Dehai News

Tigrigna.VoaNews.com: ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተራእየ ሕማም ውጽኣት ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተራእየ ዳይሬክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ገሊጾም

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 04 August 2017

ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተራእየ ሕማም ውጽኣት ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተራእየ ዳይሬክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ገሊጾም

ነሓሰ 03, 2017
ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጸን
ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጸን

ኣብ ኤርትራ ብቫይረስ፣ብባክተሪያን ፕሮቶዞዋን ዝመጽኡ ዝተፈላለዩ ሕማማት ውጽኣት ከምዝረኣዩን እቶም ብብዝሒ
ዝረኣዩ ግን ኣሜባን ጃርዲያን ከምዝኮኑ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ግዝያዊ ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር
ዓንደብርሃን ተስፋጸን ገሊጹ።

እዋናዊ ሕማማት ከም ኮለራ(ቅጽበታዊ ማያዊ ውጽኣት) ዓሚ ይኹን ሎሚ ዓመት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝተራእየ
ዝገለጸ ዶክተር ዓንደብርሃን ፣ ብዝተገብረ ውሁድ ናይ ምክትታልን ቅድመ ምድላውትን ዛጊት እቲ ሕማም ኣብ
ኤርትራ ከምዘይተራእየ ሓቢሩ።

ዶ/ር ዓንደብርሃን ምሕጻብ ኢድ ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ስለዝከላከል ሕብረተሰብ ኢድ ምሕጻብ ከዘውትር፡ፍሉያት ሕማማት ምስዝረኣዩ ከኣ ተቀላጢፉ ክሕብር ከምዝግባእ መልእኽቶም ኣመሓላሊፉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

https://tigrigna.voanews.com/a/3971312.html .html


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events