Dehai

ሰነፍ ኣብ ክንዲ ነብሱ ንኻላ የማርር።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Saturday, 20 January 2024

ሰነፍ ተማሃራይ ኣብ ፈተና ምስ ወደቕ ኣብ ክንዲ ስንፍንኡ ፈሊጡ ዝእረም ንመምህሩ የማርር። መምህር ክምህር ከሎስ ነቶም ተማሃርኡ ብሓንሳብዩ ዝምህሮም።  ሕማቓት ሰባት ከኣ ነቲ ሂወቱ ወፍዩ ዝተቓለሰን ዝቃለስ ዘሎን፡ ንህዝቡ ፖሎቲካ ሚሂሩ፡ ምጥፋእ ድንቁርና ከም ዝጠፍእ ዝገበረ፡ ክንክን ጥዕና ዘምሃረ፡ ነብስኻ ምኽኣል ኣብ ሕብረተብ ዘስረጸ፡ ኣብ ኣጻምእ ማይ ዘፈልፈለ፡ መኸተን ትብዓትን ጽንዓትን ዝመሃረ፡ኤርትራ፡ኤርትራ ክትከውን ዝገበረ፡ ከምቲ ሰነፍ ተማሃራይ ድኽመቱ ንመምህሩ ከሰክም ዝፍትን፡ እዞም ፍጮ ሃገር ዝኾኑ ከኣ ሕመቖም ኣብ መንግስቲ ከጸግዑ፡ በዲሉና፡  ጨቊኑና፡  ኣብ ስደት ተዋሪድና፡ መሰልና ገፊፉና፡ ወዘተ ክብሉ ይስምዑ።  መንግስቲ ኤርትራ ድኣ "ስጋ እንተወደቐት ሓመድ ሒዛ ትትስእ ኮይኑዎ" በደሎም ብዘየገድስ ተማሃሩ ሰሪሕኩም ገንዘብ ሒስኩም ኣብ ዝጠዓመኩም ግዜ ዓድኹም ምእታው ዝኸልኣኩም የለን እተዉ ኢሉ እንድዩ።  ሕጂውን ዝተቐየረ የለን ዓዱ ክኣቱ ዝደሊ መርሓባ'ዩ ዘሎ።


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events