Dehai News

(ሰራውር) ዉድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንከልዕል ምድላው የካይድ ኣሎ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 03 November 2018

ዉድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንከልዕል ምድላው የካይድ ኣሎ

ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል 03 ሕዳር 2018

መንስግስቲ ኣመሪካ እገዳ ንኽናዋሕ ኣትኪሉ ሒዝዎ ዝጸነሐ መርገጽ ድሕሪ ምቅያሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጸጥታ ቤት ምኽሪ እገዳ ንምልዓል ይዳሎ ከምዘሎ ናይ ዓዲ እንግሊዝ መራኸቢ ቡዙሃን ደይሊ መይል ሓቢራ።

ብርጣንያ ድሮ ናይ ኣጽዋርን፣ ኩሎም ናይ ምጉዓዝ ምኽልካልን፣ ናይ ንብረት ምድስካልን ንኤርትራ ታርጌት ዝገበረ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንኽልዓል ዝጽውዕ ንድፈ ውሳኔ ናብቲ ቤት ምኽሪ  ከምደዞረትን  እቲ ጹሑፍ ብኣይኤፍፒ ዝብሃል መርኸቢ ቡዙሓን ከምዝርእይዎ ደይሊ መይል ሓቢራ።

ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ብይን  ዉድብ ሕቡራት ቤት ምኽሪ ኣብ ሕዳር 14 ኣብ ድምጺ ምርጫ ከምዝቀርብን ኣሜሪካ መርገጺኣ ስለዝቐየረት ከምዝጸድቕ ትጽቢት ይግበረሉ። ከምዝፍለጥ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩሎም ምስምሳት ናይ እገዳ ዋላ ይጥፉኡ እምበር መንግስቲ ኣምሪካ ካልኦት ምስምሳት ከም ጉዳይ መሰል ደቂ ኣዳም ብምልዓል ክናዋሕ ከምዘለዎ እያ ክትገልጽ ጸኒሓ።

እዚ ዘይፍትሓዊ እገዳ ብመሰረቱ ንኽልዓል ዝገበረ ቃልስን መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት መሪሕነቱን ዘመዝገቦ ዓወት እዃ እንተኾነ፣ እዘን ንምብትታንን ትሕቲ መርየት ምቕባር ናይ ኤርትራ ኩሉ ዓይነት ወፍሪታት ዝገበራ ናይ ዓለምና ሓያልት ክልተ ግዜ ደዛረበ ዓቢ ዓወት ብምዃኑ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣኒ ነቶም ንሃገሮም ልዕሊ ግብኦም ዝገበሩ ጻማ ጻዕሮምን መስዋእቶምን እንቛዕ ኣሕፈሶም።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events