Dehai News

ቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሽለት ህንጸት ሃገር - Shabait

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 01 February 2025

ቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሽለት ህንጸት ሃገር

መረበት 200 ሚልዮን ህዝቢ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብኣዝዩ ተሃዋሲ መድረኽ ይሓልፍ ኣሎ። ሃገራት ኣብ ድንጉር ጐደና ህንጸት ሃገር (Nation Buildiing) እናዕነነያ፣ መንግስታት ወገነይ ንዝብልዎ “ግዜኻ’ዩ” እናበሉ ስልጣኖም ከውሕሱ፣ ደቂ ሓንቲ ሃገር ጐሳ ፈልዮም ሓድሕድ ይናጸዩ ኣለዉ። ነዚ ድሕረት’ዚ ዝመዝመዘ ህንጸት ሃገር ምዅላፍ ዝሸቶኡ ሓንካሪ ግዳማዊ ምትእትታው ድማ፡ ግርም መዐንደሪ ረኺቡ፡ ብሓኸለን ሓኽልን (carrot & stick) ዝርገት ሕብረተሰባት የሳሲ ኣሎ። እዚ ፋሕ-ጭንግራሕ’ዚ፡ ሃገራት ዞባና ብውሽጠን ረጊአን፡ ሓድሕድ ተሳንየን፡ ዘለወን ገዚፍ ዕቑር ጸጋታት ኮነ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ዝህበን ዕድላት ከይጥቀማሉ ሓኒቑወን ይርከብ።

ኣብ 1991 ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ምስ ኮነት፡ ብደረጃ ዞባ ናብ ሓባራዊ ዕብየት ዘቋምት ሰፊሕ ዕላማታት ሒዛ’ያ ነቒላ። መንግስታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ካብቲ ጠንቂ ድሕረትን ቀጻሊ ግጭትን ዝኸውን ዘሎ ጸቢብ ወገናዊ ፖለቲካ ወጺኦም፣ ክድምናን ቁጠባዊ ጽግዕተኛነትን ወጊድ ኢሎም፣ ብመንፈስ ርእሰ-ምርኰሳ ሰፊሕ ባይታ ምትሕብባር ክፈጥሩ ብዓቕማ ጐስጒሳን ብሃናጺ ጽምዶ ጽዒራን። ብዙሓዊ ኣቋውማ ሕብረተሰባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ሶማል፡ ኢትዮጵያ ይኹን ሱዳን ንህንጸት ሃገር ዘዋጽእ እንኮ መገዲ ኣመልኪታ እውን ርእይቶኣ ብግልጺ ክትነግር ጸኒሓን ኣላን። ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብድሑር መስፍናዊ ኣቋውማ (እንዳ፡ ቀቢላ፡ ብሄር፡ ሃይማኖት ወዘተ.) ዘመናዊ ሃገር ምህናጽ ከምዘይክኣል ደጋጊሙ እናገለጸ፡ ሃገራት ዞባና ናይ ዜጋታት ክኾና ዕድመኡ ምሉእ ዝተዛረበሉን ኣብ ዝሓለፈ ቃለ-መጠይቕ ጸቒጡ ዘስመረሉን ጉዳይ እዩ።

ኤርትራ ክውንነት ዞባና ንምቕያር ዘንቀለቶ ሃናጺ ሓሳብ፡ ኣብ ዓይኒ’ቶም ‘ካብ ዝርገት ንረብሕ ኢና’ ዝብሉ ሓይልታት ስለዘእተዋ ዋጋ ከፊላትሉ እያ። ‘ክትቅጻዕ ኣለዋ!’ ተባሂሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝዘነበ ተጻብኦ እልቢ ኣይነበሮን። ኣብ ዞባና ዘሎ ጸቢብነትን ሃገራዊ ዝርገትን ናብ ኤርትራ ንምልሓም’ውን፡ ብመገዲ ዞባውያን ሸቀልቲን ዕሱባት ግዳያትን ብዙሕ ተደኺሙ። የግዳስ ህዝቢ ኤርትራ ብዓል ነዊሕ ተመኩሮን በሪኽ ፖለቲካዊ ንቕሓትን እዩ። በቲ ዝገጠሞ እልፊ ተጻብኦን ሽርሒን ኣይተዳህለን። ብሓኸለን ሓኽልን ሕርያኡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣየእተወን። ዝኾነ ህዝቢ ክሰግሮ ዘይክእል ፈተነ ሰጊሩ፣ ውሽጣዊ ሰላሙን ስኒቱን ኣዕሪጉ፣ ብዓቕሙ ንዞባዊ ሰላም እናሰርሐ፣ ኢዱ ከይሃበ ብዓወት ወጺኡ። ኣብዚ ዞባ ግጭትን ቅልውላውን ድማ፡ በይኑ ደሴት ሰላምን ርግኣትን፡ ትእምርቲ ሓድነትን ስኒትን፡ ወናኒ ዘይድፈር ብሉጽ ሃገራዊ ሰራዊት ብምዃን፡ ቀሲኑ ናብቲ ዝዓበየ ዕላማኡ ህንጸት ስልጡን ሃገር ዘቕንዓሉ ባይታ ፈጢሩ ይርከብ።

ዞባና ዝተዓዘቦ ፍሽለት ህንጸት ሃገር፣ ብኣንጻሩ ስጡም ሃገራውነትን ናጻን ተባዕን ሕርያን ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣእምሮ ንዘለዎ ግርም መለበሚ እዩ። ሕጂ እውን ኣብ ዞባና ዘሎ ቅልውላዋት መፍትሒኡ ሓደን ንጹርን እዩ። እቲ ፍታሕ፡ ውሽጣዊ ግጭትን ቅልውላውን ዘዕርፍ፣ ንኹሎም ዜጋታት ብማዕረ ዝሓቊፍ፣ ዜግነት መሰረት ዝገበረ ቅኑዕ ፍኖተ-ህንጸትሃገር ምኽታል፣ ዝተወርሰ ጸገማት ይኹን ብጽበት ኣእምሮ ዝተፈጸመ ጌጋን በደልን ብሓላፍነታዊ መገዲ ዝእርም ዘቤታዊ ፍታሕ ምርካብ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ፡ ንጉልቡብን ዘይጉልቡብን ግዳማዊ ምትእትታው ፈቓቕ ምኽላእ ወሳኒ እዩ። ሰላም ንህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ!

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ



ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events