Basic

No Subject

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 26 September 2025

ተሓላላኺ ፖሎቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ መጋበርያ ምዕራባውያን ክሳብ ዝሃለዉ፡ ህዝቢ ናይዚ ዞባ ሰላም ክረክብ ነዊሕ ጉዕዞ ሓያል ቃልስን ንቕሓት የድልዮ።  ሰልፊ ብልጽግና ንረብሓ ኢትዮጵያ ብዝብል ምስምስ ንረብሓ ጎይቶቱ የገልግል ከምዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክግንዘቦ ኣለዎ።  ኢትዮጵያ ዘዝመጸ ስርዓት ብልቓሕ ከምትድብደብ እንተዘይኮይኑ ዕድኡ ዝመልስ ኣይተራእየን። ሕጂውን ብልጽግና ኣብ ክንዲ ሽግር ህዝቡ ክፈትሕ ዝሓስብ፡ ካብትን ካብዝን ንልምዓት ብዝብል ጉልባብ ዝልቅሖ ገንዘብ ኣብ መጥፍኢ ህዝቡ ዝኸውን መሳርያታት ውግእ እናሸመተ፡ ሕመቑ ክሽፍን ባሕሪ ክንውንን ጉቡእናዩ ዓሰብ ወይ ብልዝብ ወይ ብሓይሊ ናትና ክንገብራ ኢና እናበለ ጀነራላቱን ሰራዊቱን ናብ ረመጽ ክእትዎን ይሻባሸብ ኣሎ። ብወግን ኤርትራ ዓቕሊ ከምቀደምና፡ ንዝኾነ ድሉዋት ከም ባህልና ልምዓት እናኣሳላሰልና ንጉዓዝ እሎና። ሽግር ምስ ሓለፈ ዝርስዑዎ ኮይኖም እምበር፡  120,000,000 ህዝቢ ብምህላዎም ኣብ ውግእ ዝዕወቱ ይመስሎን። ኣብቲ ጉዕዞ ንነጻነት ዝነበረ ቃልሲ ብዝሖም ሬሳታቶም ክበዝሕ ገሩምበር ምዓስ ኣወት ኣጓናጺፍዎም። ከምቲ ኮ/መንግስቱ ሃይለማርያም ሰራዊት ኣኪቡ ዝበሎ፡ " የኣረብ ቅጥረኞ (ንሻዕብያ ማለቱዩ) ከኛ ብወሰዱት (ዝማረኽዎ ማለቱዩ) መሳርያ እያሸነፉት ያሉት" ዝበሎ፡ ሕጅውን ንጹሃን ኢትዮጵያውያን ከምቲ ኣብ 30 ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ዝረገፍዎ ክረግፉ ክንርኢ ኣይንደልን። ብልጽግና ዝሻባሸበሉ ዘሎ ውግእ ነደታት ኢትዮጵያ ንጹር መልእኽቲ እዩ። ጸሊም ክዳን ንሓዘን ዝኾነክን ካብ ሕጂ ኣዳሊኽን ጽንሓ ዘስምዕ'ዩ። ስለዚ ብልጽግና ዝምክሓሉ ብዝሒ ሰራዊት ኣብ ኲናት ብዙሓት ሞት ክስዕብ ምኳኑ ክሓስበሉ ኣለዎ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ንጭደራ ፕ/ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሉጓም ክገብረሉ ብትሪ ተቛውምኡ ከርኢ ኣለዎ ቅድሚ ደም ንጹሃት ምፍሳሱ።  ምስቶም ንድሕነት ህዝቢ ኢትዮጵያ  ጸረ ብልጽግና ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ይሰለፍ።


ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events