Dehai News

EriGazette.org: ወያነ ፋልሶ ሚልዮናት ባጤራ ናቕፋ ሓቲሙ ክዝርግሕ ጀሚሩ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Monday, 16 October 2017

ወያነ ፋልሶ ሚልዮናት ባጤራ ናቕፋ ሓቲሙ ክዝርግሕ ጀሚሩ

 
 

ቁጠባ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ታርጌታት ናይ ወያነ ምስ ሓገዝቱ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ ንነዊሕ ግዜ። ሓደ ካብቶም ዝተፈላለዩ መንገድታት ብግሁዱን ዘይግሁድን ዘጠቃለለ መጥቃዕትታት  ኣብ ልዕሊ ባጤራ ናቕፋ እዩ። ከም ዝዝከር ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ወያነ ፋልሶ ናቕፋ ብምሕታም ክብሪ ባጤራ ናቕፋ ንምጅላሕን ናይ ወጻኢ ባጤራ ናብ ኤርትራ ከምዘይኣቱ ንምግባርን ኩሉ ዝካኣሎ ጌሩ። እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ መጠን ክብሪ ናቕፋ ናብ ሓቀኛ ቦቱኡ ተመሊሱ።

ጭብጣዊ ሓበሬታ ከም ዘረጋግጾ፣ ሕጂ’ውን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ወያነ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ናቕፋ ብምሕታም ብኹሉ ዶባት  ኢርትራ ብምጽዓኛታትን ብሰኸም ናይ ስባት ጌሩ ናብ ውሽጢ ሃገርና ከስልኾ ጀሚሩ ኣሎ እቲ ዝብዝሓ ክፋል ናይቲ ገንዘብ ግን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እዩ ዘሎ።

ኣብዚ እከይ ስራሕ ዝተሓባበሩን ዝሳተፉን ኢዶም ዝሓወሱን ኤርትራውያን ዜጋታት  ከምዘለዉ እውን ተፍሊጡ ኣሎ፣ ገለ ካብኦም ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ብወርሓዊ ዶመዝ ናይ ወያነ ዝናቀሳቐሱ ክኾኑ ከለዉ ገለ ድማ ብሱሱዕ ውልቓዊ ረብሓታት ዝተኣሳሰሩ  እዮም።

ብተወሳኺ ሓምድ ድበ ወያነ ካብ ትጽቢትና ንላዕሊ  ክቀላጠፍ ንርእዮ ኣሎና፣ ኣብ ከምዚ ኩነታት ፈተውቲ ሃገርን ህዝብን ብዙሕ ስራሕ ይጽበየና ኣሎ: እቲ ቀንዲ ነቲ ምስሉይነትን ተንኮላትን ኩሉ ኩፉእ ባህርያት ናይቲ ጉጅለ ብዘይ ንሕስያን እናተኻታተልካ  ኣብ ጽሓይ ክወጽእ ኣለዎ፥ ብኻልኣይ ድማ እቲ  ኣብ ውሽጢታ ሃገር ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት እናተኻታተልካ ምቅላዕ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ካብ ግዱስ ኤርትራዊ ካብ ሱዳን ዝበጸሓና  ይገልጽ።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events