Dehai News

( ሚኒስትሪ ዜና) ሚ/ጉ/ወ ኤርትራ፡ንወኪል ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጽዋዕ፡ ተሪር ተቓውሞ ኣስሚዑ።

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 01 May 2019

ሚ/ጉ/ወ ኤርትራ፡ንወኪል ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጽዋዕ፡ ተሪር ተቓውሞ ኣስሚዑ።

 30 ሚያዝያ 2019 


ሚ/ጉ/ወ ኤርትራ፡ ሎሚ ንወኪል ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጽዋዕ፡ ብዛዕባ’ቲ ውድቡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ንዝርከቡ ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ንምትዕንቓፍ ንዝገብሮ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ዘለዎ ተሪር ተቓውሞ ኣስሚዑ።

ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ብመብጽዓ “ምጥያስ ናብ ሳልሳይ ሃገር”፡ ንገለ ካብ’ቶም ኣብ ሊብያ ዝተዓግቱ ኤርትራውያን  ስደተኛታት፡ ኣብ ጸምጸም በረኻታት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ኒጀር ናብ ዝተደኰነ መዓስከር ከምዝሰደደ ይዝከር።

እዚ ብተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተገይሩ ዘሎ ዝኾነ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር፡ ነቲ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብጅምላ ዕቚባ ዘውህብን  ንፍልሰት ደቂ-ሰብ ዘተባብዕን ተጻባኢ መርገጺ’ቲ ውድብ ብምቅላዕ፡ ንኽእረም ህጹጽ ስጒምቲ ክውሰድ ዘዘኻኽር’ዩ።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events