Dehai News

BBC.com: ጸሃይቱ በራኺ "ኣይኣመንኩን ኢለ ክጽሕፍ ጸኒሐ ሕጂ"

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 25 May 2018

ድምጻዊት ጸሃይቱ ባራኺ
Image copyrightERI/TV

***ብሰላም ዕረፊ፣ ክብርቲ ሓርበኛ ኤርትራዊት ኣደ!

*ብርሃነ ሃብተማርያም

'ኣንቆልቂለ ክወርድ ካብ ማይ ጃሕጃሕ...' ዝብል ደርፊ ክልዓል ከሎ አብ ነፍሲ ወከፍ ኣእምሮ ኤርትራዊ እትስኣል ወናም ስነ-ጥበባዊት ድምጻዊት ጸሃይቱ በራኺ'ያ።

25 ጉምቦት 2018 ዓም ፈረንጂ

ዓባይ ድምጻዊት ጸሃይቱ በራኺ፡ ኳዓቲት ኣብ ዝተባህለት ንእሽቶ ገጠር ኤርትራ ብ 1939 ተወሊዳ። ነዊሕ ከይጸንሐት ግና፡ ኣስመራ እትነብር ናብ ዝነበረት ሓትንኣ ብምግዓዝ ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ (ጓል 8 ዓመት) እናሃለወት ክራር 'ሀ' ኢላ ባዕላ ንነብሳ ምምሃር ጀሚራ።

ጓል 16 ዓመት ምስ ኣኸለት ድማ ትምህርታ አቋሪጻ ጽምኢ ስነ-ጥበባ ንምርዋይ፡ ኣብ ባራት ኣስመራ ምልሃይ ተተሓሓዘቶ።

ጸሃይቱ ኣብዚ ዕድሚኣ ብህዝቢ ዓብዪ ተቐባልነትን ተፈታዉነትን ክትረክብ ግዜ ኣይወሰደላን።

ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ኣብ ኤርትራ ይትረፍ'ዶ ደቂ ኣንስትዮ፤ ደቂ ታባዕትዮ'ውን እንተኾኑ ሓሜን፡ ዋጣ እናተባሃሉ ዝግለልሉ ዝነበረ እዋን ጸሃይቱ ግን ነቲ ካብ ቤተ-ሰባን መቅርባን ዝወርዳ ዝነበረ ኣደራዕ ተጻዊራ'ያ ልባ ናብ ዝመርሓ ጉዕዞ ስነ-ጥበብ ዝጎየየት።

ካብዚ ሓሊፋ፡ ኤርትራ ኣብ 1977 ንናጽነት ተካይዶ ኣብ ዝነበረት ቃልሲ፡ እቲ ዝኾስኸሰቶ ሞያ ጥበብ እጃሙ ከወፊ ገይራ'ያ።

ኣብዚ እዋን ኩሉ ደርፍታታ ናብ ፖሊታካዊ ትርጉም ብምዛር ድማ ከም በዓል

"ሰማይ እንዶ ኣብጽሓዮ ጎተናኻ'የ

ሽላ ከይተብልዓኒ ሓደራኻየ"ን ካልኦትን ብምስራሕ ንብዙሓት መንእሰያት ዘነቓቕሑ ጣዕመ-ዜማታት ናብ ሰማዕታ ኣብጺሓ።

እዚ ግና በቲ ሽዑ ዝነበረ መንግስቲ ህይወታ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ምስ ኣውደቆ ኹሉ ነገር ኣሃዱ ኢላ ዝጀመረትላ ከተማ ኣስመራ ገዲፋ ንሱዳን ክትስደድ ተገዲዳ።

ድሕሪ ኣብ ሱዳን ዝነበራ መነባብሮ ስደት ድማ፡ ኣብ 1988 ንሆላንድ ግዒዛ፡ ድሒሩ ግን ኣብ 1999 ንመጀመርታ ጊዜ ደጊማ ንኤርትራ ኣትያ።

ጸሓይ ኤርትራ

Presentational grey line

መጀመርያ ፍቕሪ ኣብ መን ተጀመረ

ኣዳምን ሄዋንን ዓለም ምስ ተፈጥረ

ኣነ ከይፈለጥኹ ኣብ ልበይ ሓደረ

እንታይ'ሞ ክገብር ዕድለይ ካብ ኾነ

Presentational grey line

ኣብ ሃገረ ሆላንድ ክትነብር ዝጸንሐት ድምጻዊት ጸሃይቱ በራኺ ትማሊ ኣብ 79 ዓመታ ካብዚ ዓለም ተፈልያ'ያ።

ተጻዋቲት ክራር፣ ገጣሚት፣ ሙዚቀኛ፣ ተለሃይትን ፖለቲከኛ ተቓላሲትን ከምዝነበረት ድማ ናይ ቃልስን ሙያን መቕርባታ ይዛረቡ።

ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብጻያን መቓልስታን ዝነበረ ድምጻዊ ኣብራር ዑስማን፡ ሕብእ ምብእ ዘይብላ ግልጺ ሰብ ከምዝነበረት ይዝክር።

"ኣነ ንዓኣ ዝኸዉን መግለጺ ቃላት ኣይብለይን። ጸሃይቱ ኣብ መዋእላ ዝስምዓ እትዛረብ፡ ሕብእ ምብእ ዘይብላ፡ ቖራጽ ኣደ ቃልስን ፍቕርን'ያ" ይብል።

"ጸሓይ ኤርትራ"ተባሂላ ብከም በዓል ሙዚሽያን ኣፍሪቃ ኔት፡ ላስት ኤፍ.ኤም፣ ኤሪትርያ ቢን ካልኦትን ተሰይማ'ያ።

ስነ-ጥበባዊት ጸሃይቱ በራኺ፡ 17 ስራሕታ ዝሓዘ 2 ሰዓትን 34 ደቂቅን ንውሓቱ ሙዚቃታትን 88 ገጽ ታሪኻን ዝሓዘ መጽሓፍን አብ 2000-2003 አብ ሆላንድ ብ ዶልፍ ፕላንተይድ ዝተባህለ ትካል ሙዚቃ ተሓቲሙ ተዘርጊሑ'ዩ።

እዛ ጸሓይ ጥሒላ ካብ ዓለም ዝተሰናበተት ኣደ፡ ኣብ ልቢ ኩሉ ኣፍቃሪ ስነ-ጥበብ ዘይሃስስ ዝኽሪ ሓዲጋ'ያ'።

ድምጻዊ ዑስማን ዓብደራሒም፡ ሓደ ካብ ሞንጎ እቶም ዓሚቕ ተዘክሮ ዘለዎም መቕርባታ'ዩ።

"ኩላትና ተምሃሮ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ድምጻ ክንሰምዕ ንህንጠ ነይርና" ዝብል ድምጻዊ ዑስማን ዓብደራሒም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ሙዚቃ እንትተቕርብ፡ ብድምጻ ህዝቢ ትገዝእ ምንባራ ይዛረብ።

"ብጣዕሚ ለዋህ፣ ተጻዋቲት፣ ዋዛ ምስ ቁም ነገር እትፈቱ ሰብ'ያ ነይራ። ከም መጠን ክፍሊ ኪነ ጥበባዉያን ኩላትና ጽንዓት ይሃበና እናበልኹ 'ኣደ ዜማ ሃገር' ክብላ'የ ዝፈቱ" ክብል ስምዒቱ ይገልጽ።

"ኣይኣመንኩን ኢለ ክጽሕፍ ጸኒሐ ሕጂ"

በብዘለዉዎ ኮይኖም፡ ብስልኪ ክረኽባ ብዙሕ ዝፍትን ዝነበረ ድምጻዊ ኣብራር ዑስማን፡ ሕልፈት ህይወታ እንትሰምዕ ስምብራት ሓዘን ዝጎድኦ ልቡ ደጊፉ፡ "ደዊለ ግና ኣይረኸብኩኽን" ኢሉ ስምዒቱ ብንብዓት ብርዒ ክስንድ ከምዝወዓለ ይገልጽ።

"ንዓይ እዚ ኩነት ከቢድ'ዩ። ኣዝየ ዝፈትዋ ናይ ቀረባ ብጺተይ፡ ኣደ ፍቕሪ ኹነታታ የንብዓኒ ነይሩ። ኣብ ህይወታ ክሳብ ሕጂ ክብሪ ከይረኸበት ኣብ ስደት ክተሕልፍ ከላ ይሓዘንን። ይድዉለላ ነይረ። ደዊለ ግና ስኢነያ፡ ክሳብ ሕጂ ግና ደዊለልኪ ነይረ ግና ስኢነኪ እየ ዝብል ዘለኹ"።

መጀመርያ ፍቕሪ ብመን ተጀመረ ትብል ጸሃይቱ በራኺ ንሳ'ዉን ኣደ ፍቕሪ፣ ናጽነትን ኪነ ጥበብን ከምዝኾነት ብዙሓት ይምስክሩ።

"እቲ ናታ ስነ ጥበብ ንፍቕሪ እዩ ዝመርሐና። ደቂ ሰባት ዘለዎም ንሱ እዩ። ኮይኑ ግና ኣነ ክሳብ ሕጂ ኣይኣመንኩን ኢለ ክጽሕፍ ጸኒሐ" ይብል።

ድምጻዊ ዑስማን ዓብደራሕማን ብወገኑ "ዓባይ ኮኾብ ደቂ ኣንስትዮ ድምጻዉያን ከምዝኸሰርና'ዩ ዝስመዐኒ" ክብል ኣዋጊዑና።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events