Dehai News

ECSS-Online.com: ውግእ እግሪ መኸል

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Tuesday, 27 August 2019

ንሓሰ 27, 2019

ካልኣይ ወራር ወያነ ንምፍሻል ካብ ዘካየድናዮም ዓሰርተታት ውግኣት ሓደ፡ ኣብ ክንፊ ጸሮና (እግሪ መኸልን ፈራሲትን) ዝተኻየደ ውግእ’ዩ። ነዚ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዓቢ ምዕራፍ ዝውንን ፍጻመ ኣልዒለ መጽሓፍ ክጽሕፍ ፈለማ ድፍረት መሲሉ’ኳ ተሰሚዑኒ እንተ ነበረ፡ ድሕሪ ነዊሕ ምምታእ ግን ‘ግድን ክገብሮ ኣለኒ፡’ ብምባል ንነብሰይ ኣእሚነ ተበጊሰ። እነሆ ድማ ተበግሶይ ኣብ ዓወት ስለ ዝበጽሐ፡ ንነብሰይ ዕድለኛ ኢኺ እብላ። ውግእ እግሪ መኸል ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ዝተኻየደ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስ ክብደቱ ዝመጣጠን ሓያሎይ ኣሃዱታት ተሳቲፈንኦ ብምንባረን፡ ንነፍስ ወከፍ ቦጦሎኒ ረኺበ ታሪኽ ክስንድን ቃለ መሕትት ከካይድን ናብ ድፋዓት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ በጺሐ’የ። ክልተ ግዜ ናብ እዚ ምብራቕ (ግንባር ዓሰብ)፡ 71፡ 64 ኪ.ሜ.፡ ሃሎ፡ ባዳ፣ እዚ ማእከል፡ ኣምበሰተ-ገለባ፡ ጸሊም ቀላይ፡ ሓድሽ ዓዲ (ኣኽራን) ሩባ ስሩ፡..........

.........ምንባብ ቀጽል

334229-ውግእ እግሪ መኸል.pdf

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events