Basic

****ሎም ስባ ዕሕሕ በል***

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Monday, 09 September 2019

****ሎም*ስ ባ ዕሕሕ በል***

ካን ክንዕዘም ፥ታሪኽና እንዳተባሕጀረ
ኩናት ዘይወዓለ ፥ብልሳን እንዳዓንተረ
ካን ዲና እርም ክንብል፥ውዕሎና እንዳበለሉ
ካብ ሰራሕቲ ቅያ ፥ ሰብ ጨጓር መልሓስ ቅሙጥ እንዳልዓሉ 

      እቶም ዕጹፋት ኣብራኽ ፥ብርጭቕ ዘይፍልጹ
ሓየት እምባ ዘይድከሞ ፥ንሶም ክዛረቡ ዝርህጹ
ሽፍትነት እንዳበልዎ ውዕሎኻ፥ሰብ ዒደር መልሓስ
ሃየ ባ ዕሕሕ በል ሎምስ፥ክሳብ መዓስ ደኣ ምዕባስ

       ካን ካብ ዝቐበረ ፥ዘላቐሰ ከርድእ
 እምባ ክጉንጽ ዝመጣጠር፥ኮሚደረ ረጊጹ ዘየንትዕ
ንስኻ ዕረ ክትጭልጥ፥ ከይዓርዓረካ ምረቱ
ኣማዕድዩ ከምዘይጠመተካ፥ እቲ ዝሩግ ሓሞቱ

    እሞ መን ምኳንካ"ባ ንገሮ ፥ታሪኽካ ኣዘንቱ
ነቲ ሽሙ ዝጠፍኦ ፥ዝሓክኽ መንነቱ
ነቲ ወታእ ዝሃውተተ፣ባእባእ ኮልታፍ ኣንደበቱ
ፈጣሪኻ የ ባ በሎ ፥ዝርዕም ታሪኽ እንዳማቱ

      እቶም ሰብ ዘርጊ፥ መሰንተር ወለባ
ኳዕናን ታሪኽካ ፥ ነቲ  በሪኽ እምባ
ጉላ እንዳምሰልዎ ፥ሰብ ትርከ ምርኪ ዘረባ
በዓል ግምጃ ታሪኽ፥ ምኳንካ ንገሮም እባ

     እቲ ረዚን ታሪኽካ፥ ከሎ ብድንግሉ
ኣይወዓልካን ክብሉኻ፥ ሰፍኢ ዘየቐበሉ
ኣይ ምስ ዝተጋደሉ ፥ኣይ ምስ ዘገልገሉ
ሃብሮማይ ዛንታኻ ደኣ ፥መዓስ"ዩ ክዝንተወሉ

     ዕረ እንዳተፈኤ፥ እቲ ዘጋፍ መልሓሱ ክሳብ ዝለምጽ
ነቲ ዓረር ብዓረር ዝተጨናጓዕካዮ፥ ብሕጨጫ ከቃጭጭ
ምስ ሞት ተፋጢጥካ ፣ ዝቐለምካዮ ቀይሕ መዝገብ
ኣይወዓልካን እንዳበለካ ፥እርም ክትብል ዓገብ
ዓገብ

       ኣእዳዉ  ቃታ ዘይጸቕጣ ፥ብርዑ ሓባል ታሪኽ ዝስንድ
ካብ በዓል ጣፍ ብዓል ኣፍ፥ስሩሕ ዛንታ ጸይኑ ጽውጽዋይ ዘማልድ 
ዘይ ባህልኻ ኳ እንተኾነ ፥ ገይረ ውዒለ ክትብል
ሕጂ ስ ዕሕሕ ደኣ በል ፥ኣዘንቱ ስቕ ምባል ይኣክል

       ዕሕሕ በል ክብለካ ፥ጥዑም ምለስ ፋርሰይ
መላሲ ክብረይ ፈጣሪ መሰለይ፥ብሳላኻ ኮይነ ጎይታ ዕድለይ
ሃየ ኣዘንቱ መልሓሶም ኣንክሶም ፥ በለልቲ ውዕሎ
ገንጽሎ እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ፥ ሰታር ከብሕኻ ዝሰተሮ
      
        ዓወት ንሓፋሽ
       ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
            2019

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events