Dehai News

Report/ Pictures - Eritrean Cycle Festival Manchester 2018

Posted by: Yared Tesfay

Date: Tuesday, 19 June 2018


ፈስቲቫል ቅድድም ብሽክሌታ ኤርትራ ኣብ ከተማ ማንችስተር

16-17 / ሰነ / 2018 ብዓወተ ተሳሲሙ። 

ብዓወትና ንሕበን ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 16 - 17 ስነ 2018 ብደረጃ ዓባይ ብሪጣኒያ ኣብ ከተማ ማንችስተር ኣብ ስዓታት ድሕሪ ቀትሪ - ብኩቡር ኣምባሳደር ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያን ኣየርላንድን ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማሪኣም ብወግዒ ተከፊቱ።

ኣብ መክፈቲ እቲ ፈስቲቫል ኩቡር ኣንባሳደር እስቲፋኖስ ህጻናትን መንእስያትን ብኣካልን ኣእሙሮን ብቁዓት ብትምህርትን ብንቅሓት ብሉጻት ጌሩ ዝሃንጽ ስፖርት ዝሕዞ -

ኣገዳስነት ሎዑል ሙካኑን ኪኖ ውልቃዊ ብቅዓት ምጥራይ ኣብ ሃገር ዝሕልዎ ኣወንታዊ ግደ ዘይንዓቅ ሙካኑ ጠቂሱ - ኣዚ ሎሚ ከም ናይ መጀመርያ ተመክሮ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል ቅድድም ብሽክሌታ ዝቅጽል ዓመታት ብድረጃ ኤሮፓ ከም ዝምዕብል ጥርጥር የብለይ ኢሉ።

ቀጺሉ ኣንባሳደር እስቲፋኖስ ነዚ ንመጀመርያ ግዜ ፈስቲቫል ቅድድም ብሽክሌታ ኤርትራ ኣብ ከተማ ማንችስተር ንክልተ ተከታታሊ መዓልታት ዝትካየድ ፈስቲቫልን ሒዝዋ ዘሎ ንጥፈታትን -ኪኖ እቲ ስፖርታዊ ፈስቲቫል ኤርትራዊ ናይ ምምቅባር ዓቅሞምም ዘንጸባርቅ`ዩ ድሕሪ ምባል እዚ ፈስቲቫል ፉሉይን ታሪካውን ኮይኑ ክዝከርን ክውረስዩ ኢሉ፥፡

ኣብ ምውዳብ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ንዝገበሩ ኣዳለውቲ ሽማግለን ንማሕበር ቅድድም ብሽክሌታ ኤርትራ "ዲያስፖራ" ንኣእንገድቲ ኤርትራዊያን ተቀማጦ ከተማ ማንችስተር ኣመስጊኑን

ኣብ መወዳእታ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ (Salabini Carmelo, Fesehatsion Ghebreyesus, Tesfaledet Haylom, Fitsum Ghilom, Biniam Asmelash, Wedi Gizaw, Beyene Simon, Ressom Hedray, Samuel Zekarias, FreQalsi Debessay,   ዝረከቦም ገዳይም ተቀዳደምቲ ካብ ኣሜሪካን ኤሮፓ ብምምጽእ ነቲ ፈስቲቫል ድምቀት ኣብ ልዕሊ ምሃቦም ንመንእስያትን ህጻናትን ዘመሓላለፍዎ ዛንታን ተመክሮን ኒኢዱ።

ናይ ክብሪ ዕዱም ኮይኑ ዝተረክበ ኣብ ሶሪያን ባሕረንን ኣንባሳደር ዓባይ ብሪጣኒያ ነበር ኣቶ ጰተር ፎርድ (Mr. Peter Ford) ኣብ ዘስምዖ ዕርክነታዊ ቃል ኤርትራ ኣብ ስፖርታዊ ዕዮታት ተመዝግቦ ዘላ ዓወታት ዘደንቅ ሙካኑን - እዚ ሎሚ ዝትካይተ ፈስቲቫል ንሓያሎ ኣብ ደገ ዝርከቡ ህጻናት መንእሰያት ደፋኢ ሓይሊ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፈሪ ዘሎ ዓቅሚ ከም ዘሓይል እምነት ኣሎኒ ኢሉ።

ጽሓፊ ማሕበር ገዳይም ቅድድም ብሽክሌታ "ዲያስፖራ" ኣቶ ቢኒያም ኣስመላሽ ንማሕበርን ኣዳላውት ኣሽማግለ' ፈስቲቫል ብምውካል ኣብ ዘስምዖ ቃል -

ንኩሎም ነቲ መደብ ንምዕዋት ዝጽዓሩ ብምምስጋን ህጻናት መንእስያት ወለድን ዕዱማትን ነቲ ፈስቲቫል ከስተማቅርዎ ተመክሮ ክቀስሙሉን ተላቢዩ።

ኣብ መወዳእታ ናይ' መክፈቲ ስነ - ስርዓት ገዲም ተቀዳማይ ሳላንቪኒ ብንብዓት ዝተሰነየ ተመኩሮታቱን ዝክሩን ክገልጽ ከሎ ብተመሳሳሊ - ገዳይም ተቀዳደሚ ኣቶ ፍስሓጼን ገረሱስ ኣቶ በየነ ስሞኦን ኣቶ ተስፋልደት ሓየሎምን ንድሕሪ ባይታ ቅድድም ብሽከለታ ኤርትራ ተመኩሮታቶምን ንተሳተፍቲ ኣቅርቦም።

ኣብ' ኣጋጣሚ ህቡብ ድምጻዊ ካሕሳይ በርሀ ሓዳስ ንክብሪ እቲ ፈስቲቫል እተንጸባርቅ ስፖርታዊ ደርፊ ብምቅራብ ነቲ መደብ ድምቀት ሂብዎ።

ኣብ' ንክልተ መዓልቲ ዝጸንሕ ፈስቲቫል ኤርትራዊያ ካብ ዞባት ለንደንን ካብ መላእ ከተማታት ዓባይ ብሪጣኒያ ዝመጹ ወለዲ ህጻናት መንእስያ ተሳቲፎም

አዚ ፈስቲቫል ኣብ ከባቢና ይኩን ኪኑኡ ሓደነት ህዝብናን  ሃገርናን ብምድማቅ ኣብ መሕያል ቅድድም ብሽክልታ  ኤርትራ  ዓቢ ኣበርክቶ ክም ዝህልዎ ኣየሸግርን።

Eritrea EmbassyMedia


Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events