World News

ድምጺ ኣመሪካ / ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማሊያን ካልኦት ከባቢታትን ዘጋጠሙ ግጭታት ከምዘተሓሳሰቦም ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊጾም

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 22 November 2017


ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማሊያን ካልኦት ከባቢታትን ዘጋጠሙ ግጭታት ከምዘተሓሳሰቦም ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊጾም


ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክል ሬይነር

ሕዳር 22, 2017 እስክንድር ፍሬው   ገብረ ገብረመድህን

ኣዲስ አበባ — ኣብ ወሰና ወሰን ክልላት ኦሮሚያን ሶማሊያን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ዕግርግራትን ህውከትን ከምዘተሓሳሰቦም ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክል ሬይነር ገሊፆም።
ንሶም ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ይዘራረቡ ከምዘለው ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕጊ ፀረ ግብረሽበራ ይጥቀመሉ ዘሎ ኣገባብ ናሜሪካ ከምዝተሓሳሰባን ሓሳቦም ብሰላማዊ መንገዲ ስለዝገለፁ ብዛዕባ ዝተኣሰሩ ሰባት ክርአ ከምዘለዎን ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክል ሬይነር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስራሕ ካብ ዝጅመሩ ኣብ ዝሃብዎ ፈላማይ ቃለ መጠይቅ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መልሲ ሂቦም።
ቅድም ክብል ኣብ ዶብ ክልላት ሶማሊያን ኦሮሚያን ዝጀመሩን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተፈጥሩ ግጭትታት የተሓሳስቡና እዮም ኢሎም።ኣብ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ኣፀገምቲ እዋናት ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር እዚ ናይ ሕዚ እዋን ካብቶም ኣፀገምቲ እዋናት ሓደ ምዃኑ ይሰማማዕ እየ ኢሎም።
“ብፍላይ ድማ ኣብ ወሰና ወሰን ክልላት ኦሮሚያን ሶማሊያን ዘጋጠሙ ዘይምርግጋኣትን ዕግርግርን፣ኣብቶም ዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ሰሙናት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተኸሰቱ ግጭታት የተሓሳስቡና እዮም።ፖለቲካዊ እምነት ብሰላማዊ መንገዲ ምግላፅ ኣዚና ኢና ንድግፎ።ሰላማዊ ዝኾኑ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ምክያድን መንግስቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየዱ ናይ ምፍቃድ ኩነታት እውን ይሓውስ እዩ።ክልቲኦም ወገናት እዚ ንክገብሩ ምትብባዕና ክቕፅል እዩ እዮም።”
ኣምባሳደር ረይነር ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራርብሉ ከምዘለውን ከምዝቕጽልሉን ገሊፆም ኣለው ።
ኣብ ወፍሪ ፀረ ግብረ ሽበራ መሻርኽቲ ኣሜሪካ ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕጊ ፀረ ግብረሽብራ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ብዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን መራሕቲ ፖለቲካን ነቐፌታ ክቐርቦ ፀኒሑ እዩ።
እቲ ሕጊ ንመዐፈኒ ተቓውሞን ነፃ ሓሳብን ይጥቀመሉ ኣሎ ይብሉ።ኣምባሳደር ማይክል ረይነር እውን ነዚ ሓሳብ ኣንፀባሪቖም ኣለው።
“ንሕና እውን ናይዞም ሓሳባት ተኻፈልቲ ኢና።ቓልሲ ፀረ ግብረሽብራን ነዚ ቓልሲ ዝሕግዝ ሕጊ ግቡእ ተራ ከምዘለዎም ይርኣየና።ብተመሳሳሊ ድማ ኣብ መንጎ ግብረሽበራን ፖለቲካዊ ቓልስን ወይም ፖለቲካዊ ሓሳብ ምግላፅ ፍልልይ ምግባር ኣዚዩ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ።ብሰላማውን ሃናፅን ኣገባብ ሓሳቦም ዝገልፁ ሰባት ኣሸበርቲ ዘይምዃኖም ይርኣየና።ስለዝኾነ ሕጊ ፀረ ግብረሽብራ ንዕኦም ዝምልከት ክኸውን ኣይምተገብአን እዮም።”
ፖለቲካዊ መሰሎም ተጠቒሞም ብሰላም ሓሳቦም ምስ ምግላፆም ተኣሳሲሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰባት ጉዳዮም ብዝግባእ ምርኣይ ኣድላዩ እዩ፤መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ንፀረ-ግብረሽብራ ሕጉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ንምድራት ዝዓለመ ዝመስል ክምርምሮ ብወግዓውን ውልቃዊን ርክባትና ነተባብዖም ኢና ኢሎም።
ብሰንኪ ቓልሲ ፀረ ግብረሽብራ ሃገራዊ ናይ ፀጥታ ረብሕኣ ንምሕላው እተሰርሕ ኣሜሪካ ንናይ ኢትዮጵያ ንጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዕሽሽ ትብሎ’ላ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።
ኣምባሳደር ረይነር ንምምሕያሽ ዕድል ከጋጥም ከሎ ምስራሕ ከምዘለና ንርዳእ ኢና ኣፈላላያት ክህልው ከለው ድማ እቶም ኣፈላላያት ምንፃርን ናይ ሓባር ዝኾነ ነገር ክንደሊ ይግባእ ነገር ግን ኣብ ሓደ ጉዳይ ዘይምስምማዕ ማለት ኣብ ካልእ ጉዳይ ምምሕያሻት ንክመፅእ ኣይንሰርሕን ማለት ኣይኮነን ኢሎም።
ኣብ መንጎ ተቓወምትን ገዛኢ ፓርትን ይካየድ ዘሎ ልዝብ ዝቐፀለ ክኸውን ከሎ ናይ ተቓወምቲ ምትእኽኻብ ዝኾነ መድረኽን ሰማያዊ ፓርትን ኣብቲ ድርድር ኣይሳተፉን ዘለው።እቲ ድርድር ሰናይ እዩ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር ግን ብዝበለፀ ኣሳታፊ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።ኢትዮጵያዊያን እዚ እዋን ከም ፅቡቕ ዕድል ክጥቀምሉ ኣለዎም ኢሎም።
“ብዙሓት ሰባት ኣፀጋምን ኣጨናቕን እዩ ኢሎም ዝገልፁዎ ከምዚ ናይ ሎሚ እዋን ፅቡቕ ኣጋጣሚ እውን እዩ።ሰባት ካብዚ መስርሕ ክርከብ ዝኽእል ኣወንታዊ ነገር ምስ ምድላው እንተድኣ ሪእዮምዎ ፖለቲካዊ ሃውህው ዝሰፍሐሉ መንገድታት ኣብ ምንዳይን ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ብሰላማዊ መንገዲ ምግላፅ ግብራዊ ዝኾነሉ መንገድታት ንምርኣይ እውን የኽእል እዩ።እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ብዝበለፀ ሓይላ ንኽትወፅእ ዓብዪ ኣጋጣሚ እዩ እዮም።”
ኣብቲ ቃለ ምልልስ ኣብ ምትሕብባራት ቁጠባን ልምዓትን ኣብ ሰብኣዊ ረድኤትን ካልኦት ጉዳያትን ተላዒሎም ኣለው።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events