Dehai

ሓድነት ዘይብሉ ህዝቢ መፍቶ ጸላእቱ ይኸውን።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Sunday, 21 January 2024

ኤርትራውያን ልዕሊ ኩሉ ንመርጻ ምርጫ ሓድነትና እያ።  ምኽንያቱ ብዘይ ሓድነት ዝርከብ ሃብቲ፡ ቅሳነት፡ ሰላም፡ ፍቕሪ፡ ክብረት ነጻነት ስለ ዘየለ።  ሓድነት ዘለዎ ህዝቢ ቁጽሩ ብዘየገድስ ዕዉት፡ ሕፉር፡ ክቡር እዩ። ብታሪኸን ይኹን ጥንትዊ ስልጣኒኤን ኣዝየን ዝኽበራን ዝፍለጣን ዝነበራ ሃገራት ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ ህዝበን ሓድነት ዘይምህላወን፡ ህዝበን ተበሳቢሱ፡ ተቐቲሉ፡ ዓድታተን በሪሱ፡ ቁጠብኤን ተረሚሱ ይርከባ።  ገለ ምስ ጸላእቲ፡ ገለ ጸረ ጸላእቲ ኮይኑም ነንሕድሕዶም ክተሃናኾቱ ንርኢ እሎና።  ጸላእትና ነንሕድሕድና ክንቀታተል ዘይፈተኑዎ ሜላታት ኣይነበረን ሕጂውን ኣሎ። ከምተን ዘዕነውወን ዘይዓኖና ግን ሓድነት ቀዳማይ ምርጫና ጌርና ስለ ዝጸናዕና፡ ሓቂ ሒዝና ስለ ዝመከትና፡ ብግዚታዊ ረብሓ ስለ ዘይተታለልና፡ ፈቓቕ ዘይብሉ መንደቕ ሓድነት ሳላ ዝሓነጽና ኢና። ደቅና ቅስንትን ብልጽግትን ሃገር ንኽርከቡ ናይዞም ሎሚ ዘሎና ወልውዲ ሓላፍነት፡ዩ። ስለዚ ደቕና ሃገራዊ ፍቕሪ ድኣንበር ኣውራጃዊ ኣንነት ከነውርሶም ኣይግባእን።  

ነባሪ ዝኽሪ ነቶም
ከምሽምዓ መኺኾም
ብርሃን ዝዓደሉና ሰማእታት
ዓወት ንሓፋሽ
ገ/መስመር


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events