Date: Monday, 24 July 2017
ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ አቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ዝጸንሕሉ ናይ “ሱባኤ ቦታ” ዝተባህለ ምውጽኦም ምግላጹ ይዝከር።
ኣብ መንጎ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራን ሳልሳይ ፓትርያርክን ዝነበረ ዘይምስምማዕ ብመንጎኝነት ስምረት አድባራትን ጉባኤ ሊቃውንቲ ኤርትራን ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት ሽምግልና ብዕርቂ ተዛዚሙ ክብሉ ክልተ ካብ መንቶ’ቶም ሸምገልቲ ምዃኖም ዝሓበሩ ገሊጾም።