Dehai News

Tigrigna.VoaNews.com: ቂሐ-ጽልሚ፡ ብዛዕባ መስጊድ ሰሓባ ካብ ምጽዋዕ፡ወግዒ ምስ ስነጥበባውያን ሄለን ጳውሎስን ማህሌት ገብረጊዮርጊስን

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 11 November 2017

ቂሐ-ጽልሚ፡ ብዛዕባ መስጊድ ሰሓባ ካብ ምጽዋዕ፡ወግዒ ምስ ስነጥበባውያን ሄለን ጳውሎስን ማህሌት ገብረጊዮርጊስን

ሕዳር 11, 2017

ስነ ጥበባዊት ማህሌት ገብረጊዮርጊስ(ጸጋም) ስነ ጥበባዊት ሄለን ጳውሎስ (የማን)
ስነ ጥበባዊት ማህሌት ገብረጊዮርጊስ(ጸጋም) ስነ ጥበባዊት ሄለን ጳውሎስ (የማን)

ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ትርከብ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላመይቲ`ያ ትብሃል መስጊድ ሰሓባኣብ 7ይ ክ/ዘ ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ብተኸተልቲ ነብይ መሓመድ ከምዝተስርሐት ዝንገረላ ጥንታዊት መስጊድ`ያ።

መስጊድ ሰሓባ
መስጊድ ሰሓባ

ወኪልና ብርሃነ በርሀ ኣብ ቤተ መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ምሁር ስነ ታሪኽ ኣቶ ትዕግስቲ ብኢዱን ክኢላ ስነ ቅርሲ ኣቶ ኢሳያስ ተስፋዝጊ ኣዘራሪቡ ሓጺር ጸብጻብ ልኢኹ`ሎ።

ከምኡ ድማ ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙን ኣፍሮ ከም ኡ'ውን ካልኦት ደርፍታት ዝሓዘት ኣልቡም ትዝርግሕ ዘላ ስነጥበባዊት ሄለን ጳውሎስ፡ ኣብዚ ኣሜሪካ ከሪማ ናብ ዓዳ ዝተመልሰት ስነ ጥበባዊት ማህሌት ገብረጊዮርጊስ አጋይሽ'ዚ መደብ እየን።

መደብ`የን- ቂሐ-ጽልሚ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

https://tigrigna.voanews.com/a/4110159.html


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events