Dehai News

ሓተታ፥ ለበዳ ኮሮና ቫይራስ ንምግታእ ንቕሓትን ሓላፍነታዊ መንፈስን ዝሓትት ህጹጽ እዋን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 28 March 2020

ሓተታ፥
ለበዳ ኮሮና ቫይራስ ንምግታእ ንቕሓትን ሓላፍነታዊ መንፈስን ዝሓትት ህጹጽ እዋን
"ምስፍሕፋሕ ለበዳ ንምግታእ ስጉምቲ ኣብ ዘይውሰደሉ ኩነት፡ሓደ ዝተለኽፈ ሰብ ኣብ 10 ናይ ምስግጋር ዑደት፡ 59,000 ሰባት ክልክም ይኽእል"editorial 

ለበዳ ንምግታእ
ንቕሓትን ሓላፍነታዊ መንፈስን ዝሓትት ህጹጽ እዋን

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ብልዑል ፍጥነት እናተላብዐ ይዓርግ ኣሎ። ክሳብ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ዝተመዝገበ ሓበሬታ ከምዘረጋግጾ፡ ብደረጃ ዓለም ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ብዝሒ፡ 577,621 በጺሑ ኣሎ። 26,477 ሰባት (4.53%) ድማ ተቐዚፎም ኣለዉ። ትማሊ መዓልቲ ጥራይ፡ 45,811 ሰባት ክልከፉ እንከለዉ፡ 2379 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም። ቅልጣፈ ናይዚ ለበዳ’ዚ ምሒር ኣስጋኢ እዩ። ኣብ ኢጣልያ ንኣብነት፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝጀመረ መልከፍቲ ኣብ ኣርባዕተ ሰሙን ናብ 86,498 ደይቡ፡ 9,134, ሰባት ቐዚፉ ኣሎ። ኣብ ኣመሪካ እውን፡ ኣብ ውሑድ መዓልታት እቲ መልከፍቲ 94,461 በጺሑ ኣሎ። እዚ ኣብ ውሱን ከባቢ ናይ ዓለምና ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝተኸስተ ለበዳ’ዚ፡ ናብ ልዕሊ 199 ሃገራትን ግዝኣታትን ዓለም ተላቢዑ፡ ኣብ ሃገርና እውን ብውሑድ መጠን ተቐላቒሉ ኣሎ።

ኣብ ታሪኽ ዓለምና፡ ብለበዳ ሕማም ገዚፍ መቕዘፍቲ ከጋጥም ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ 1918፡ ለበዳ ቫይረስ ኢንፉሉወንዛ፡ ኣስታት 50 ሚልዮን ሰባት ከምዝቐዘፈ ይፍለጥ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ከኣ፡ በብዓይነቱ ለበዳታት እናተኸስቱ ከቢድ መቕዘፍቲ ኣኸቲሎም እዮም። እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከኣ፡ ኣብ ቅልጣፈን መጠን ዝርግሐን ፍሉይነት ኣለዎ። ንኣብነት ንቡር ጉንፋዕ ዝሓዞ ሰብ፡ ን14 ካልኦት ሰባት ከመሓላልፍ ከምዝኽእል ይፍለጥ። ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ሓደ ሰብ ግና፡ ኣብ 10 ናይ ምስግጋር መድረኽ፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ፡ ክሳብ 59,000 ሰባት ክልክም ከምዝኽእል ናይ ጥዕና ክኢላታት ይገልጹ ኣለዉ። እዚ፡ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ለበዳ ንምግታእ ዝኾነ ስጉምቲ ኣብ ዘይውሰደሉ ኩነት እዩ። በዚ መንጽር’ዚ ክርአ እንከሎ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ’ዚ ከኸትሎ ዝኽእል ጸገም ክብደቱ ክትግምቶ ዘጸግም እዩ።
ኮሮና ቫይረስ ብኣየርን ብምትንኻፍን ብቐሊሉ ክመሓላለፍ ዝኽእል ምዃኑ ኣዝዩ ሓደገኛ ይገብሮ። እቲ ቫይረስ ኣብ ዝዓለቦ ነገራት፡ ኣብ ከም ኣልባሳት፡ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈትና እንግልገለሎም ብዝሒ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ናይ ዕንጸይቲ፡ ሓጺን፡ ጥርሙዝን ፕላስቲክን ኣቚሑ፡ ካብ ሰዓታት ክሳብ 5-6 መዓልታት ክጸንሕ ዝኽእል ምዃኑ ድማ፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ለበዳታት ዝያዳ ኣስጋኢን ንምቁጽጻሩ ኣሸጋሪን ገይሩዎ ኣሎ። እቲ መልከፍቲ፡ በዚ ዘለዎ ፍጥነት እንተቐጺሉ፡ ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት ዘሎ ናይ ጥዕና ትካላትን እውን እንተኾነ ክጻወሮ ልዕሊ ዓቕሙ እዩ። ኣብተን ውሑድ ዓቕሚ ዘለወን ከኣ ኣዝዩ ዝገደደ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ እቲ እንኮ ፍታሕ ፍወሳ ዘይኮነ፡ ንቕሓት ብምፍጣርን ተሪር ስጉምቲታት ብምውሳድን ምትሕልላፍ ናይቲ ቫይረስ ምግታእ ጥራይ እዩ። ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተራእየ ተሞኩሮ ከኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዘጋጥም ዘሎ ብዝሒ መልከፍቲን መቕዘፍቲን፡ ብመጠን’ቲ ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ናይ ምክልኻል ስጉምቲታትን ናይ ትግባረ ዲሲፕሊንን ዓቢ ፍልልይ ኣለዎ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ስግኣት’ዚ ንምምካት ብቐጻሊ መምርሒታት የውጽእን ስጉምቲታት ይወስድን ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ። እዚ መምርሒታት’ዚ ውጽኢታዊ ዝኸውን ግዳ፡ ኩሉ ዜጋ ብልዑል ንቕሓትን ሓላፍነታዊ መንፈስን ምስ ዝተሓባበር ጥራይ እዩ። ገለ ካብቲ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲታት፡ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ምቁራጽን ኣብያተ-ትምህርቲ ምዕጻውን፡ ካብ 10 ሰባት ንላዕሊ ዝእከብሉ ኣጋጣሚታት ምእጋድን እዩ። መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ብወገኖም፡ ኣብያተ ጸሎት፡ ህዝቢ ብእኩብ ዝሳተፎ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ደው ከብላ፡ ዜጋታት ሃይማኖታዊ ግቡኦም ኣብ ቤቶም ኮይኖም ክፍጽሙ መምርሒ ሂቦም ኣለዉ። እዚ መምርሒታት’ዚ ዝወሃበሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ብቐንዱ ዜጋታት ኣብ ገዝኦም ኮፍ ከምዝብሉን ምንቅስቓስ ከምዘውሕዱን ብምግባር ምትሕልላፍ ናይቲ ቫይረስ ንምግታእ እዩ።
ሓቂ እዩ፡ ነዚ ለበዳ’ዚ ንምቁጽጻር ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐታት፡ ምስ ባህሊን ማሕበራዊ ኣነባብራናን ዝሳነ ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ነቲ ብመንግስቲን መራሕቲን ሃይማኖትን ዝወጸ መምርሒታት ካብ ምትግባር ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የለን። ኣብ ከም ቀብሪ፡ ሓዘን፡ መርዓ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ዝህሉ ምትእኽኻባት፡ ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት ከም ኣብያተ መግቢ፡ ኣብያተ ጽሕፈት፡ ዕዳጋታትን ካልኦት ትካላት ንግድን፡ ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ምቅርራብ፡ ምስ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ዘሎ ምትንኻፋት፡ ነቲ ለበዳ ዘቀላጥፍ ምዃኑ ብዕምቈት ክንግዘቦ ዝግባእ እዩ። ኣብዚ ሓደገኛ እዋን’ዚ እምበኣር፡ ንቕሓትን ግንዛበን ናይ ዜጋታት ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ንኣብነት ኣብያተ ትምህርቲ ዝተዓጽወሉ ምኽንያት፡ ብቐንዱ ተማሃሮ ኣብ ቤቶም ኮፍ ንኽብሉ እዩ። ኣብ ካልእ ቦታታት ዝንቀሳቐሱን ዝተኣኻኸቡን እንተኾይኖም ግን፡ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ውጽኢት ስለዘይህልዎ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ንቕሓት ስድራቤታት ክዓዝዝ ይግብኦ።

እዚ ሓደገኛ ለበዳ’ዚ ብዝወሓደ መቕዘፍቲ ክግታእ ዝኽእል እምበኣር፡ ብቐንዱ ነቲ ብመንግስቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲታት፡ ብመራሕቲን ሃይማኖትን ማዕከናት ዜናን ዝመሓላለፍ ዘሎ መልእኽቲታትን ኣስተምህሮታትን ብጥብቂ ብምትግባርን ብሓባራዊ ጻዕሪን ምትሕብባርን ጥራይ እዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ኩሎም መንግስታዊን ብሕታዊን ትካላት፡ ኣብ ኣሰራርሓኦም ንትግባረ ናይቲ ብመንግስቲ ዝወጽእ ዘሎ መምርሒታት ዝሕግዝ ቅጥዒን ኣገባባትን ክኸተሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ድማ፡ እዚ መምርሒታት’ዚ ብቐዳምነት ንድሕነት ነብሱ፡ ብኻልኣይ ድማ ንድሕነት ህዝቡ ምዃኑ ብዕምቈት ተገንዚቡ፡ ብልዑል ንቕሓትን ዜግነታዊ ሓላፍነትን ክተሓባበር ዝሕተተሉ ህጹጽ እዋን እዩ።




7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events