Dehai News

(ቢቢሲ) ኤርትራ፡ "መርገጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኩነታት ሱዳን ዘብእስ'ዩ"

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 05 June 2019

ኤርትራ፡ "መርገጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኩነታት ሱዳን ዘብእስ'ዩ"


ረቡዕ 5 ሰነ 2019 

ወኪል ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕበረት ኣፍሪቃን (የማን)MOUSSA FAKI MAHAMAT/TWITTER

መንግስቲ ኤርትራ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንውሽጣዊ ፓለቲካዊ ቅልውላዉ ሱዳን ኣመልኪቱ ዝኽተሎ ፓሊሲ ብምንቃፍ "ንኩነታት ሱዳን ኣጋፊሕኩም ካብ ምትሕልላኽ ኣእዳውኩም ኣርንቡ" ክብል ጸዊዑ።

ኣብቲ ሎሚ 5 ሰነ ብመገዲ ሚኒስትሪ ዜና ዝወጸ መግለጺኡ፡ "መርገጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኩታት ሱዳን ዘብእስ'ዩ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምስተኣልየ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ንሲቪላዊ መንግስቲ ስልጣን ከረክብ ጸዊዑ ነይሩ።

እንተኾነ ግና፡ እቲ ቤት ምኽሪ ዛጊት ስልጣን ኣየረከበን። ምስ ሕብረት ተቓውምቲ ወገናት ኣትዩዎ ዝጸንሐ ንሰለስተ ዓመት መሰጋገሪ መንግስቲ ናይ ምምስራት መደብ'ውን እንተኾነ ብሰንኪ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝተወልዐ ግጭት ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት'ውን፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ስልጣን ምቕጻሉ ከም ዘሕዘኖ ብምጥቃስ፡ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ስልጣኑ ከረክብ ከም ጸውዐ ይዝከር።

ኤርትራ፡ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዋ ዕቃበታት ንነዊሕ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት እታ ኣህጉር ምስታፍ ካብ ዝበኩር ነዊሕ ጌሩ'ሎ።

እቲ መግለጺ፡ " ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ መፈለምትኡ ንኣፍሪቃን ሃንቀውታ ህዝብታታን ዕዳ ምዃኑን፡ ንምዕራዩ ዝተሃቀነ ጻዕርታት ኩንቱ ምዃኑ'ውን ምስጢር ኣይኮነን" ክብል እቲ መግለጺ እታ ሃገር ዘለዋ ነቔፌታ ኣንጸባሪቑ።

ንምጽጋኑ ዝተገብረ ጻዕርታት "ኩንቱ" ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ ኣስሚሩሉ።

"እቲ ዝያዳ ዘሰክፍ ግን፡ ንናይ ግዳም ምትእትታዋት ምስምስን ሽፋንን ምዃኑ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ብዛዕባ ሱዳን ዝወሰዶ መርገጺታት "ተዋስኦ" ክብል ገሊጽዎ።

ኤርትራን ምስ ሱዳን ዝጸንሐ ዝምድናኣ'ኳ ሻሕኪሩ እንተ ጸንሐ፡ ድሕሪ ምዕላዉ ፕረዚደንት ኣልበሽር ግን ምስቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ሰራዊት ርክባት ጀሚራ ኣላ።

ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን፡ ቀንዲ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓላፊ ፓለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ኣብ ካርቱምYEMANE G. MESKEL/TWITTERሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን፡ ቀንዲ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓላፊ ፓለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ኣብ ካርቱም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ወተሃድራት ሱዳን

ብ21 ግንቦት፡ ሚኒሰተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን፡ ቀንዲ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓላፊ ፓለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ዝኾነ ኣቶ የማነ ገብርኣብን፡ ናብ ካርቱም ብምኻድ ምስ መራሕቲ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ተራኺቦም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ፡ ምስ መራሕቲ 'ኣዋጅ ናጽነትን ልውጢን' ዝተሰምየ ጉጅለ ተቓውምቲ ከም ዝተራኸበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብትዊተር ሓቢሩ ነይሩ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events