Dehai News

ሻዕብያ!

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Tuesday, 04 February 2025

ሻዕብያ'ዶ በልካ እወ ሻዕብያ"

ትማል ሻዕብያ፡

ሎሚ ሻዕብያ፡

ጽባሕ ሻዕብያ፡

ሻዕብያ እኳ ሻዕብያ ስለ ዝኾነ'ዩ ተዓዊቱ።

ደኺሙ ንዝበሉ ቅልጽሙ ዘርኣየ፡

ጠፊኡ ንዝበልዎ እምባ ኮይኑ ተገተረ፡

ነጺፉ ንዝበሉዎ ዝፈልፈለ፡

ኣሪጉ ንዝበልዎ ዝጎበዘ፡

ስዒርናዮ ንዝበሉ ዝሰዓረ፡

ሞይቱ ንዝበሉ ዘተንፈሰ፡ 

ቀቢርናዮ ንዝበሉ ዝቐበረ፡

መን ኣሎ'ሞ ከም ሻዕብያ ዕጥቁ ዘትረረ?

ኣብ ባይቶ ዘስምዕ መደረታት፡

ኣብ ሞጎት ዘቕርብ መርትዖታት፡

ኣብ ፍርዲ ዝጭብጥ ዓወታት፡

መደቡ ዘሳልጥ ሓልዩ ሰዓታት፡

ንገረኒ መን ኣሎ ከም ሻዕብያ?

ሻዕብያ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡

ህዝቢ ሻዕብያ ስለ ዝኾነ፡

ብሓንሳብ ይዝምር ይቃነ፡

ብነብሱ ዝሓድር ከይለመነ፡

ብርሃን ዝዕድል ቀንጢጡ ድነ፡

እንቋዕ ኣካል ሻዕብያ ኮንኩ ኣነ።



ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events