Dehai News

ኣስተዋጽኦ ዞባዊ ርግኣት ንቑጠባዊ ዕብየት - ብማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 20 September 2019


ብማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን

ኣስተዋጽኦ ዞባዊ ርግኣት ንቑጠባዊ ዕብየት

መዛግብቲ ታሪኽ ምስ እንግንጽል፡ ታሪኽ ደቂሰባት "ሀ" ኢሉ ካብ ዝፍልም ኣትሒዙ፡ ሃገራት ክፍጠራን ክዓንዋን ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ።

ኣመታት ስነ-ፍልጠታዉያን መጽናዕትታት ምስ እንውከስ፡ ድሕሪ ደጊም፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ክግሃድኡ ኣይክእሉን'ዮም ኢልካ ምጽባይ ከም ዘይከኣል'ዩ። ነዚ ሙጉት እዚ ድርዒ ዝኾኑ ታሪኻዉያን ፍጻሜታት ዉን ኣለዉ'ዮም። ከም ኣብነት ኣብዘን ዝሓለፋ ዉሑዳት ናይ ሰላሳ ዓመታት፡ ብቑጽሪ ዉሑዳት ዘይኮና ሃገራት ከም በረድ ክሓቃ ርኢናን ሰሚዕናን ኣሎና። ገለ ካብዘን ሎሚ ኣብ ነውጺ ዝርከባ ሃገራት ንምጥቃስ፣ ሶማልያ፡ ዒራቕ፡ ሊብያ፡ ሶርያ፡ የመን ወዘተረፈ ከም ኣብነት ክውሰዳ ይኽእላ። ምናልባት ዉን፡ ኣብ ከባቢ ቐርኒ ኣፍሪቃ፡ ፈኸም እንዳበለ ክጉህር ዝጸንሐ ኩነታት ብወድዓዊ ኣገባብ እንተተኸታቲልናዮ፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ዕስራ ክሳብ ሰላሳ ዓመታት፡ ገለ ካብ ጎረባብትና ሃገራት ህላዊአን ከም ሃገርን ግዝኣትን ክሃሳ ዘኽእል ኩነታት ክረኣየን ጀሚሩ'ሎ።

ሽሕ'ኳ፡ ምትእትታው ዞባዉያንን ኣህጉራዉያንን ሃገራት ኣብ ምድምሳስ ናይዘን ዝጠቐስናየን ሃገራት ዘይንዓቕ ኣበርክቶ እንተገበረ፡ ብዓንደርእሱ፡ ኣቃዉማ ናይዘን ሃገራት እዚኣተን ዉን ዘይነዓቕ ተራ ተጻዊቱ'ዩ።

ከም ኣብነት፡ ናይዘን ሃገራት ሕብረሰረታዊ ኣቃዉማ፡ ቑጠባዊ ዝርግሐ (ሰረት)፡ ፖለቲካዊ ርግኡነት፡ ጂኦግራፊያዊ ኣቐማምጣ ወዘተረፈ፡ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን እዘን ሃገራት ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

ስለዚ፡ ንሎሚ፡ ኣብዚ ኣርእስቲ'ዚ፡ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ክንድህስስ ክንፍትን ኢና።፡ እዘን ብዝርዝር ክንድህስሰን ተሊምና ዘሎና ነጥብታት፡ ሃገራት፡ ህላዊአን ንምርግጋጽን ንምዉሓስን፡ ክዕወታሎም ዘለወን ኣገደስቲ ነጥብታት እየን። ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኻ ናብ ረብሓኻ ምዉዓል፡ ከምኡ'ዉን ዉሽጣውን ዞባዉን ፖለቲካዊ ርጉእነት ምፍጣር። 

1) ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ

ኤርትራ ከም ሃገር ሒዛቶ እትርከብ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ኣዝዩ ኣገዳስን ንወፍርን ንግድን ሰሓቢ ይገብሮ። ከም ኣብነት፡ ካብ ኣስመራ ናብ ዱባይ ናይ ብነፋሪት ናይ ኣስታት 4 ሰዓታት በረራ እዩ። ዱባይ፡ ከም ናይ ንግድን ወፍርን ማእከል፡ ንኤርትራ ሓደ ዓቢ ብልጫ ይህባ። ብኻልእ ወገን ዉን፡ ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ሰሓቢ ጂኦ-ፖለቲካዊ ቦታ ተኾይጣ ትርከብ። መሰረታዉያን ናይ ንግዲ መስመራት፡ ብቐይሕ ባሕሪ ይሓልፉ። 

ኤርትራ ክልተ ኣገደስቲ መዕርፎ መራኽብ ትውንን፣ ባጽዕን ዓሰብን። ኣብዘን ዝሓለፋ ዉሑዳት ኣዋርሓት፣ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ፣ ምስፋሕን ምትዕርራያት ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ከም ቐዳምነት ወሲዶም ኣብ ሰፊሕ ስራሕ ይርከቡ። 

ንሎሚ፣ ብዛዕባ ወደብ ባጽዕ ገለ-ገለ ነኣሽቱ ሓበሬታታት ከነካፍለኩም ኢና።

ወደብ ባጽዕ፥

መሰረታዊ ርድኢትና ብዛዕባ ወደብ ባጽዕ ንምርዳእ፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጽሑፍ ንመልከት። እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ምሕደራ ወደብ ባጽዕ ዝተዳለወ እዩ። 

PORT FACILITIES (ቐረብ ወደብ ባጽዕ)

1.1 Infrastructure and Superstructure

The infrastructure of the port is controlled by the Massawa Port Authority and is defined as all water areas within the published port limits, all lands and quays including, in the port, the berth foundations and face and the port pavement. Underground structures including pipes cables and cranes rail supports are considered to be part of the port infrastructure. 

The superstructure of the port is controlled by the Port Management and includes all buildings and fittings plus all equipment and facilities necessary for the efficient operation of the port as a commercial entity.

1.2 Berths

The port has six cargo berths with a total length of 1007 meters. Four of these berths form a continuous length, with berths No.1 and 2 set off by about 15 meters each to northwards. 

Berth No.1 : Length 176 meters, draft alongside 4m- 6.2m, used for coasting vessels. Berthing is usually head-in, port side to. 

Berth No.2 : Length 150 meters, draft alongside 6.2m- 8m, used for coasting and Ro-Ro vessels. Berthing is usually head-in, portside to. 

Berth No.3 : Length 137 meters, draft alongside 8.7m - 8.3m, used for general cargo. Berthing is usually head - out, starboard side to. 

Berth No.4 : Length 137 meters, draft alongside 8 m, used for general cargo. Berthing either side to. 

Berth No.5 : Length 198 meters, draft alongside 8.2 m, used for general cargo and bulk shipments. Berthing either side to. 

Berth No.6 : Length 209 meters, newly reconstructed and fitted, designed as a multi purpose berth, primarily intended for containers. Draft alongside 11.5 m.

1.3 Working Areas

Each of the berths is backed by a wide and open apron, suitable for the direct delivery of cargo. Further storage facilities are provided enclosed open areas, by open sheds and by secure storage sheds.

The newly developed container terminal has areas designated for import and export cargo, the storage of empty containers and facilities for the connection of refrigerated containers.

In the container terminal area there is a large open shed (CFS), which is used for inspection and as container Freight Station, for the staffing and stripping of containers.

The port Management has designated an area for the temporary storage of hazardous goods, which will be accepted and stored without any assumption of liability on the part of the port Management.

2) ፖለቲካዊ ርጉእነት 

ብመንጽር ዞባዉያን ሃገራት፣ ኤርትራ ዝሓየለ መንግስታዊ ትካላት እትዉንን ሃገር ብሙዃና፣ ዉሽጣዊ ምርግጋእ ክትፈጥር ኪኢላ'ያ። መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝገጠሞም ተረርቲ ዓቐበታት፣ ብብልሓት ክወጾም ዘኽእሉ ዓቕምታት ወኒኑ ብምጽንሑ፣ ዋላ'ዉን ኣብቲ ዝኸፍአ ናይ "መንግስቲ ምቕያር" ዝብል ምንቅስቓስ ምዕራባዉያን፣ ነቕ ክብል ኣይከኣለን። እዚ፣ እቲ ዝዓበየ ጸጋ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ። ብቐሊሉ ክንዕናዕ ዘይክእል መንግስቲ ክተክል ምኽኣሉ። 

ኣብ ኤርትራ፣ ፖለቲካዊ ርጉእነት ብቐጥታ ምስ ስነ-ኣእሙራዊ ኣቃዉማ ህዝቢ ተጻሚዱ ዝኸይድ ብሙዃኑ፣ ርግኣትን ሰላምን ኤርትራ ንምርዳእ፣ ሕብረተሰብ ኤርትራ ምብርባር ኣገዳሲ'ዩ።



https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=2473670552867759&id=2364463357121813

Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events