Dehai News

(ድምጺ ኣመሪካ) መግለጺ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 10 July 2018

መግለጺ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፐይ
ሓምለ 10, 2018

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፐይ

ዋሽንግተን — ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝጸንሓ ኹናት ብምዝዛም ሓባራዊ አዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን አጽዲቀን። ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ሃገረ ኤርትራን ፈደራል ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኢትዮጵያን ን20 ዓመታት ዝጸንሓ ግጭት ብምዝዛም ሓምለ 9 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላምን ጸጥታንን ብሓጎስ ተቐቢላቶ’ላ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር አብይ አሕመድን ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂን ብትብዓት ንህዝብታት ክልቲኦም ሃገራት ናብ ሰላም፡ብልጽግናን ፖለቲካዊ ለውጢ ብምምርሖም ንንእድ።

ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስን ንምትግባር እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ህዝብታት ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ፖለቲካዊ፡ቁጠባዊን ማሕበራዊ ዝምድንኦምን ባህጎምን ከተኹሩ ዕድል ዝህብ’ዩ።

ኣሜሪካ ድማ ነዚ መስርሕ ሰላም ኣብ ምትግባሩ ነዚ ኸይዲ ዘድልይ ሓገዝ ንምብርካት ድልውነታ ትገልጽ ዝበለ መግለጺ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብተወሳኺ ኩሎም ወገናት ብርእሰ ተአማንነትን ግሉጽነትን ክሰርሑ ነተባብዕ ኢሉ’ሎ።

እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍጠር ሰላም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ምርግጋእ፡ ጸጥታን ምዕባለን ዝፈጥር’ዩ ይብል።





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events