Dehai

ዝሃለለ ዕንደራን ዝሃጎገ መሸላን ሓደ'ዩ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 04 August 2023

ዝሃጎገ መሸላን ዝሃለለ ዕንደራን ፍረ የብሎምን ክልቲኡ ሓደ'ዩ።  እቲ እኽሊ ነይርከቦ፡ እት ቁምነገር ነይርከቦ። እኳድኣ ዝሃጎገ መሸላስ ቃንጭኡ ቀለብ ከብቲ ይኸውን።  ደቂ ሃገረይ ኤርትራ ደቂ'ዛ ሓላል ሜረት ሰራሕቲ ቅያ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫላትና ነቶም ካብ ኩኩዕ እዝኒ ወያነ ቅብኣ ተቐቢኦም ዕነ ሓሸማ ዝሽትቱ ጥጉኣት (ማይ ዝሰኣነ ፍረ) ዝመስሉ በዓልና ከፍሩሱ ዝተኣኻኸቡ ቆረዲት፡ ብወገነይ ከሳብ ክንደይ ሓያላትን ጥርኑፋትን ካብ ዝሓሰብናዮ ዓላማ ነቕ ከምዘይንብል ንሶም ጥራሕ ዘይኮኑ ህዝቢ ዓለም ግርም ጌሩ ከም ዝፈልጠና፡ ንሶም ከኣ ሃካያት ጸረ ስራሕን ቁምነገር ኣልቦ ምዃኖም ዘላለዩሉ ወፍሪዮም ጌሮም። ፈስቲቫል ስዊደን ግርም ጌሩ ጸፊዑዎም ኣሎ። እቲ ዓወት ኩሉ ግዜ ምሳናዩ ክንብል ከሎና ንስለ ምባል ኣይኮናን ንብሎ።  እንውጥኖ ውጥን ከምዘዔውት ጌርና ስለ ነዳልዎ'ዩ።
ሙሉእ ዓወት ንኹሉም ፈስቲቫላትና ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ።
ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና፡
ዓወት ንሓፋሽ።


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events