Dehai-News
Dehai
Events
World News
Videos
DMB
Contact
Search
Dehai News
<< Back
ቅነ ፈንቅል ቅነ ሃማድኤ - ብብወልዳይ ተኸስተ ካብ ከተማ ማንሃይም (ጀርመን)
Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German
Date: Monday, 02 March 2020
ቅነ ፈንቅል ቅነ ሃማድኤ
ቅነ ፈንቅል ቅነ ሃማድኤ
ቅንያቱ ቅንያት መፈንቅልዩ
ቅንያቱ ወርሓቱ ቁርሱ ፍትፍቱ
ቅንያት ወፍሪ ቅንያት ማእቶቱ
ንብርሃነ ኤርትራ ዉላዔ ሽምዓታቱ
መስተርሆት ኤርትራምስ ሓርነቱ
ፈንቅል ሰላሳ ዓመት በሊዓ
ዕድመ ጉብዝንኣ ኣብዒላ
ሽግ ሓርነታ ወሊዓ
ብመንያ ማሚቓ ማእኪላ
በተን ዝደበላወ ዝዓለላ
ኣብ ኪናት ዝደበላ
እነዋለ መዓልተን ከብዕላ
መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ንብዓለማ
ፈልቅል ብዘይ ደቅንስቲዮ ነይመተዓመ ዕማማ
ናይ ኤርትራዊት ኣሎ ፍሉይ ዝገብሮ
በየናይ ኦኣቕመይ'ሞ ክብርብሮ
ኣብ ኩሉ ስለዘይወዕልኩ ቲዉፍሮ
ኤርትራዊት ትገብሮ መን ይገብሮ
ኣብቲ ግቡእ መነባብሮ ዘይነበሮ
ዕጥቂ ጉዕዞ ምረት መጻዉሮ
ዝምድና መዳ ግምጋመ ሕድሪ
ተካኢኣ ክትወድ ከተፍሪ
ተካኢ ስለዘይርከብ ብዕድጊ
ዕሸል ተወሊዱ እንዳደታት
ፍጹም ዘይቀመሰሎም ኣጥባት
ዉልድ ኢሉ ኩሉፍ ብኪናት
ለዋህ ኣንዲያ ደኣ ከም ካልኦት ወልዳት
ራሕሪሓቶ ከይዳ ንድፍዓት
ሓይሊ ብጾታ ከተደልድል ግምባራት
ኣብኣ መስዋእቲ ምስ ቃንዝኣ
ዘይረረወቶ ዘየሰራሰረቶ ሓዲጋ ድሕሪኣ
ኣብታ ዕለተ መስዋታ ተደናፊቓ
ብኸምዚያ ኤርትራዊት ፍልይቲ ዘጸዉዓ
ኣብ ስደት ወሊድ ማህጸን ጸንቂቓ
ኣብ ክንዲ ዉላድ ደቃ ኣስኒቓ
መርገም ዘይትፈልጥ እንትርፎ ምርቓ
መን ኣሎ ኣብ በረድ ዝወጽእ ኣብ ቀዝሒ
ታኒካ ተሓንጊጣ ክትልምን ብዘይ ፍርሒ
ክትሕምሽሽ ነቲ ናይ ጸላኢ ሸርሒ
ማዕረ ኤርትራዊት ከብዕላ
ቁንጣሮ ከምናታ ዘይገበራ
ናይ ኤርትራዊት ፍሉይነት ይበርበር
ብኹላትና ወገር ይነገር
ሰትናት እናበልዋ ሰብኡት ማሪኻ
እዚዩ ዘይተነግረ መዓርግ ታሪኻ
ትርግታ ልባ ሓደህርመቱ
ኣብ ዉሽጢ ይኹን ኣብ ስደቱ
ሃማድኤ ማሕበር ተመስሪቱ
ንጋሉ ወዱ ኣባልነት ማዕጽኡ ከፊቱ
ማሕበርዩ ዝበለት ብጥምረት ንስርሓሉ
ሰብእይናን ሰበይትናን እንከባበረሉ
ኩሉ ጾታ ማዕረ ዝዋሳኣሉ
ንወጽዓ ጋል ኣንስተይቲ ዝመሓወሉ
ብዝኾነ መለኪዒ ትምኽሕቲ ዘይብሉ
ነዚያ ኤርትራዊት ምስ ብጾታ በልያትሉ
ንእስነታን መጻኢኣን ከፊላትሉ
ኣብ መወዳእታ ዓወት ዝዓተረትሉ
በዚያ ከኣ ካብ ካልኦት ትፍለየሉ
ገና ናብርኣ ራህዋ ዘይረኸበትሉ
ኣብ ጠሓኒት ትዉዕል ኣላ ጠብጣቢት
ኣብ ጽርግያ ተቓሊዓ ቆናኒት
ብስግእ ዘይኮነት ብታሪኻ ነባሪት
እዛ መስትርሆ ንኹሉ ከኣሊት
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ ማንሃይም
Back to Dehai News
ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary
See More Videos
Dehai Events
See More Events
A Twitter List by dehai
Latest Posts
The international dictator Trump demands all nations capitulate.
Max Blumenthal documents the U.S. Government’s bipartisan rape of Venezuela.
crime of aggression
ራህዋን ጸገምን ብሓደ ንሕለፎ።
ኣሜርካ ኣብ ጥሕሰት ልእላውነት ቨነንዙአላ፡
How Trump’s outlaw criminal prosecution of Maduro could hurt Trump
[DEMOCRACY NOW, JANUARY 1, 2026] "EMPIRE OF ARTIFICIAL INTELLIGENCE": KAREN HAO ON HOW ARTIFICIAL INTELLIGENCE IS THREATENING DEMOCRACY AND CREATING A NEW COLONIAL WORLD.
Did Trump steal Venezuela in order to use its oil to pay U.S. government’s debts?
[UNITED STATES ARMY WAR COLLEGE] BOOK REVIEW: BOOK TITLE " PROVOKED: HOW WASHINGTON STARTED THE NEW COLD WAR WITH RUSSIA AND THE CATASTROPHE IN UKRAINE" - BY SCOTT HORTON [NOTE: I HAD SENT THIS INFORMATION BEFORE BUT THE "LINK" WAS WRONG. SO, I AM SENDING IT AGAIN WITH THE CORRECT "LINK"]
[Brookings Institution] Breaking down Trump’s 2025 National Security Strategy