Dehai News

(ድምጺ ኣመሪካ) ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ን5ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ተዓዊቱሉ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 01 March 2019

ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ን5ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ተዓዊቱሉ

ለካቲት 28, 2019   ዊንታ ኪዳነ



ዋሽንግተን — 

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ብዕድመ ካብ ኩሎም ተሳተፍቲ ዙር ርዋንዳ ንኡስ ዝኾነን ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ተዓዊቱ።

ተቐዳዳማይ ቢንያም ነቲ ካብ ካሮንጊ ናብ ሙሳንዚ ዝተሰርዓሉ 138.7 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ሓምሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ብ 03:42:01 ግዜ ከምዝዛዘሞ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዛጊት ብጫ ናይ መሪሕነት ማልያ ኣብ ዝባን ኣባል ክለብ ኣስታና ዝኾነ ኤርትራዊ መርሃዊ ቁዱስ ትርከብ። ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተኻየዱ ሓሙሽተ መድረኻት እተን ሰለስተ መድረኻት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ማለት መርሃዊ ቁዱስ ንመድረኻት ክልተን ሰለስተን ከምኡውን ቢንያም ግርማይ ንመድረኽ ሓሙሽተ ብምዕዋት ርኡይ ጸብለልታ ኣመዝጊቦም ኣለው።

ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ኣብዚ ናይ ሎሚ ሓሙሻይ መድረኽ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ከምዘጋጠሞ ክፍለጥ ተኻኢሉ ። እንተኾነ ካብቲ ሓደጋ ተንሲኡ ነታ ኣምሊጣቶ ዝነበረት ዓባይ ጋንታ ኣርኪቡ ነቲ ውድድር ክፍጽሞ ምብቕዑ ተሓቢሩ። በዚ ድማ እታ ናይ መሪሕነት ብጫ ማልያ ዛጊት ኣብ ዝባንቲ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ትርከብ።

ትማሊ ዝተኻየደ ራብዓይ መድረኽ ኮሎምብያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ እስራኤል ኤድዊን ኣቪላ ከምዝተዓወተሉ ይዝከር። ኣብቲ ውድድር ኣባል ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ ሲራክ ተስፎም ድሕሪ ስጳኛዊ ፓብሎ ሙኖ ሳልሳይ ኮይኑ ድሕሪ ምዕዋቱዩ ወዲ ጋንትኡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ክዕወት ዝበቕዐ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ጂን ክላውድ ኡውዝየ ዝተባህለ ርዋንዳዊ ተቐዳዳማይ ካብቲ ሃገሩ ተአንግዶ ዘላ ውድድር ከምዝወጸ ተገሊጹ። ጂን ክላውድ ኡውዝየ ካብቲ ውድድር ዝወጸሉ ምኽንያት ብወግዒ እኳ እንተዘይተገልጸ ምስ ብድኻም ምስናፉ ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ይገልጻ ኣለዋ።

ዙር ርዋንዳ ብደረጃ 2.1 ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ ዝርከቡ እቶም ዝበርትዑ ክልተ ዙራት ሓደ እዩ። ነቲ ብደረጃ ዓለም ፍሉጥ ዝኾነ ዙር ፈረንሳይ ማለት ቱር ዲ ፍራንስ ከምዝቀራረቦ ድማ ይሕበር።



ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ን5ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ተዓዊቱሉ






Stage 5 full results details ⤵️ http://www.tourdurwanda.rw/IMG/pdf/stage-5-results.pdf 

1:11:57





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events