Dehai News

(shabait.com) ሓተታ፥ ሕብረት ኣፍሪቃ – ግቡእ መርገጺ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 15 February 2022

ሕብረት ኣፍሪቃ – ግቡእ መርገጺ

ሓተታ 15 ለካቲት

መበል 35 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብ6 ለካቲት 2022 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባል ሃገራት ናይቲ ውድብ ዝጽዓን በይናኣዊን ቀሳቢን ስጉምቲታት፡ ኣንጻር ኣህጉራዊ ሕጊን ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ደንብታትን፣ ብቐንዱ ድማ፡ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝጻረር ምዃኑ ብምጉላሕ፡ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳንን ዚምባብወን ኣስገዲደንኦ ዘለዋ ዘይሕጋዊን ዘይፍትሓዊን እገዳታት ብቕልጡፍ ክለዓል፡ ልኡላውነትን ሕርያን ናይዘን ሃገራት’ዚኣተን ክኽበር ብምጽዋዕ፡ ምሕዝነቱ ምስ ህዝብታተን ኣረጋጊጹ።

እዚ ውሳነ’ዚ፡ ኣብ ታሪኽ ናይዚ ክፍለ-ዓለም ይኹን ዋዕላታት ኣህጉር ኣፍሪቃ ብርቂ ተርእዮ’ዩ። ኣመት ናይቲ ኣብ ህዝብታትን መንግስታትን ኣፍሪቃ እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ንቕሓት ገይርካ’ውን ክውሰድ ይከኣል።

ልኡኽ ኤርትራ ኣብቲ ዋዕላ፡ ኣፍሪቃ፡ ንጸጥታኣን ቊጠባዊ ምዕባለኣን ኣብ ዝሃሲ ዕቱብ ጉዳያት ከይተረፈ ተዓዛቢት ኮይና፡ ዘይግሃስ መሰላ ንነጻ ፖለቲካዊ ሕርያን ቊጠባዊ ልምዓትን ብተደጋጋሚ ክባጨወሉን ክብሕጐግን ምጽንሑ፡ እዚ ከኣ፡ ውጽኢት ናይቲ ምዕራባውያን ሓይልታት፡ ንምዕባለታት ብዓይኒ ረብሓታቶም ንምቕራጽ ዘካይድዎ ካብ ቅልጽምን ብድዐን ዝብገስ ዓማጺ ተግባራት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሕሉፍ ምእዙዝነት ኣፍሪቃ ንግዳማዊ ረብሓታት፡ ነዚ ኩነት’ዚ ምቹእ ባይታ ፈጢርሉ ምጽንሑ ጸቕጡ ከምዘስመረሉ ይዝከር።

ነዚ ሓቂ’ዚ ዘረጋግጽ፡ ንድሕሪት ተመሊስና፡ ነዊሕ ዘይገበረ ታሪኽ ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ኣብ 2009 ን 2011፡ ባይቶ ጸጥታ ሕ.ሃ. ብድርኺት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክልተ ግዜ ዘይፍትሓዊ እገዳ ኣብ ዘሕለፈሉ፡ ንድፊ ናይቲ ውሳነ፡ ብመገዲ ኢጋድን ገለ ተለኣኣኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ናብ ባይቶ ጸጥታ ከምዝቐርብ’ዩ ተገይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ (ብዘይካ ድምጻ ዝዓቀበት ሊብያ)፡ ንሃንደስቲ ናይዚ ዘይፍትሓዊ ውሳነ’ዚ ንምሕጓስ፡ ብዘይ ዝኾነ መርትዖ ነቲ ውሳነ ደገፈን ክህባ ተራእየን።

ብመንጽር ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሉፍን ዘየሐብንን ታሪኽ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ ናይ ሕጂ ዋዕላኡ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ነቲ ኣህጉር ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ከምኡ’ውን ነቶም ግዳይ ዘይፍትሓዊ ውሳነታት ብምዃን ከቢድ ማህሰይቲ ክወርዶም ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ህዝብታትን ዕዙዝ ትርጉም ኣለዎ።

ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዝህቦ ትርጉም፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ድኹም ኩነተ-ህላወን መጋበርያነትን ወጺኡ፡ ክብረት ህዝብታት ኣፍሪቃ ብዝምጥን ደረጃ ክዋሳእ፡ ኣፍሪቃውያን፡ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባኣያታት ብብቕዓት ዝውክሎምን ረብሓታቶም ዝከላኸልን፡ ግዳማውያን ሓይልታት ዘይመልክዎ፡ ናጻን ንጡፍን ውድብ ክህልዎም ዝድርኽን ትብዓት ዘስንቕን እዩ። ንማሕበረሰብ ዓለም ድማ፡ ገለ ሃገራት ንናይ ገዛእ ርእሰን ረብሓታት፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ዝወስድኦ በይናዊ ስጕምትታት ሕጋውነት ከምዘይብሉ ንጽር መልእኽቲ ዘመሓላለፈ እዩ።

ከምዝፍለጥ ናይ 1945 ቻርተር ሕ.ሃ.፡ ኩለን ኣባል ሃገራት ናይቲ ውድብ ዝኸተማሉ ኣገዳሲ ኣህጉራዊ ስምምዕ (treaty) እዩ። እዚ ቻርተር’ዚ፡ ማዕርነት ልኡላውነት ሃገራት ምቕባል፤ ፖለቲካዊ ናጻነት ሃገራት ምኽባር፤ ንሓድሕድካ ተሳኒኻ ምንባር ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጣዊ ጕዳይ ካልእ ሃገር ጣለቃ ዘይምእታው ኣብ ዝብሉ መሰረታውያን መትከላት ዝሰረተ እዩ። ዓንቀጽ 2 (3) ከምኡ’ውን ዓንቀጽ 33 ቻርተር ሕ.ሃ. ኣብ መንጎ ሃገራት ዘጋጥሙ ፍልልያት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍትሑ ከምዝግባእ ብምግላጽ፡ ንሕ.ሃ. ፍልልያት ብሰላማዊ መንገዲ ዝፍትሑሉ ኣገባባት ናይ ምጥጣሕ ሓላፍነት የስከሞ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ 1965 ሕ.ሃ. ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ዝዀነት ሃገር ኣብ ልዕሊ ካልእ ሃገር ቍጠባዊ፣ ፖለቲካውን ካልኦት ተመሳሰልቲ ስጕምትታት ብምውሳድን ንኺውሰዱ ብምትብባዕን ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ሃገራት ጸቕጢ ክትፍጠር ኣይግባእን” ይብል። ኣዋጅ ምሕዝነታዊ ዝምድና ሃገራት 1970፣ ቻርተር ቍጠባዊ መሰላትን ግቡኣትን ሃገራት 1973 እውን ተመሳሳሊ መግለጺታት ኣስፊሮም ይርከቡ። ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ፡ በይናዊ እገዳ ንኣህጉራዊ ንግዲ፣ ቍጠባዊ ምዕባለን ወፍርን ዝዕንቅፍ፤ ምስ መትከላትን ትሕዝቶን ዝተፈላለዩ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላት ዝጻረር ብምዃኑ፡ ሃገራት ንበይናዊ እገዳ ዝምልከቱ ሕግታት ከየውጽኣን ከየተግብራን ይድንግግ። ዝያዳ ኩሉ፡ እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2014 ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕ.ሃ. ዝሓለፈ ውሳነ 27/21፡ “በይናዊ ናይ ቀሰብን ስጉምቲታትን ሕጋጋትን ንኣህጉራዊ ሕጊ፡ ዓለም-ለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊን ቻርተር ሕ.ሃ.ን ዝጻረር፡ መርሓ ሰላማዊ ዝምድና ኣብ መንጎ መንግስታት ንዝኾነ ስነ-ምግባርን መትከላትን ዝጻረር’ዩ” ኢሉ ብምቅዋም፡ ነዚ ዝከታተል ፍሉይ ራፖርተር ከምዝቐውም ገይሩ እዩ።

ብኻልእ ወገን ኣህጉራዊ ልምዳዊ ሕጊ (international customary law) ንበይናዊ እገዳ ኣትሪሩ ይቃወሞ’ዩ። ዝተፈላለያ ዞባዊን ኣህጉራዊን ትካላት ከኣ፡ ዘይሕጋውነት በይናዊ እገዳን ኣብ ልዕሊ ግዳይ ዝዀና ሃገራት ዘውርዶ ማሕበረ-ቍጠባዊ ሃስያን ኣብ ግምት ብምእታው፡ “ሕጋዊ ኣይኰነን” ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ኣለወን። ንኣብነት ኮንፈረንስ ንግድን ልምዓትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNCTAD)፤ ጕጅለ 77 (G 77)፤ ምንቅስቓስ ዘይሻራውያን ሃገራት፤ ቍጠባዊ ኮምሽን ኣፍሪቃ (ECA)፤ ቍጠባውን ማሕበራውን ኮምሽን ምዕራብ ኤስያ (ESCWA)፤ ውድብ መማኽርቲ ሕጊ ኤስያን ኣፍሪቃን (AALCO) ገለ ካብተን ንዘይሕጋውነት በይናዊ እገዳ ብትሪ ዝቃወማ ዞባዊን ኣህጉራዊን ትካላት እየን። እዚ ናይ ሕጂ ውሳነ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ነዚ ብዙሕ ዝተደጋገመ ርትዓዊ ኣመለኻኽታ ዝድርዕ እዩ።

ኩሎም ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ሕጋጋት፡ ንበይናዊ እገዳ ብዘየሻሙ ቃላት ኣትሪሮም ዝቃወሙ ምዃኖም እናተፈልጠ፡ ዓበይቲ ሓይልታት፡ ኣውራ ኣመሪካን መሻርኽታን፡ ነዚ ሕጋጋት’ዚ እናጠሓሳን ናይ ባዕለን ሕጋጋት እናሓንጠጣን ዝወስድኦ ናይ ብድዐን ጸቕጢን ስጉምቲታት እምበኣር ዘይሕጋውነቱ፡ ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ህዝብታት ዓለም እናነቕሕሉ ብምምጻእ፡ እናበድህዎ እዮም ዝርከቡ። ንጸቕጢ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝቃወም ዘሎ፡ ሰፊሕ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን ምልዕዓል ፓን ኣፍሪካንዝምን ሓደ መርኣያ ናይዚ ንቕሓትን ብድሆ ኣንጻር ጸቕጢን ዕብለላን’ዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መበል 32 ዋዕላኡ ኣሕሊፍዎ ዘሎ ውሳነ፡ ነቲ ብዘይሕጋዊ ውሳነታት ተደጋጋሚ ማህሰይቲ ዝወረዶ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ዝኽሕስ’ዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ብውሑዱ ግን ንወጽዓ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ተመሳሳሊ ኣደራዕ ዝወረዶም ህዝብታትን ኣፍልጦ ዝሃበን ምሕዝነቱ ምስ’ዞም ህዝብታት ዘረጋግጸን ብምዃኑ፡ ፖለቲካዊን ታሪኻዊን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። እዚ ንህዝብታት ኣፍሪቃ ሓድሽ ተስፋ ዘስንቐ ድምጺ ግን፡ ሓይልን ኣድማዕነትን ክህልዎ፡ ብጸቕጢ ሓያላን ሃገራት ከይዕበስን ከይቅልበስን ቀጻሊ ጻዕርን ጸዓትን ክሓትት’ዩ።



7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events