Dehai-News
Dehai
Events
World News
Videos
DMB
Contact
Search
Dehai News
<< Back
ቅነ ፈንቅል ቅነ ሃማድኤ - ብብወልዳይ ተኸስተ ካብ ከተማ ማንሃይም (ጀርመን)
Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German
Date: Monday, 02 March 2020
ቅነ ፈንቅል ቅነ ሃማድኤ
ቅነ ፈንቅል ቅነ ሃማድኤ
ቅንያቱ ቅንያት መፈንቅልዩ
ቅንያቱ ወርሓቱ ቁርሱ ፍትፍቱ
ቅንያት ወፍሪ ቅንያት ማእቶቱ
ንብርሃነ ኤርትራ ዉላዔ ሽምዓታቱ
መስተርሆት ኤርትራምስ ሓርነቱ
ፈንቅል ሰላሳ ዓመት በሊዓ
ዕድመ ጉብዝንኣ ኣብዒላ
ሽግ ሓርነታ ወሊዓ
ብመንያ ማሚቓ ማእኪላ
በተን ዝደበላወ ዝዓለላ
ኣብ ኪናት ዝደበላ
እነዋለ መዓልተን ከብዕላ
መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ንብዓለማ
ፈልቅል ብዘይ ደቅንስቲዮ ነይመተዓመ ዕማማ
ናይ ኤርትራዊት ኣሎ ፍሉይ ዝገብሮ
በየናይ ኦኣቕመይ'ሞ ክብርብሮ
ኣብ ኩሉ ስለዘይወዕልኩ ቲዉፍሮ
ኤርትራዊት ትገብሮ መን ይገብሮ
ኣብቲ ግቡእ መነባብሮ ዘይነበሮ
ዕጥቂ ጉዕዞ ምረት መጻዉሮ
ዝምድና መዳ ግምጋመ ሕድሪ
ተካኢኣ ክትወድ ከተፍሪ
ተካኢ ስለዘይርከብ ብዕድጊ
ዕሸል ተወሊዱ እንዳደታት
ፍጹም ዘይቀመሰሎም ኣጥባት
ዉልድ ኢሉ ኩሉፍ ብኪናት
ለዋህ ኣንዲያ ደኣ ከም ካልኦት ወልዳት
ራሕሪሓቶ ከይዳ ንድፍዓት
ሓይሊ ብጾታ ከተደልድል ግምባራት
ኣብኣ መስዋእቲ ምስ ቃንዝኣ
ዘይረረወቶ ዘየሰራሰረቶ ሓዲጋ ድሕሪኣ
ኣብታ ዕለተ መስዋታ ተደናፊቓ
ብኸምዚያ ኤርትራዊት ፍልይቲ ዘጸዉዓ
ኣብ ስደት ወሊድ ማህጸን ጸንቂቓ
ኣብ ክንዲ ዉላድ ደቃ ኣስኒቓ
መርገም ዘይትፈልጥ እንትርፎ ምርቓ
መን ኣሎ ኣብ በረድ ዝወጽእ ኣብ ቀዝሒ
ታኒካ ተሓንጊጣ ክትልምን ብዘይ ፍርሒ
ክትሕምሽሽ ነቲ ናይ ጸላኢ ሸርሒ
ማዕረ ኤርትራዊት ከብዕላ
ቁንጣሮ ከምናታ ዘይገበራ
ናይ ኤርትራዊት ፍሉይነት ይበርበር
ብኹላትና ወገር ይነገር
ሰትናት እናበልዋ ሰብኡት ማሪኻ
እዚዩ ዘይተነግረ መዓርግ ታሪኻ
ትርግታ ልባ ሓደህርመቱ
ኣብ ዉሽጢ ይኹን ኣብ ስደቱ
ሃማድኤ ማሕበር ተመስሪቱ
ንጋሉ ወዱ ኣባልነት ማዕጽኡ ከፊቱ
ማሕበርዩ ዝበለት ብጥምረት ንስርሓሉ
ሰብእይናን ሰበይትናን እንከባበረሉ
ኩሉ ጾታ ማዕረ ዝዋሳኣሉ
ንወጽዓ ጋል ኣንስተይቲ ዝመሓወሉ
ብዝኾነ መለኪዒ ትምኽሕቲ ዘይብሉ
ነዚያ ኤርትራዊት ምስ ብጾታ በልያትሉ
ንእስነታን መጻኢኣን ከፊላትሉ
ኣብ መወዳእታ ዓወት ዝዓተረትሉ
በዚያ ከኣ ካብ ካልኦት ትፍለየሉ
ገና ናብርኣ ራህዋ ዘይረኸበትሉ
ኣብ ጠሓኒት ትዉዕል ኣላ ጠብጣቢት
ኣብ ጽርግያ ተቓሊዓ ቆናኒት
ብስግእ ዘይኮነት ብታሪኻ ነባሪት
እዛ መስትርሆ ንኹሉ ከኣሊት
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ ማንሃይም
Back to Dehai News
My vision for Eritrea: using the power of mathematics to inspire innovation, education, and nation-building. Let’s build a stronger future together.
See More Videos
Dehai Events
See More Events
A Twitter List by dehai
Latest Posts
WTOP Book Report: Local novelist Bsrat Mezghebe looks beneath the surface of DC’s Eritrean community
Waiting, Migration, and the Narrators Between: A Conversation with Bsrat Mezghebe
Semantic Shifts and Strategic Deceptions: The Prosperity Party’s Rhetorical Pivot on the Red Sea
The African quartet in El Alamein: Messages amid Ethiopian escalation
A four-way summit in El Alamein affirms support for stability in the Horn of Africa
Eritrea Minister of Education Halima Mohammed, speaks with Reuters
As Iran war smolders, shunned Eritrea looks to come in from the cold | Reuters
Egypt, Eritrea, Sudan and Somalia leaders reaffirm Red Sea navigation, sovereignty
Egypt, Sudan, Eritrea, Somalia issue declaration on Red Sea governance, state sovereignty, water rights
Newsroom | The Alamein Quadrilateral Summit at a sensitive time.