Dehai

ምርቓን መርገም

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Saturday, 20 January 2024

ናይ ገለ ሰባት ኣተሓሳስባ ግርም ይብለኒ። ነቲ ኣብ ነዊሕ ቃልሲ ዝተመዝገበ ኣደናቒ ዓወታት ኣብ ክንዲ ምርኣይን ምምስጋንን፡ ነቲ ጸገማት ጥራሕ ብምጥማት እንታይ "መርገም" ኔሩና ይብሉ። ብወገነይ እንታይ ዘለ "ምርቓ" ኔሩና ብሃላይ'የ። ምኽንያቱ መግዛእቲ ተሳዒሩ፡ ሃገር ወኒና፡ መንነትና ተኸቢሩ፡ ባህልና ተሓፊሩ፡ ህዝብና ተማሂሩ፡ ወነንቲ ጸጋታትና ኮይና፡ ሰላም ሰፊኑ፡ መቐረት ሓርነት ጎሲዕና፡ ወዘተ እዝስ ምርቓዶ ኣይኮነን። ኣብ ጎረባብትና ዘለዉ ኣህዛም "መርገም" ኔሩና እንተበሉ ኣየገርምን። ነጻነት ባንደራ ድኣንበር ነጻነት ብሰላም ናይ ምንባር ስለ ዘይብሎም። ስለዚ እቶም ተማርሩ ኣርሒቕኩምን ኣስፊሕኩምን ሕሰቡ። ብሓሳብን ተግባርን ኣብ ሃገር ትሓቶ ጠለባት ተሳተፉ። መርገም ማለት ጉዳይ ሃገር ከም ዘይናትካ ጌርካ ኣማዕዲኻ ምስ ተማርር'ዩ።


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events