World News

''ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት "ኣየ ምጽዋዕ"‘ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 1ይ ስጋብ 4ይ ክፋላት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 21 May 2017

‚ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት "ኣየ ምጽዋዕ"‘

ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ!  1 ስጋብ 4ይ ክፋላት

ግምቦት ዕለት 20, 2017 ዓም ፈረንጂ

Bild könnte enthalten: 2 Personen, Text

https://i.ytimg.com/vi/__J7R8SG7i0/mqdefault.jpg

ትርጉም ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ድምጻዊ ጊደዎን በራኺ

ጸሓፋይን ተሓታታይን ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ ታሪኽ፡ ሓለቃ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ

.........ኣፍልብኻ ዘንፍሕ ዘኹርዕ ሓቀኛ ኤርትራዊ ታሪኽ እዩ`  ከይሓልፈኩም ሸለል ከይበልኩም ኣንብብዎን ተኸታተልዎን!

‘’ኤርትራ ህያብ ሰማእታትና ኢያ ’’ ትብል ፍልስፍና ዝተሓወሳ ጭርሖ ኤርትራዉያን ሎሚ ኣብዞም ሓደሸቲ ወለዶ ኤርትራውያን ተራ ጭርሖ ኮይና ዘላ ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ ዘሎ። ምክንያት ናይዚ ድማ ብትዕዝብተይ እቶም ሰራሕቲ ቅያ ጀጋኑ ዓበይቲ መራሕትን ተራ ተጋደልትን ነቲ ዝወዓልዎ ዉዕሎን መሪር ሂወት ገድልን፡ ምስጢር ዓወቶምን ታሪኽ ወሳኒ ግደ ዝነበሮም ዉልቀ-ሰባት ኣብቲ እዋን ቃል) ስጋብ ለይቲ ሎሚ እዉን እንተ ኮነ ከዘንትዉ ፍቃደኛታት ስለ ዘይኮኑ ኢዮም። ኣብዚ ግዜ ታሪክ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዘዘርከበ ዘዘንትዎ ዳርጋ ኣፈ-ታሪኽ ንጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓ ዘገልግል መሳርሒ ጽውጽዋይድሙ ተዓንቂፋ ኣንጭዋ ሞይታዝዓይነቱ' ኮይኑ ዘሎ እዚ ናተይ ብሕታዊ ርእይቶ ኢዩ ።ተጋግየ እንተ ኮይነ ከኣ ጌጋይ ማርያም ትኽልኣለይ።

ኣነ ግን ‘’ስርሒት ፈንቅል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ ’’ ናተይ ኣርእስቲ ኣሰይመ ካብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ተርጉመ እቲ ሓደ ወታሃደር ደርጊ ካብ መጀመርያ ስጋብ መጨረሻ ግዜ ኣብ ኩናትስርሒት ፈንቅልዝወዓለን ዝሓደረን ዝቀነየን ምስክርነቱ ክህብ ዝጸሓፋ ሓቀኛ ዛንታ ኩናት ባጽዕ ኢሉ ዝሰየማ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ።

እቲ ጅግንነትን ተወፋይነትን መስዋእትነትን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፡ እቲ ልዑል ምሕደራን ዉህደትን ጽፈትን ብልሕን መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ተብርህ ከም ጥዋፍ ተብርህ መጽሓፍ ኮይና ስለ ዝረከብክዋ።

ነዞም ሓደሽቲ ወለዶታት ኣብ ግዜ ነጻነት ዝተመሃሩ ኣምሓርኛ ዘይፈልጡ ብቋንቁኦም ብምስክርነት ጸላኢ (ወታሃደር ናይ ስርዓት ደርጊ መንግስቲ ኢትዮጵያ) ዝተዘንተወ ዛንታ ኣያታቶምን ኣሓታቶምን ኣቦታቶምን ንክፈልጡ። ንቶም ኣጓብዝ ነበር ኣብ ግዜ ደርጊ ድማ ብዝተፈላለየ መክንያት እዛ መጽሓፍ ረኪቦም ከንብብዋ ዘይከኣሉ ግን ከኣ ቋንቋ ኣምሓርኛ ዝመልኩ ዕድል ናይ ምንባብ ክህብ ኢለ ምስ ሃቀንኩ። ኣእምሮይ ነቲ ሓደ መጽሓፍ ሙሉእ ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ሓደ ቋንቋ ክትርጉሞ ዘሎ ሃልክን ናይ ግዜ ሕቶን ደሚሩን ኣጉዲሉን ብፉጹም ኣይከዉንን ኢዩ ኢሉኒ ኔሩ። እንተ ኮነ ግን ሕልናይ መንፈስ ሰማእታትና ስለ ዝተቋደሰ ምእንቲ ሓፋሽ ህዝቢ ክነቅሕ ከተቃልሖ እትስዉኦ ግዜ ካብ ሰማይ ዝወረደ ‘’ማናግዜ’’ ኢዩ ኢሉ ስለ ዝሞጎቶ።ሕልናይ ስዒሩ ኣአምሮይ ሪዒሙ መስርሕ ምትርጓም ካብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ብፍስሃ ተቀቢሉ። ኣሃዱ ኢሉ ጀሚርዎ ኣሎ ።ሰናይ ንባብ። ሓደራ ዝብለኩም ግን ንኩላትኩም ኤርትራውያን የሕዋት ታሪኽ ኣንቢብኩም ጥራይ ስቕ ኣይትበሉ share ግበርዎ ታሪኽና ብናይ ኩላትና ጻዕሪ' ዝዕቀብን ናብ ውሉድ ወሎዶ ዝሰጋገርን፡፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና።
ሃገረ ኤርትራ ተሓፊራን ተከቢራን ትንበር።
ዓወት ንሓፋሽ።

፠፠፠፠፠፠፠

Image result for photo of telie salvanohttps://scontent-fra3-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-9/fr/cp0/e15/q65/13335766_1052725741501871_4370204538070871219_n.jpg?oh=cb06988f8894d754230a6219219bff0b&oe=5974F70A

ስእሊታት ደራሲ`ዛ  መጽሓፍ ውትሃደር ሓለቓ ሓምሳ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖን (ጸጋማይ ስእሊ) ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን (የማናይ ስእሊ) ………………….

  • *** ‘‘ኤርትራን ከኢትዮጵያ የነጠለ ጦርነት፣ ኣይ ምጽዋ‘‘ ብትግርኛ ድማ “ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈለየ ኲናት፣ ኣየ ምጽዋዕ‘‘ ዝተባህለት መጽሓፍ ደራሲኣ ሓለቓ ሓምሳ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ ይበሃል። እዚ ናይ ቀደም ኣባል ደርጋዊ ኢትዮጵያዊ ወትሃደር ነበር፣ ብጀጋኑ ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ)‘‘ስርሒት ፈንቕል‘‘ ዝብል ስም ኣንጻር ባዕዳዊን መግዛእታዊን ወራሪ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝተኻየደ  ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ፣ ክጅመር ኣትሒዙ ስጋብ ብዓወት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዝዛዘም፣ ካብቲ ውግእ ዝተረፉ ንሱ ደሚርካ ኣሽሓት ምሩኻትን ዝኾኑሉ ዝነበረ ኩነታት ብናቱ ትዕዝብቲ ኣብዛ ዝተጠቕሰት መጽሓፍ ሰኒዱዎ ኣሎ። እዛ ጽዋ (ዛንታ) መጽሓፍ እዚ‘`ኣ ኣብ ክሊ ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን ኣብ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ውትሃደራቶምን ዝነበረ ናይ ኲናት ሃዋህውን ሕንፍሽፍሽን ብፍላይ ከምኡውን ብወገን ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ህ.ሰ.ሓ.ኤ) ኣብ ብጽኑዕ ተሃዲሙ ዝነበረ ወትሃደራዊ ዕርድታት ጸላኢ ዝካየድ ዝነበረ ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ ድማ ብሓፈሻ፣ ብዝርዝር ገሊጹዎ ኣሎ።

 ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማ (የማናይ ስእሊ ኣብ ላዕሊ ተመልከት)፣ እቲ ንሰላማዊ ህዝቢ ባጽዕ ጅሆ ሒዙ ኣብ ሞንጉኦም ተሓቢኡ ስጋብ መጨረሽታ ዝተዋግኣን ጠንቂ ዘየድሊ መስዋእትን ህልቀት ህዝብን ወትሃደራትን ዕንወት ወደባዊት ባጽዕ ዝኾነን ኣብ መወዳእታ ድማ ብኻላሽኑ ነብሰ-ቅትለት ዝፈጸመን ኣረሜናዊ ሰብ እዩ። በወገን ኢትዮጵያውያን ከም ባህላዊ ርድኢቶም ከም ሃጸይ ተዎድሮስ (ናይ ቀደም ስሙ ራስ ካሳ) ጀግና ኢሎም ይሰምይዎ እዮም። ብወገነይ ክምኡ`ውን ብዓለማውን ብሰብኣዊን ትዕዝብቲ ግን፣ ለባማት ኣቦታትና ከምኡ ምስ ረኣዩ ``ኣድግሲ መሬት ብድሕረይ ዳንዴር ኣትብቘላ በለት‘‘ ክብሉ ዝመሰሉዎ፣ ሰብኣዊ ርሕራሔ ዘይብሉ ጨካን ሰብ ኢለ ይገልጾ። በቲ ሓደ ወገን ብወትሃደራዊ ዓይኒ፣ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዘይነበሮ ቃልዕ ይኹን በረኻ ጎበታትን ከምኡ‘ውን ጎላጉል ኣንጻር ጸላኢኡ እናተዋግኤን ከም ሓላፊ እናዋግኤን ምስ ዘይሰልጦ ማለት ኣብ ኢድ ተጻይ ናይ ምምራኽ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ከምኡ እንተዝገብር ኔሩ፣ ኣነ‘ውን ብዘይቀልዓለም ካበየናይ ወገን ብዘየገድስ ጅግና ምበልኩዎ ኔረ። ከም ኡ ግን ኣይነበረን።

ሓይሎይ ክፋላት ካብ ገጽ-መጽሓፍ ክዓቑሮ ቀንየ እየ። ኣብ‘ዚ ብዙሕ ኽቡር  መስዋእትን መውጋእትን ዝተኸፍለሉ ከቢድ ሰብኣውን ስነ-ኣእምሮኣውን ነገራውን ዕንወት ዝተኸሰተሉን ብድምር ናቱ ድማ መበል 26 ዓመታት ክቡር ነጻነትና ከነኽብሮ እንዳለወሉ ዘሎና ሃዋህሕው፣ ንመዛኸካሪ ብድምር ክፋላት መዓልታዊ ካብ`ቲ ዓቚረዮ ዘሎኹ ጽሑፋት ንኸተምብብዎ ምእንታን ካብ ሎሚ ክሰደሉም እየ።። ሰናይ ንባብ!!!

ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና፠፠፠፠፠፠፠፠፠ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና!!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና፣ ክብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊ ኲናት ስንኩላን ብጾትና!!!

ሞሳን ክብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

ዓወት ን‘ሓፋሽ!!!

***ሓውኹም ብርሃነ ሃብተማርያም

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

  • ቀዳማይ ክፋል

ሻድሻይ ነበልባል ክፍለ ሰራዊት ደርጊ(ኣብዮታዊት ኢትዮጵያ) ኣብ 1978 .. ብኮሎኔል ናይ ሽዑ እዋን ዳሕራይ ብርጋዴር ጀኔራል ዝኮነ ‘’ታሪኩ ዓይኔ’’ ማእከልነት ኣብ ከተማ መቀለ ክፍለ ሃገር ትግራይ፥ ኣብ ‘’ኩሃ ‘’ ትባሃል ዓዲ ኢዩ ተተኺሉ(ተመስሪቱ) ኣብቲ ግዜ 19ኛ፥20ኛ፥21ኛ፥22ኛ፥ ነበልባል ብርጌዳት ኣብ ዉሽጡ ጠርኒፉ ኢዩ ኔሩ ተመስሪቱ። ካብ 1979 ዓም ንደሓር ኣብ ዘሎ ግዜ ግን በጀካ 21 ብርጌድ ገዲፍካ ካልኦት ብርጌዳት ተቀኒሶም መተካእታኦም ከኣ 112 83 ብርጌዳት ተመዲብሉ፡ ቀዋሚ ቦትኡ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ጌሩ ቀይሕ ባሕርን፥ ኩለን ከተማታትን ዓድታትን ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ኣጠቃሊሉ ብሓላፍነት ዝሕሉ ክፍለ ሰራዊት ኮይኑ።

ኣብ 1990 ዓም ፈረንጂ ግን እቲ ክፍለ ሰራዊት ማእከላይ መሪሕነቱን ሰለስተ ኣጋር ብርጌዳትቱን ሒዙ ካብ ባጽዕ 86 ኪሎ ሜትር ሪሒቃ ኣብ ኣትርከብሽዕብ’ (ሰለሞና) ኣብ ትባሃል ዓዲ ሰፈረ። ሻዕብያ ድማ ካብኣፍዓበትሓሙሽተ ኣጋር ብርጌድን ክልተ ሜካናይዝድ ብርጌድን፥ ሓደ ናይ ኮማንዶ ብርጌድን ኣሰሊፉ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ዕለት ሰላሳ 1990 ዓም ፈረንጂ ልክዕ ፍርቂ ለይቲ፡ ኣብ ኣብ ሽዕብን ከባቢኣን ዝዓረደ ሰራዊት ደርጊ ብኣጋር-ሰራዊትን ብከበድቲ መሳርያታትን ተሰኒዩ መጥቃዕታዊ ኪናት ከፈተ።...........................

  • ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ ኢኻትኩም።
ሰናይ ንባብ!
 
ብርሃነ ሃብተማርያም

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events