Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ: ..........#ተቋመርቲዶ ተቋዎምቲ ????

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 04 June 2017

..........#ተቋመርቲዶ_ተቋዎምቲ ????

ወርሒ ሰነ ዕለት 4, 2017 ዓም ፈረንጂ

Image result for photo of Eritrean EPLF flags

ኣየ በዓል ሓዊ ዝበልዖ ሕራር ጨርቂ
ጥርሑ ሳንጣ ዝወደአ ስንቂ
ሞራል ዘይብሎም ወዝላቓት ዕጥቂ
ካባኹም ኣይንጽበን ቁምነገር ሓቂ!


ሰብ ጸበብቲ ሓንጎል ሽክና ርእሲ
ብዶዎም ዝሞቱ ዝሓረረ ፈልሲ
ቅልዉላው ዝሓዞም ቃንዛ ሕማም ሕርሲ
እንተሓተትናኩም'ሲ ትረኽቡ'ዶ መልሲ!


ዕሩባት ሕልና ፈላለይቲ
ምብትታን ዘሐጉሶም ከም ዛርቲ
ፍልጠት ጸላኢኦም ትምህርቲ
ዝበልዑሉ ጻሕሊ ዝሰብሩ ከሓድቲ
ዓሶ ትወድእኩም በብሓንቲ!


ወገነይ ወገንካ ዓሌት ሃይማኖት
ቶንኮል ዝተዓጥቁ መንገዲ ጥፍኣት
ቅንጣብ ዘይትርከቦም ሃገራዉነት
ባርነት ዝመርጹ ካብ ነጻነት

እምበር'ዶ ይርዶኦም እዩ ክብሪ ኤርትራውነት!


ከም ሃመማ ኣብ ጉሓፍ ዝዓስሉ
ዕሱባት ኣኽላባት ብቁራስ እንጀራ ዝታለሉ
ሓተላን ግለትን ጉሻን ክርዳድን ምሩጽ ዘር ኢ ዘይብሉ
ካብትን ናብትን ዝጋላበጡ ኣብ መትከሎም ዘይውዕሉ
ኣርሒቆም ይጥፍ ኡ ኤርትራዊ ኣብ ዘይብሉ

ምስታ ጽሓይ ይዕረቡ በቚሎም ይሕረሩ!


መሲልኩም እምበር ንሕና
መሊስና ደኣ ደመቕና
ጽኑዕ ዓረ ድልዱል ሓድነትና
ኣሕሊፍና ኣይንህብን ክብርታትና
ኣብ ሰማይ ንዓርግ ከም ደበና!


ብኽብሪ ተንበልብል ባንዴራና
ደም ይጥዓሞ ዘይተሓጎሰ በኣና
ሃሮር ህዝብና ሃሮር ባንዴራና
ሃሮር መሊስና ኢና ሰዊድና
ኔርና ኣሎና ገና ከኣ ክንህሉ ኢና!!! ።

ብ ሳሙኤል ገብረሂወት

==================

ተቋመርቲ እምበር እንታይ ተቃወምቲ
ብዛዕጎል ዝሰርሑ ሕሙማት ናይ ዛርቲ
ብኸብዶም ዝሰርሑ ዕሉላት ለመንቲ!


ናጽነትና ክሒዶም እንተንደዱ ባንዴራ
ድንቁርና ሃስይዎም ኣይፈልጥዎን ክብራ
ዝንበብ ክንሱ መልእኽቲ ናይ ሕብራ
ድራማ ክሰርሑ ያኢ ናይ ዕብዳን ዕንደራ
እርይራይ ናይ ኣንድነት ተርፍ ናይ ኣምሓራ
ስለ ዝተማህሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ
ኤርትራውያን ኢና ኢሎምና ስለ ዝሓዙ ታሴራ
ሕጂ ኣብ ምቅያር እንደሞ ስሒኖማ መከራ!

ይቀንየልና ገጣሚ ሳሚ ገብርሂወት
ኩሉ ዳሕዲሕካዮ 'ቲ ሓቂ ብእውነት
ስለ ታ ባንዴራ ስለ ኤርትራውነት
ደስ ዝብል ግጥምኻ ሂብና'ሎ ዕግበት!!!

ዓወት ንሓፋሽ
ውድቀት ንተቋማራይ ጠፋሽ።

ብ.....ዕላልኪ ናፊቐዮ ሓላለይ

Image result for photo of Eritrean flag
 
 
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events