Date: Monday, 05 November 2018
መእተዊ ትንታነ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብዛዕባ ዶባት!
ንዶባትን ግርጭታት ኣመሳሲልካ ንኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ናብ ነዊሕ ጆሆ መትሓዚ ንምግባር ዝተፈተነ ፈተነታት።
1) ጉዳይ ሓንሽ: ሓንሽ ንመዋእሉ ኣብ ግዝኣት ኤርትራ ከም ዝነበረ ሩዱ እዩ። እንተኮነ ግና ኤርትራ ኣብትሕቲ መግዛእቲ ባዕዳውያን ከላ፣ እዚ ጉዳይ ኣይተላዕለን። #የመን ሓንሽ ናታ ሙኳኑ እትፈልጥ እንተኔራ፣ ስለምታይ ቅድሚ ናጽነት ነዚ ጉዳይ ዘይፈትሓቶ? ብተወሳኪውን እቲ ዝተዋህበና ፍርዲ ዘይፍትሓዊ ሙኳኑ እዩ። ንኣብነት እቲ ዝተዋህበ ብይን ንሓነሽ ንናይ #የመን ከም ዝከውን ፈሪዶም ከብቅዑ በቲ ካልእ ሸነክውን ንኤርትራ ኣብ ግዝኣት ናይ የመን ባሕሪ ከምድላያ እትያ ንክትጥቀም እዩ ዝተወሰነ።
እዚ ማለት! ብመሰረቱ እቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ንሰላም ናይ ዞባና ንከምጽ ዝተዋህበ ፍርዲ ኣይኮነን። ብእኣንጻሩ ንኤርትራ ከም ሃገር ኮይና ንከይትቅጽልን ንመዋእላ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሽግር የእቲካ ንምቁርናይ ዝኣወጀ ውዲት እዩ። ሓንቲ ሃገር ኣብ ናይ ካል ሃገር መሬትእኩን ዶብ ሰጊራ ብከመይ እያ ሰሪሓ ንክትወጽ ዘፍቅድ ሕጊ። እንተኮነ ነዚ ናይ ሓነሽ ጉዳይእውን ብናትና ተባላሓትነት ስምምዕን ኢና ሰጊርናዮ።
2) ዲሒሩ ዝመጽኣና ጉዳይ ባድመ እዩ: ባድመ መበገሲ ናይ ኩናት ንክግበር ተመሪጹ እንበር ባድመ ኣይኮነን ኔሩ እቲ ዓብይ ጸገም። እዚውን ብዓይነቱ መልኩዑ ዝቀየረ ጉዳይ እንበር እቲ ተልእኩኡ ምስ ናይ #ሓንሽ ዝተመሳሰለ እዩ። ነዚ ጉዳይ ስርዓት ወያነ ኮነ ኢላ ንትግባረ ጎይቶታታ ክትሕጉስ ዘበገሰቶ ኩናት እዩ። ከም መርኣያ እውን ንዝሓለፈ 20 ዓመት ነዚ ጉዳይ ብቤት/ ፍርዲ ድሕሪ ምውሳኑ ንከይትቅበሎ ዘድልን ዘየድልን ቅድመ ኩነት ምስምስ እዳቅረበት ሓላሊካቶ እያ።
እዚ ሕጂ ሓድሽ ምዕባለታት ናይ ለውጢ በዚ ሓድሽ ስርዓት ምስመጸ ሕጂውን ስርዓት ወያነ ነቲ ዝገበረቶ ጌጋታት ንከይትእመን እተቅርቦ ዝነበረት ምስምስ ማዕለያ ዘየብሉ እዩ። እንተኮነ ግና ሕጂውን በቲ ኮይኑ በዚ ቀንዲ ዕላማ ንኤርትራ ናብ ዘይውዳእ ናይ ኩናት ዞባ ሸሚምካ ኣብዚ ዞባ ዘይርግኣታዊ ኩነታት ፈጢርካ ባርያ ናይ ካልኦት ኮንካ ዝተገብረ ፈተነታት ንኩሉ ሳላ ጽንዓትና ኣደርዒምናዮ ኢና።
3) እዚ ከም ሳልሳይ ዝተፈተነ ጉዳይ ጂብቲ እዩ: ናይ ጉዳይ ጂብቲ እውን ካብቲ ናይ ወያነን ናይ የመን ዝተፈለየ መልእክቲ ዘለዎ ኣይ ኮነን።
4) ከም ናይ መወዳእታ ዝተፈተነ ስጉምቲ ንኤርትራ ከም ናይ ክብረሽበራ ሓጋዚት ሃገር ጌርካ፣ ማዕቀብ ምግባር እዩ። እዚ እውን ካል ሓድሽ ፈተነን ተንኮል እዩ። ኣብ መወዳእታ ሎሚ ነዚ ኩሉ መድረካት ተጻብኦን ንኤርትራ ንናጽነታ መንዚዕካ ኣብቲ ሕቲ ካልኦት ሃገራት ከም መጉዝትነት ንምቁርናይ ክሳብ ሕጂ ዝተሓስበ ብሳላ ሓያል መሪሕነት ህግደፍን እቲ ዘይ ጽዓት ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኮነ ድሕሪ ምግላጽ ሎሚ ኤርትራ ነብሳ ዝካኣለት ሃገር ጥራይ ዘይኮነትስ ናይዚ ዞባ ናይ ሰለም ደሴት ሙኳና እዩ ኩብር ፕረሲደት ሃገረ ኤርትራ ብጻይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝገለጾ።