Event

ክልተ ቕነ ኣብ ድፍዓትን ዝኽርታት ተዋስኦታት ሓጸርቲ ዛንታታት ብደራሳይ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ተደርሰት ብቛንቋ ጀርመን ተቶርጊማ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሃገረ ጀርመን ተዘርጊሓ ኣላ !!!

ክልተ ቕነ ኣብ ድፍዓትን ዝኽርታት ተዋስኦታት ሓጸርቲ ዛንታታት !!!ብደራሳይ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ተደርሰት ብቛንቋ ጀርመን ተቶርጊማ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሃገረ ጀርመን ተዘርጊሓ ኣላ !!! ******************************* እዛ መጽሓፍ ብ1985 ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንከተማ ባረንቱ ተቆጻጺርዋ ኣብ ዝነበረ እዋን ጸላኢ ነታ ከተማ ክመልሳ ኣዝዩ ጽዑቕን ተደጋጋሚን መጥቃዕትታት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ደራሲ ካብቲ ተመዲብሉ ዝነበረ ደጀን ክፍልታት (ኣብ ቤት ጽሕፈት ምምዳብ) ነቲ ዝተፍጥረ ናይ ድፋዕ (መካላከሊ ዕርዲ) ሃጓፍ ንምምላእ፣ ኣብ ሓንቲ ኣጋር ሓይሊታት ተመዲቡ። ኣብቲ ዝነበረ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ኵናት ውግእ ግንባር ናቕፋ፣ ኣብ ዝተሳተፈሉ እዋን ሓንቲ ልቢ ስውእ ተጋዳላይ ካብቲ ኣካላት ስውእ ተመጅሪጋ ኣብ ሓደ ከውሒ ወዲቃ ምስራእያ ብዘሕደረትሉ ትዕዝብቲ፣ ዝጽሓፋ ታሪኽ ሓዘል እያ። ከምኡ እዉን ንማሕበራዊ ናብራ ሕብረተሰብና ዝትርኹ ሓጸርቲ ዝኽሪ ንእስነትን እታ ሕብብቲ ተዋስኦ "እቲ ካልእ ኩናት" ዝሓቕፈት መጽሓፍ እያ። ******************************* እዛ መጽሓፍ መጀምሪያ ብቛንቋ እንግሊዝ ተቶርጊማ ብኣንበብቲ ስለ ዝተፈትወት ፥ ኣድላይነታ ተራእዩ እብዚ ኣገዳሲ ታሪኽ`ዚ ሓድሽ ወለዶ እውን ኣፍልጥኡ ከዓቢን ናብ ሓድሽ ወለዶ ክሰጋገር፡ ጀርመናውያን እንተኾነ በቲ ዘሕብን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኣፍልጦም ክሰፍሕን ምእንቲ ኣብ ቋንቋ ጀርመን ብምትርጓም ናብ ህዝቢ ከም ትቐርብ ኮይና ኣላ። መንእሰያት ደቅና ኣፍልጦ ሃገሮም ከስፍሑ ምእንቲ በቲ ዝርድእዎን ዝመልክዎን ቋንቋ ከንብቡ ከነተባብዕ ድማ ናይ ነውስወከፍና ሓላፍነት ይኸውን። ******************************* እዛ መጽሓፍ ንምትርጓምን ምሕታምን ብዙሕ ስራሕን ዋጋን እኳ እንተኸፍለላ ፡ ብዓቕሚ ህዝብና ተገሚቱ ብዝሓሰረ ዋጋ ብ15.00€ ኣብ ምስዝጋሕ ትርከብ። እዛ መጽሓፍ ካብ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ፍራንፈርትን ፥ ወይ ድማ ብመገዲ ናይ ከተማታና ውዳቤታት ክእትእዘዝ ከም ዝከኣል ንሕብር። በቲ ክቡር ኤርትራዊ ባህልና ድማ ሃየ ንደራስን ኣተርጎምትን ነተባብዕ ! ዓወት ንሓፋሽ


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events