትእኽኻብናን ዒላማ ዝገብሩሉ ምኽንያት፡ ምስጢር ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ባህሉን ክብርታቱን ምዃኑ ስለዝግንዘቡ እዮም። ሓሓሊፍና ከምእንዕዘቦ፡ ‘ምስ ኤርትራውያን ዝዓበየ ወይ ላህጃ ኤርትራውያን ይመልኽ’ዩ’ ዝተባህለ ድላዪ ትኳቦ ሃሰው እናበልካ፡ ያኢ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ናብ ፈደረሽን እንተተመልሰ ብምሕላም ባንዴራ ቐደም ኣሐንጊጥካ፣ ንኸም ፈስቲቫል ዝኣመሰለ ቅንያት ባህታን ፍስሃን ናይ ምዝራግ ምህሙን ሃቐነ፣ ድርኺቱ ምኹላዕ ኤርትራዊ መንነት ዝፈጥሮ ዘሎ ጅራቘን ዝርገት መዓንጣን’ዩ። የግዳስ፡ ኣብ ዓውደ-ኲናት ዝተቐብጸ ዓወት፡ ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ ብምንግርጋር ክርከብ ኣይሕሰብን። ምስ ፖሊስ ኤውሮጳ ተዳፊርካ፡ ብሓየት ሰራዊት ኤርትራ ዝተኻዕወ ሓሞት ምሕፋሱ ኣይከኣልን። ኩሉ ከንቱነት’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብልቢ ንፉሓን፡ ብዙሕ ግዜ ንሞት ተፈሪዱ’ዩ። እንተኾነ፡ ከይህሉ ዝጸዓቱ በብተራ ሲኦል ክወርዱ እናተዓዘበ፡ ተዝካሮም እናጸንበለ፡ ወትሩ ኣብ ጎደና ዓወት ሸነን ምስ በለ’ዩ። ናይ ርሑቕ ዛንታ ገዲፍና፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ምስ ባህልን ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራ ተራጺሙ ዝበርዓነ ተጻብኦታት እልቢ የብሉን። ዝዓበየ ካብኡ፡ ውልዶን ትስፍውቲን ሃገር ብኣጋ ንምቑጻይ ኣብ 1998 ዝተሃቀነ ቅሉዕ ወራር’ዩ። ብስነ-ሞጎት ሓይሊ ምስ ተሓለሎም ከኣ፡ ብዓረርን ሓዊን ዘይተጻዕደ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብድኽነትን ቁጠባዊ ሕሰምን ተሸጊሩ ‘ስዩም’ ንኽብል ካብ ዓበይቲ ልምዓታዊ ወፍርታት ምዕንቃጽ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ርሂጹ ዝነብር ዜጋ ዝሕውሎ ገንዘብ ንምሕናቕ፣ ብዝተወደነ መርበብ ፍልሰት፡ ሃገር ሰባ ንምብዳም፣ ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎ ንምስግዳድ፣ ምስሊ ናይዚ ምእንቲ ሰብኣዊ መሰሉ ረዚን መስዋእቲ ዝኸፈለ ሕፉር ህዝቢ ንምስይጣን ፡ዝከኣሎም ጽዒሮም።

የግዳስ ተጻብኦታቶም ምስናይ ጻዕቁን ርቀቱን፡ ኒሕን ንያትን ህዝቢ ኤርትራ ከዕርብ ኣይተኻእሎን። ምኽንያቱ ብዝኾነ ዓይነት ከርከባ ከይተሃወጽካ፡ ብበሪኽ ንቕሓት፡ ብጽንዓት ኣብ ሓደ ሃገራዊ ዕላማ ሰሚርካ ኣብ ፍኖተ ዓወት ምምራሽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነዊሕ ቃልሱ ዝተሞኰረሉን ዝመለኾን ጉዕዞ’ዩ።

ዘሐብን ታሪኽና እምበኣር፡ ነቲ ክቡር ሃገራዊ ጸጋና፡ ማሕበራዊ ስኒትን ውህደትን ዝያዳ ከነሰስኖን ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዎን ዘዘኻኽረና እዩ። ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዝተወልደ ባህላዊ ንጥፈት ፈስቲቫል ኤርትራ ከኣ፡ መግለጺ ዘቕንእ ሃገራዊ ፍቕርናን ጥምረትናን ኮይኑ፡ ጽባቐ ብዙሕነት ዝሰረቱ ባህልናን ስኒት ዝሕላገቱ ታሪኽናን ኣነባብራናን እነጉልሓሉ፣ ገዲምን ሓድሽን ወለዶ ኣብ ሓደ ቅርዓት ብምርኻብ ታሪኽን ክብርታትን እነሰጋግረሉ፡ ብሉጽ ትውፊት ዝሰረቱ ሃገራዊ ባህሊ እነዐንብበሉ ብምዃኑ፡ መኽሰቡ ዓቢ እዩ።

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ



WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events