World News

መኸተ ከም ባህልን ክብርን - ሓተታ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 28 October 2026


መኸተ ከም ባህልን ክብሪን
ህዝቢ ኤርትራ፡ ተጻባኢ ባህርይ ዘይብሉ፡ ዘይናቱ ዘይደሊ ጭዋ ህዝቢ’ኳ እንተዀነ፡ ብሰንኪ ዓይኒ ዝስሕብ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣኡን ጸጋታቱን፡ ብዓቢኡ ግን ብዘይምኽኑይን ዘይሕጋውን ሸውሃት ናይ ቀረባን ርሑቕን ገበትቲ፡ ህላወኡ ንምርግጋጽ - ኢዱ ከይሃበ ንዘመናት ኣብ ቀጻሊ መኸተ ክጽመድ ዝተገደደ ህዝቢ’ዩ። ኣብ ታሪኽ ማእከላይ ዘመን ናይ’ዚ ዞባ’ዚ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም’ዚ ሎሚ ንፈልጠን ከይቈማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ ኩርናዓት፡ እንተላይ ካብ ስግር ባሕሪ ብምምጻእ ዝፈታተንዎ ዝነበሩ ወረርቲ እናመከተ፡ ንስለ ሰብኣዊ መሰሉን ክብረቱን ዘካየዶ ናይ “ኣይግዛእን!” “ኣይርገጽን!” ሓርበኛነት፡ ስኑድን ዘሐብንን ታሪኽ’ዩ። 

ኤርትራ ከም ሃገር ድሕሪ ምቛማ’ውን፡ ዝሓለፋ ልዕሊ 100 ዓመታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ - መዋእል ቃልስን መኸተን ኣንጻር ወረርትን መስፋሕፋሕትን’የን ነይረን። ኣብ’ዘን ዓመታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ከከም ዝመጾ በዲሁ ክዕወት ዝኸኣለ ድማ፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ መኸተ ከም ባህልን ክብሪን ስለዘማዕበለን ስለዝረዓመን’ዩ። ፖለቲካዊ፡ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ጸጥታዊ፡ ብቐንዱ ድማ ነብስኻ ናይ ምክልኻል - ኣብ ንቕሓት፡ ሓድነትን ተሳታፍነት መላእ ህዝቢን ዝተመርኰሰ ወተሃደራዊ መኸተ።

መኸተ፡ ካብ ስነ-ልቦና ይብገስ፣ ብእምነት ድማ ይድራዕ። እምነት ከኣ መሰረት ዓወት’ያ። እቲ ትማሊ “ዝመጸ ይምጻእ ወራሪ ኣብ ባርዕ ሰውራ ሓራሪ” ኢሉ፡ ኣብ ባዕሉን ውሽጡን ኣሚኑ ተኣምር ሰሪሑን ዋጋ ከፊሉን ናጽነቱን ልኡላውነቱን - ብዓቢኡ ድማ ሰብኣዊ ክብሩ ዘረጋገጸ ህዝቢ፡ ሎሚ’ውን ነቲ ባህሊ ኣብ ኩሉ መዳያት ይደግሞ ከምዘሎ፡ ኣብ ጉዕዞ 35 ዓመታት ናጽነት ዝተሓልፈ መድረኻት ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዒላማ ዝገበረ፡ ብታህዲድን ፈኸራን ዝተሰነየ ናይ “ጠሓርኩኹም፣ ወሓጥኩኹም” ቅሉዕ ተጻብኦታት ስርዓት ብልጽግና ኣብ ዝተኸስተሉ’ውን እንተዀነ፡ እቲ ባህልን ክብሪን ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ’ዩ ብግብሪ ተመስኪሩ። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ በቲ ምትዅታዃት ከይተረበጹ፡ ግን ከኣ ዕዮ ገዝኦም ከይረስዑ ንኹሉ ብትኩርነት ክከታተሉ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ህዝባዊ መኸተ ድማ ናይ’ዚ መርኣያ’ዩ።

ኣብ’ዚ ሕግን ፍትሕን ብሓይሊ እናተጓዕጸጸ፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣህዛብ ኣብ ሓደጋ ዝወድቀሉ ዘሎ ናይ ባህሊ ዓሳ ዘመን፡ እቲ ንቑሕ፡ ድልውን ኣብ ነብሱ ዝተኣማመንን ጥራይ’ዩ ክሰርር ዝኽእል። ስለዝዀነ፡ ሕጂ’ውን እምነትና፡ ንቕሓትናን ስጡም መኸተናን’ዩ እቲ ዋሕስ።

Permutation Law - ሕጊ ምልውዋጥ Math

Dehai Events