Dehai News

ፈኸራ ቐሊል'ዩ፣ ግብሪ'ግን ካልእ ነገር'ዩ - ብማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 20 September 2019

ብማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን

ፈኸራ ቐሊል'ዩ፣ ግብሪ'ግን ካልእ ነገር'ዩ

ዒባ ዒባ'ዩ። ተጠፍጢፉ፣ ነቒጹ፣ ካብ ሓዊ ምቕጻል ሓሊፉ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ጣቋ ክህልዎ ከቶ ኣይክእልን። ዒባ ሎሚ ጥዑም ሽታ መሮር ክቕየር'የ እንተበለ፣ ትርፎ ንኣእዱግን ከብትን ከገርህ፣ ካልእ ክገብሮ ዝኽእል ቑምነገር ብፍጹም የለን።

ዒባ ፖለቲከኛታት ዘበንና ድማ ከምቲ ንሳቶም ዝሓስብዎን ዝሓልምዎን ክገብሩስ ይትረፍ፣ ንነብሶም'ዉን ክኣልዩን ክከላኸሉን ብፍጹም ብቕዓት የብሎምን። እቲ ዘሕዝን ግን ነቶም ከም ኣእዱግን ከብትን ኮብኪቦሞም ክጓሲይዎም ዝዉዕሉ በሃማት ከታልሉ ክትርኢ እንከለኻ'ዩ።

ሎሚ ኣብ ማንም ዕጹው ሽቓቕ ተሓቢእካ፣ ኣፍካ ክሳብ ዝነቅጽ እንተገዓርካ፣ ንማንም ኤርትራዊ ከተታልሎ ከቶ ኣይትኽእልን። ገለ-ገለ ገርሀኛታት እንተረኸብካ፣ ጁባኻ'ዉን እንተሕበጥካ ንዝግበር ሃሰው-ሰው በሃማት፣ ነቲ ከም ጅግል ተለጢፉ እግሪ እግርኻ ዝጉዓዝ ዓይኒ ዓራት ህዝቢ፣ ከምልጠሉ ብቕዓት ኣሎኒ እትብል እንተኾይንካ፣ ብፍጹም ምስ መን ገጢምካ ከም ዘለኻ ካብ ዘይምርዳእ ጥራይ'ዩ ክኸዉን ዝኽእል። 

ፈኸራ ሓደ ነገር'ዩ። ግብሪ'ግን ካልእ'ዩ። ምኽንያቱ፣ ርሑቕ ዓዲ መዐሸዊ እንተድኣ ኮይኑ፣ ርሑቕ ዓዲ ንመዋእልካ ዓሻ ክሳብ እትኸዉን ክገብረካ ኣይክንጽበን። እትኣትዎ ጉድጓድ ዕምቆቱ ዘይምፍላጥ እቲ ዝኸፍአ ዕሽነት ሙዃኑ ኣዳዕዲዕና ስለ እንፈልጥ። 

ብዋጋ ንጹሃን ኣሽካዓላል ዋጋ የብሉን ኢሉ ዝሓሳብ በሃም፣ እቲ ዝምነዮን ዝብህጎን ስሑል በትሪ ኣብ ዝባን ፈተውቱ ምስ ዘነበ፣ ልክዕ ከም ብበረድ ዝተሃርመ ርእሲ ከም ዝድንዝዝ ክጠራጠር ኣይግባእን።

ይንዋሕ ይሕጸር ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ኣብ ዉሽጡ ጓህሪ ሓዊ ክሉኩሱ ህርዲግ ዝብሉ በእዛኖም ወጢጡ ኣብ ግቡእ ቦትኦም ከም ዝሽጉጦም ሎሚ ኣዳዕዲዕና መልእኽቲ ክንሰደሎም ንፈቱ። ምኽንያቱ ኤርትራ ታቦት እያ። ታቦት ምትንካፍ'ድማ ዋግኡ ከቢድ'ዩ። 

ዓወት ንሓፋሽ

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=2474307172804097&id=2364463357121813


Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events