Dehai

ፖሎቲካ ባሃማት!

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 17 July 2023

ናይ ለብዘነን ፖሎቲካ ባሃማት።
ብዙሕ ይልፍልፉ ክመስሉ ለባማት፡
ክዳን ሓራጅ ለቢሶ (ስነ ሓሳብ ጁንታ) ክበሃሉ ሃብታማት፡
ኣብ ቅልውላው ዝነብሩ ወትሩ ሕዙናት፡
ምፍላዩ ሲኢኖም ሓጋይ ካብ ክራማት፡
ከምስሉ ይምሕሉ ይጥሕሉ ጠላማት።

ምህርቲ ፋብሪክኦም ዘይብሉ እቶት፡
ጥዑይ ቃል ዘይብሎም እንትርፎ ሓሶት፡
እታ ንእሽቶይ ጃንዳ (ወያነ) ምስ ተሎኽሰሰት፡
ዓባይ ጃንዳ (ዋሲንግቶን) ምስ ተረበሸት፡
ሓሞት ሓሱሳት ፈጺማ ፈሰሰት።

ሕጂ ከኣሞ እታ ዓባይ ጃንዳ፡
ኣኼባ ግብጺ ሰሞዓ ሰንቢዳ፡
ፍርሂ ኣትዩዋ ኣንበድቢዳ፡
ኣፍሪቃ ትወጽእ ኣላ ካብ ኢዳ፡
መኽፈሊ ክትስእንያ ናይ ቻይና ዕዳ።

ቅኑዕ ዝዛረብ ዘይፈርሕ፡
ሓቂ ሒዙ ዝመርሕ፡
ኩሉ ግዜ ተዓዋታይ እዩ፡
መንግስቲ ኤርትራ ናይዚ ኣብነትዩ።


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events