Dehai

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ናትና 2016 ዓመተ ምሕረት ግእዝን በዓል ቅዱስ ዮውሃንስን!!!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 12 September 2023

ኽቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ጎረቤትና መሓዙት ኢትጵያውያንን፣ ኣብ ውሽጢ ሃገራትናን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኩርንዓት ዓለምን ኣብ ስደት ትቕመጡ ዘሎኹምን ናብራኹም ትደፍኡ |ትመርሑ| ትፍትኑንን፣ ብተዛማዲ ደሓን ዲኹም?
በሉ ኣኣብ ዘለኹሞ ኣብ ኣካላትኩምን ሕዋሳትኩምን ደቀቕቲ ዋህዮታትኩምን ምሉእን ተዛማዲን ጥዕና ንኽህልወኩምን፣ ኣብ ዕለታዊ ናብራኹምን ሓዳርኩምን ብተዛማዲ ሕጉሳት፣ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትኩም [ዝተፈላለየ ስራሓት ትምህርቲ ንግዲ ኮታ ንኽትነብር እትገብሮ ምንቅስቓሳትን] ዕጉባትን ዕዉታትን፣ ምስ ቤተ-ሰብኩምን ኣዕርኽትኹምን/መሓዝትኹምን/ሳንዳያትኩምን ጎረባብትኹምን መነባብርትኹምን ደቂ ሃገርኩምን ብፍላይ፣ ኣብ ስራሕ ኮነ ኣብ ትምህርቲ ትራኸቡዎምን ትዋስእዎምን ደቂ'ዛ ናይ ብሓቂ "ገነት" ዝኾነት ዓለም ብፍቕርን ምክብባርን ብርግኣትን ኣብ'ዛ ሓጻር ዕድመ ብሓባርን ምርድዳእን ንኽትነብሩ እናተመነኹ፣ ንዓመታ ብሓባር የብጽንሓና ይብል ሓላላተይን ሓለዋተይን!!!
ኹሉ ጸጽብቑን ጠጥዕሙን ንዓኻትኩም ኽቡራተይ!
እንደገና ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በዓል ቅዱስ ዮውሃንስን!
ብሩኽ መዓልቲ
ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
•=> "ሰናይ ዘመን"
ብስነ-ጥበባዊትን ድምጻዊትን ሓርበኛ ኣብረሀት ኣንከረ [ጓል ኣንከረ]
[Ella Records]
~~~~~~~~~~~~~~
ብዙሓት ኤርትራውያን ነቲ በላሕትን ለባማትን ተባዓትን ኽቡራት ጥንታውያን ኣቦታትና ዝተለምዎን ዝመሃዝዎን ዝፈጠሩዎን መሰረት ቛንቛታትና ግእዝን ኣገባብ ኣቛጻጽራ ዘመንን ዘይናትና ቘጺሮም ናይ ባዕዳውያን ኾባጁ ዓመተ-ምሕረት ናትና ኢሎም ዝሓስቡን ዝረዓሙን ኣለዉ። እቲ ታሪኻውን ሓቀኛን ናትና ጠንጢና'ውን ናይ ጓኖት ኣቘጻጽራ ንጥቀመሉ ኣለና።
እዚ ብመሰረቱ ጌጋ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ግን፣ ኣብ'ቲ ኽቡራትን በላሕትን ጥንታውያን ቀሚሮም ዘውረሱና ናይ ኣሽሓት ዓመታት ንጥቀመሉ ዝነበርና ታሪኻውን መሰረታዊን ኣገባብ ኣቘጻጽራ ዓውደ-ኣዋርሕ ዘመንተመሊስና ክንጥቀመሉን ዳግም ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ጽኑዕ እምነተይ እዩ!
~~~~~~~~~~~~~~~~
•=> ዘይተፋሕረን ዘይተበርበረን ቅርስታትን ዘኹርዕን ዘሕብንን ኤርትራዊ ጥንታውን ዘመናውን ታሪኽ ኣሎና!
"ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትናኣ ትናፍቕ!"
•>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>√√√
ታሪኽ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 130 ዓመታት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንድሕሪት ተመሊስና ነቲ ጭቡጥ ክዋኖ ፍሒርና ምስ ነውጽኦን ንትንትኖን ነጽንዖን ንመሃሮን፣ ኣብቲ ናይ ዞባና ታሪኻዊ ጉዕዞን መስርሓት ወሳንን ጸላውን ብስነ ምግባርን ሕግን ኣገባብ ሓባራዊ ኣነባብራን ምክብባርን ምትሕብባርን ኣንጻር ባዕዳውያን ሓይልታት ቀጻሊ ሓቢርካ ርእሰ-ምክልኻልን ብፍላይ፣ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያን ሃገር ምዃናን ምዕብልናኣን ቀጻልነታን ዓወታን ድማ ብሓፈሻ፣ ኣዝዩ ዓቢ ተራ ዝነበሮን ስጋብ ሕጂ'ውን ኣብ ዘመንና ዝቕጽል ዘሎ ስምብራት ዝገድፍን ዘገርም ዲንቂ ታሪኻዊ ፍጻመታት እዩ!!!......ምንባንብ ቀጽል
•=> "ማሕበር ኣንድነት ቲግራይ ቫክሲነን ኤርትራዊነት"

WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events