Dehai News

(Youtube) ጉዳይ ኣብ ዘተ: ዘተ ምስ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ውዳበን ተሳትፎን ኣበርክቶን ኣብ ኩለንተንዊ ንጥፈታት ህገር

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 04 May 2018

41:09

ዓርቢ 4 ግንቦት 2018 

ውዳበ ህዝቢ፡ እምነ-ኲርናዕ መደባት ልምዓትን መኸተን እዩ” ኣቶ የማነ ገብረኣብ 

ንቑሕን ሓያልን ውዳበ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ እምነ- ኲርናዕ ናይ’ቲ ኤርትራ ከም ሃገር ንኽትህሉን ቀጻልነታን ምዕባለኣን ክወሓስን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ቃልሲ ምዃኑ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ የማነ ገብረኣብ ገሊጹ።

ኣቶ የማነ ምስ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ መለለዪ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ሓይሊ ህዝቡን ናይ ምውዳብ ዓቕሙን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ንተጋዳላይ እናኣስነቐን እናሓብሓበን ማዕረኡ ክቃለስ እንከሎ፡ ምስቲ ቃልሲ ዝማዕበለ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ኤርትራዊ ውዳበ ኣብ ወጻኢ ድማ፡ ኩሉ- መዳያዊ ኣድማዒ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ኣረዲኡ። ድሕሪ ናጽነት ኣውራ ድማ ድሕሪ ወራር ወያነ ዝተራእየ ሓያል መንፈስን ኣወዳድባ ዓቕሚን በቲ ሓደ፡ ተጻብኦታት ናይ ምምካት ዕማም ድማ በቲ ካልእ፡ ኣዝዩ ውሑድ መዳርግቲ ዝርከቦ ምዃኑ ድማ ኣነጺሩ።

እዚ ናይ ህዝብና ውዳበን፡ ጽንዓትን ፖለቲካዊ ሓይልን፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት እናሰፍሐ፡ ምስ’ቲ መድረኽን ብድሆታትን እናማዕበለን ሓድሽ ኣገባባት እናወሰኸን ክመጽእ ምጽንሑ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ዝበጽሐት፡ መሰረት ቊጠባዊ ምዕባለ ዘንበረት፡ ከምኡ’ውን ርግኣትን ስኒትን ዝወነነ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ ከረጋግጽ ከምዝኸኣለ ኣገንዚቡ። 

“ሓይልና ኣትሒትና ክንርእዮ የብልናን” ዝበለ ኣቶ የማነ፡ ኣብ ምምጻእ ናጽነት፡ ምውሓስ ልኡላውነት፡ ህንጸት ሃገር፡ ምጉላሕ ሓቀኛ ምስሊ ኤርትራ፡ ምምካትን ምፍሻልን ውዲታት ጸላእትን ተጻባእትን ዝተመዝገበ ዓቢ ገስጋስ፡ ጭቡጥ መምዘኒን ህያው ምስክርን ኣድማዕነት ኤርትራዊ ውዳበታት ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ።

እቲ ውዳበታት ካብ ዘለዎ ንላዕሊ ክሕይልን ክሰፍሕን፡ መንእሰያት ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከምዝሳተፉ ምግባር፡ ምስ’ዚ ሕጂ ንኣትዎ ዘለና ናይ ልምዓት መድረኽ ዝሳነ ሜላን ኣወዳድባን ከማዕብል፡ ከምኡ’ውን ምስ ዘመነ-ሓበሬታን ቴክኖሎጂን ዝስጒመሉን ዝራቐቐሉን መንገዲ ምፍጣር እዋኑ ዝሓቶ መድረኽ ምዃኑ እውን ገሊጹ። 

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና፡ ብቚጽሪን ብዙሕነትን ከምኡ’ውን ብትምህርቲ፡ ሞያን ቊጠባን ዓቕሙ፡ ካብ’ቲ ናይ ቅድም ዝተፈልየ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ የማነ፡ ኣብ’ቲ ናይ ልምዓት መደባትን ምምዕባል ዓቕሚ- ሰብን ስትራተጂ ዘውፍረሉ መዳይ ንምፍጣር፡ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ፡ ዘለዎ መሰላት፡ ዕድላትን ዘካይዶም ዕማማትን ፈሊጡ፡ ዓቕሚታቱ ኣብ ሃገራዊ መደባት ንምቕናዕ ዓቢ ቈላሕታ ከምዝወሃቦ ኣረዲኡ።

ኩሎም ውዳበታት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን እተን ዝነብሩለን ሃገራትን ዘሎ ሽርክነት ንምምዕባል ኣምባሳደራት ኮይኖም ክሰርሑ ዘዘኻኸረ ኣቶ የማነ፡ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ መደባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይተሳተፈን ዘየበርከተን ዜጋ፡ ናብ’ቲ መሳርዕ ዝጽንበረሉ መንገድታት ንምፍጣር መደባት ተሓንጺጹ ክስራሓሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኤርትራ፡ ኣብ ዞባና ጥዑይ ጉርብትና፡ ምትሕግጋዝን ብልጽግናን ንኽህሉ ከም ኣካል ስትራተጂኣ ከም እትሰርሓሉ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበረ-ኮማት ኤርትራውያን፡ ምስ ዜጋታት’ተን ሃገራት ብምትሕብባር ነዚ ስትራተጂ’ዚ ንምስማር ክጽዕሩ ድማ ጸዊዑ። 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events