ፍቕሪ ሰባት ሪሒቑ፡ ፍቕሪ እንስሳታት ደሚቑ ክትርኢ ብጣዕሚ ዘገርም'ዩ። እንታይ ኮይኖም'ዮም እዞም ኣብ ሚድያታት ቀሪቦም ነንሕድሕዶም ዝመናጨቱ? ስለምንታይ ብሃገርን ህዝብን ዝሽቅጡ? ልቢ ግበሩ ካብዞም ዕዋል (ውላድ ድሙ) ደማሙ ተማሃሩ። ወይ ተፋቒርኩም ብሓደ ስርሑ፡ ወይ ሕደጉ ህዝቢ ኣይትመቓቕሉ። ግደፉ ህዝቢ ናብ ህንጸት ሃገሩ ክንዲ ከቶኩር ትሰርሑ፡ ኣውራጃውነት ኮስኲስኩም እሾኽ ኣይትዝርኡ። እዚ ነቶም ንጸይቂ ተዋፊርኩም ድልየት ጸላእትና ከተርውዩ ትስርሑ ዘለኹም ዝምልከት'ዩ። ብፈጣሪኹም፡ ስም መራሕቲ፡ መንግስቲ፡ ሰራዊት፡ ህዝቢ፡ ሃገር፡ ኣይተቋስሉ። ልዕሊ ኩሉ መስዋእቲ ጀጋኑ ዕላል ሚድያታትኩም ኣይትግበሩ። ክንደይ ኣደታትን ኣቦታትን ብሓፈሽኡ ወለዲ ደቆም ዝኸፈሉ ስድራ-ቤታት ትጎድኡ ኣለኹም።